ኣመሪካ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወታሃደራዊ ኣጽዋር ንታይዋን ሸይጣትላ

ወታሃደራት ታይዋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ፡ ነታ ከም ሃገር ዘይትፈልጣ ታይዋን፡ 1.8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወታሃደራዊ ኣጽዋር ክትሸጠላ ወሲና።

እቲ ኣጽዋራት ኲናት ተወንጨፍቲ ሮኬታት፡ 'ሰንሰርስ'ን መዳፍዕን ዘጠቓለለ ምዃኑ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፔንታጎን ሓቢሩ።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ዘሎ ምትፍናን ዘጋድድ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ቻይና ነታ ንርእሳ ከም ሃገር እትቖጽር ታይዋን፡ ከም ሓንቲ ዝሓከለት ዞባኣ ወይ ኣውራጃኣ ገይራ'ያ ትጥምታ።

ኣብዚ ቐረባ እዋናት፡ ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ እናነሃረ ምምጽኡ ይንገር። ቻይና፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ወታሃደራ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ድሕር ከምዘይትብል ከትገልጽ ከተፈራርሕ ጸኒሓ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ሮበርት ኦብሪን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቻይና ንታይዋን ክትወራ'ያ ዝብል እምነት ከምዘይብሉን፡ እንተኾነ ግን እታ ደሴት "ዕርድታታ ከተደልድል" ከም ዘለዋን ተዛሪቡ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ብወገኑ "እቲ ኣጽዋር "ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ዘደልብን፡ ምዕሩይ ኲናት ንምምዕባል ዘሐይልን'ዩ" ክብል ገሊጹ።

እቲ ናይ መሸጣ ስምምዕ፡ 135 ተመራሒ ክሩዝ ሚሳይላት፡ ተንቀሳቐስቲ ተወንጨፍቲ ሮኬታትን፡ ኣብ ነፈርቲ ውግእ ክጣበቕ ዝኽእል ናይ ኣየር ስለያዊ መሳሪሒታትን ዘጠቓለለ'ዩ።

ታይዋን ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ኣመሪካ እቲ ዝለዓለ ኣጽዋር ክትረክብ ምኽኣላ ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ እቲ ስምምዕ መሸጣ ኣጽዋር፡ ኣብ ዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎን ግብረመልሲ ክወሃበሉ ምዃኑን ኣጠንቂቑ'ሎ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

ነፈርቲ ውግእ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, VCG VIA GETTY

መግለጺ ስእሊ, እታ ሰራዊታ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ቻይና ወታሃደራዊ ሓይሊ ከም እትጥቀም ተጠንቅቕ

ኣመሪካ፡ ንታይዋን ከም ሃገር ኣይትፍለጣ እንበር፡ ጥቡቕ ጸጥታዊን ቁጠባውን ዝምድና ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ታይዋን ዘለዎ ርክብ እናሓየሎ ምምጽኡ ነቲ ምስ ቻይና ዝጸንሐ ሚዛኑ ዝሓለወ ርክብ ክፈታተኖ ጀሚሩ'ሎ።