ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋርን ሚሳይላትን ክትቕጽል ምዃና ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ሃገሩ ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ፈተነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋርን ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ክትቕጽለሉ ምዃና ኣፍሊጡ።
እታ ሃገር ምስ ኣሜሪካ ዝጀመረቶ ዝርርብ ግን ከምዝቕጽል ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ ዘረብኡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን "ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ኣጽዋር" ከምእተላልይ ገሊጹ።
ንዝርርብ ቦታ ከምዝህልዉ ዝሓበረ እቲ መራሒ፡ ኩነታት ፈተነ ኣጽዋር ምስ "ኣራኣእያ" ኣሜሪካ ዝተመስረተ ከምዝኸውን ኣመልኪቱ።
እቲ ናህሪ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ክዝሕል ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ ፕሮግራም ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ምሉእ ብምሉእ ክቋረጽ እንተዘይክኢሉ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ኣንቢራቶም ዝጸንሐት ማዕቐባት ከምዘይተልዕሎም ኣሜሪካ ብምግላጻ'ዩ።
መርገጺ ኣሜሪካ ንምቕያር ዝሓሰብት ሰሜን ኮርያ ብወገና ኣብ መዛዘሚ ዓመተ 2019 ፈተነ ዝተፈላለዩ ኣናኣሽቱ ኣጽዋር ኣካይዳ ነይራ።
እታ ሃገር ባዕላ ዝወሰነቶ ግዜያዊ ምቁራጽ ፈተነ ኒኩሌርን ነዊሕ ዝውንጨፉ ሚሳይላትን [ክሳብ ኣሜሪካ ዝበጽሑ] ሓደ ካብ ዓንድታት'ቲ ምስ ኣሜሪካ ዝግበር ድርድራት'ዩ።
ኪም እንታይ ኢሉ?
መሪሕነት እቲ ገዛኢ ውድብ'ታ ሃገር ልሙድ ብዘይኮነ ኩነታት ኣብዚ ዓመት ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሐ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። ኪም ድማ ኣብ መዕጸዊ እቲ ኣኼባ ዘረባ ኣስሚዑ።
ማዕኸን ዜና ሰሜን ኮርያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና፡ እቲ መራሒ ሃገሩ ባዕላ ብዝወሰነቶ ግዜያዊ ምቁራጽ ፈተነ ኣጽዋር ክትቕየድ ከምዘይብላ ምዝራቡ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታታት ኮይንና፡ ብበይናዊ [ውልቃዊ] መብጽዓ ንቕየደሉ ምኽንያት የለን" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ "ዓለም ኣብ መጻኢ ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ኣጽዋር ክትርእይ እያ" ክብል ምዝራቡ'ውን ሓቢራ።
ምላሽ ኣሜሪካ
ብምኽንያት ኣብ ፌሎሪዳ ዝተዳለወ ምድላው ሓድሽ ዓመት ናብኡ ይጓዓዝ ዝነበረ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ንሱን ኪምን "ካብ ኒኩሌር ነጻ ንምዃን ውዕሊ ተፈራሪምና ኢና" ኢሉ።
"ቃሉ ዘኽብር ሰብ ከምዝኾነ እየ ዝሓስብ" ክብል'ውን ብዛዕባ ኪም ተዛሪቡ።
ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ብወገኑ፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ኲናት ንሰላም ከምእትመርጽ እምነቱ ገሊጹ።
"ኪም ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝኣተዎ ቃል እንተደኣ ኣፍሪሱ ብጣዕሚ ዘጉህይ ክኸውን'ዩ" ክብል ንማዕኸን ዜና ኣሜሪካ ሲቢኤስ ተዛሪቡ።
ሰሜን ኮርያ ፈተነ ከይተካይድ ኣሜሪካ ድማ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ከይትገብር ኣብ ስምምዕ በጺሖም ምንባሮም ፖምፒዮ ኣዘኻኺሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







