ኣዛዚ ሰራዊት ታይዋን ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ታይዋን ኣብ ናይ ሄለኮፕተር ሓደጋ ከም ዝተቐትለ ሰብስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ካልኦት 8 ኣብታ ሄለኮፕተር ዝነበሩ ሰባት'ውን ኣብቲ ሓደጋ ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ።
ጀነራል ሸን ዪ፡ ምስ ካልኦት 12 ሰባት ኣብ ሓንቲ 'ብላክ ሃውክ' ዝዓይነታ ሄለኮፕተር እናበረሩ እንከለው፡ ኣብ ጥቓ ርእሰከተማ ታይፐይ ተሓምሽሻ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ጀነራል፡ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር'ዩ ዝጓዓዝ ነይሩ።
ሓይሊ ኣየር ታይዋን፡ ክልተ ብላክ ሃውክ ሄለኮፕተራትን ኣስታት 80 ወታሃደራትን ናብቲ ቦታ ሓደጋ ከም ዝሰደደ ኣገልግሎት ዜና ታይዋን ኣፍሊጡ።
እታ ካብቲ ኣብ ጥቓ ርእሰከተማ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ሶንግሻን ዝተበገሰት ሄሊኮፕተር፡ ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠማ ኩታት ብህጹጽ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን'ያ፡ ኣብ ሓደ ጎቦታት ዝበዝሖ ከባቢ ተሓምሺሻ።
ህይወት ናይቶም ተሳፈርታ ንምድሓን ዝተገብረ ጻዕሪ ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ኣየርን፡ ዝወደቐትሉ ቦታን ምድንጓዩ'ውን ተገሊጹ።
ታይዋን፡ ኣብ 1949 ካብ ቻይና ድሕሪ ምንጻላ፡ ርእሳ ኪኢላ'ያ ትመሓደር። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሃገራት ከም ሃገር ኣይፈልጣኣን'የን።
ቻይና፡ ንታይዋን፡ ሓንቲ ካብ ኣውራጃታታ ጌራ'ያ ትርእያ። "ሓንቲ ሃገር፡ ክልተ ስርዓታት" ብዝብል መትከል ድማ፡ በቲ ዘላቶ ክትቅጽል ኣፍቂዳትላ'ያ።
ታይዋን፡ ካብታ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ (ኮሚኒስት ፓርቲ) እትመሓደር ቻይና፡ እትፍለየሉ ቀንዲ ነገር ፖለቲካዊ ብዙሕነታን፡ ዘለዋ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓትን'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







