ፕረሲደንት ዢ፡ ቻይና ክትድህለል የብላን ኢሉ ንፓርላማ ሃገሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንግፒን፡ ቻይና ኣብ ጉዕዞ ምዕባልኣ ክትድህለል የብላን ክብል ንሃገራዊ ህዝባዊ ጉባኤ (ናሽናል ፒፕልስ ኮንግረስ፡ ኤን ፒ ሲ) ኣዘኻኺሩ።
ኣብ መዕጸዊ ኣኼባ ፓርላማ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ፕረሲደንት ዢ ቻይና ኣብ ወሳኒ ኩነት ናይ ታሪኻ እያ ዘላ፡ ከድሕና ዝኽእል ድማ ደሳዊነት (ሶሻሊዝም) ጥራይ'ዩ ኢሉ።
ኤን ፒ ሲ ኣገደሳዪ ዓመታዊ ናይ ቻይና ፖለቲካዊ መድረኽ'ዩ። ፍሉይነት ኣኼባ ናይ ሎም ዘመን ድማ ምልዓል ደረት ፕረሲደንትነት'ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ፕረሲደንት ዢ ሙሉእ ዕድሚኡ ንቻይና ክመርሓ ክኽእል'ዩ ማለት'ዩ።
እታ ኣኼባ ፓርላማ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ይካየድ'ሞ ድሮ በቲ መሪሕነት ዝተወሰኑ ውሳነታት ድማ ንማለቱ የጽድቕ።
ኣብ መደርኡ፡ ፕረሲደንት ዢ ንቻይና ዘለዎ ዓብይ ራእይ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነታ ሃገር ሓዲሽ ህይወት ንምሃብን "ንስልጣነ ማሕበረ-ሰብ እትገብሮ ገዚፍ ኣስተዋጽኦ" ቐጻልነት ክህልዎን ዘለዎ ጥሙሕ ድማ ኣፍሊጡ።
"ዴሳውነት (ሶሻሊዝም) ጥራይ ንቻይና ከምዘድሕና ታሪኽ መስኪሩን ይምስክርን ኣሎ" ክብል ድማ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓድነት ቻይና
ንቻይናውያን ከም "ናይ ብሓቂ ጀጋኑ" ቻይና ገይሩ ከምዝርእዮምን፡ ንሱ ይኹን ካልኦት ፖለቲከኛታት "ንረብሓ ህዝቢ ኣጽዒቶም ክሰርሑ ኣለዎም" ድማ ኢሉ።
ታይዋን ብዝምልከት ድማ፡ ኣድላየነት ሓድነት ንምዕባለ ሓንቲ ሃገር ኣስሚርሉ፡ ቻይና ድማ ንታይዋን ንምንጻል ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ክተፍሽሎ ምዃና ኣረጋጊጹ። "ዋላ ስድሪ'ውን ትኹን ካብ መሬት ግዝኣት'ዛ ብልጽቲ ሃገርና ምቑራስ ከምዘይፍቀድን ከምዘይከኣልን ናይ ኩሉ ቻይናዊ እምነት'ዩ"።
ቻይና ነታ ብገዛእ ርእሳ እትመሓደር ታይዋን ከም ሓንቲ ንግዚኡ ተነጺላ ዘላ ግን ከአ ኣብ መጻኢ ተመሊሳ ምስ ቻይና ሓንቲ ሃገር እትኸውን ኣካል ገይራ'ያ ትርእያ።
ኣኼባ ኤን ፒ ሲ
እዚ ናይ ሎም ዘመን ኣኼባ ኤን ፒ ሲ ነቲ ድሮ ሓያል ስልጣን ዝነበሮ ፕረሲደንት ዝሓየለ ዝልጣን ዝሃበ'ዩ ነይሩ። ካልኣይ እብረ ፕረሲደንትነት ዥ ጂፒንግ ኣጽዲቑን ናይቲ ፕረሲደንት ፖለቲካዊ ፍልስፍና ወይ "ኣተሓሳስባ ዢ ጂፒንግ" ድማ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ናይ'ታ ሃገር ከምዝሰፍር ድማ ገይሩ።
ኣባላት ፓርላማ ድማ ምቛም ሓድሽን ሓያልን ኣንጻር ብልሽውና ዝቃለስ ኤጀንሲ ኣጽዲቖም።
ኤን ፒ ሲ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሓንሳብ ጥራይ ዝካየድ ጉባኤ ናይቲ ኮሚኒስት ፓርቲ ኮንግረስ ስዕቡ መጺኡ፡ ኣብቲ ኣዋን'ቲ እቲ ሰልፊ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስጉምቲ ምሓያል ፕረሲደንት ዢ ወሲዱ፡ ምስ ናይ ቀደም መርሒ ቻይና ማኦ ዠዶንግ ድማ ኣብ ሓደ ጽፍሒ ኣቐሚጥዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







