ኣመሪካ፡ ቻይና ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና እትገብሮ ናይ 'ምህዳድ ተግባራት' ደው ከተብሎ ጸዊዓ

ኣከራኸርቲ ደሴታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና፡ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና እትኽተሎ ዘላ መናውራታት "ፍጹም ሕጋዊ ከም ዘይኮነ" ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ቻይና ኣብተን ኣከራኸርቲ ደሴታት እትገብሮ ናይ "ምህዳድ ጎስጓስ" ጌጋ ከም ዝኾነ ንጹር ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ቻይና ብወገና፡ ኣመሪካ "ኮነ ኢላ ነቲ ዘሎ ክውንነትን ዓለምለኻዊ ሕግን ትጠዋውዮ" ኣላ ክትብል ትኸሳ።

ቻናይ፡ ኣብቲ ኣኸራኻሪ ቦታ መዓርፎ ነፈርቲ ክትሃንጽን ክተዕልብን ምስ ጀመረት ንብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ኣቆጢዐ'ያ።

ፊሊፒንስ፣ ታይዋን፣ ማሌዥያ፣ ቬትናምን ብሩናይን ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ንዝርከባ ደሴታት ናይ ይግባኣኒ ሕቶ ከምዘቕርባ ይፍለጥ።

መራኽብን ነፈርቲን ኣመሪካ፡ ናብተን ቻይና ናይ ህንጻ ስርሓት ብምስልሳል ከም መዓስከራት እትጥቀመለን ዘላ ደሴታት እናተጸግዓ፡ ነገር ይጽሕትራ ምህላወን'ያ ቻይና ትኸስስ።

ቻይና፡ ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ተደኲነን ዝርከባ ደሴታት ናታ ምዃነን ብምግላጽ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ክተእትወን እንከላ፡ ጃፓን፣ ፊሊፒንስን ቬትናምን በብወገነን እተን ደሴታት ከም ዝብጽሕአን ብምግላጽ ይካትዓ።

ቻይና ነቲ ካብ ጎረባብታ ሃገራት ዝቐርበላ ሕቶታት ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብተን ኣከራኸርቲ ደሴታት ወተሃደራዊ ንጥፈታታ እናኣሓየለቶ ክትመጽእ ጸኒሓ'ላ።

እዚ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ኣብ ዘሎ ኣካታዒ ደሴታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቻይናን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብ ወጥሪ ኣእቲይወን ይርከብ።

ማያት ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ማእከል ዓለምለኻዊ መተሓላለፊ መስመር መራኽብ ከምኡ'ውን ማእለያ ዘይብሉ ዕቑር ነዳዲ ዘይቲ፣ ባህርያዊ ጋዝን ማዕድናትን ኣለዎ።

ኣመሪካ፡ ንነዊሕ እዋን ነቲ ቻይና እትወስዶ ስጉምትታት ንቊጠባዊ፣ ፖለቲካውን ስታራቴጂካውን ረብሓታት እቲ ዞባ ዘርብሕ ኣይኮነን ብምባል ብቐጻሊ ክትኩንኖ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።