ታይዋን ናጽነታ ክትእውጅ እንተፈቲና 'ኵናት ምውላዕ' ማለት ምዃኑ ቻይና ኣጠንቂቓ

ነፈርቲ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, VCG VIA GETTY

ደሴት ታይዋን ናጽነት ክትእውጅ እንተፈቲና “ኵናት ምውላዕ” ማለት ምዃኑ ቻይና ኣጠንቂቓ።

እቲ መጠንቀቕታ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንታይዋን ዘለዎ ደገፍ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ ተዋሂቡ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሰራዊት ቻይና ብነፈርቲ ውግእ ዝተሰነየ ወታሃደራዊ መናውራታት ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ኣካይዱ ነይሩ።

ኣመሪካ፡ ነዚ ናይ ቻይና መጠንቐቕታ ‘’ዜሕዝን’ዩ’’ ክትብል ድሕሪ ምግላጻ፡ እዚ ዘሎ ወጥሪ ናብ ረጽሚ ዘምርሓሉ ጉዳይ ኣይኮነን ክትብል ወቒሳታ።

ቻይና፡ ንደሴት ታይዋን ከም ኣካላ ገይራ እያ እትርእያ። ታይዋን ግን፡ ቅዋም ሰራዊት ከምኡ’ውን ዝተመርጹ መራሕትን ዘለዋ ከም ልኡላዊት ሃገር ገይራ እያን ንነብሳ እትርኢ።

መንግስቲ በጂንግ፡ መንግስቲ ታይዋን ነታ ደሴት ናብ ናጽነት እትእውጀሉ መገዲ ገጹ ይመርሓ ከይህሉ ስግኣት ከምዘለዎ ተንተንቲ እቲ ዞባ ይሕብሩ።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ቻይና ንፕረዚደንት ታይዋን በይናዊ ስጒምቲ ከይትወስድ ኣጠንቂቖማ ኣለው።

ፕረዚደንት ታይዋን ግን፡ ታይዋን፡ ድሮ ናጻ ሃገርን ልኡላዊትን ብምዃና ድሕሪ ምዝኽኻር ዝኾነ ወግዓዊ ምእዋጅ ትርጒም ከምዘይብሉ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ሰራዊት ቻይና ብነፈርቲ ውግእ ዝተሰነየ ወታሃደራዊ መናውራታት ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ኣካይዱ ነይሩ። ሚኒስትሪ ምኸልኻል ቻይና፡ ‘’ነዚኦም ናይ ናጽነት ጠባያት ዘርእዩ ንምዕዶም ኣለና። በቲ ዝጀመርዎ ሓዊ ክነዱ እዮም። ናጽነት ታይዋን ማለት “ኵናት ምውላዕ” እዩ ኢሉ።

ውሽጣዊ ጒዳያት ታይዋን ግን፡ ቻይና፡ ታይዋን ልኡላውነታ ናይ ምኽልኻልን ከምኡ’ውን ንናጽነትን ዴሞኩራስን ናይ ምኽባር መሰላ ኣትሒታ ክትርዮ የብላን ክብል ተዛሪቡ።