መራሕቲ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ናይ ፈለማ ቴለፎን ርክቦም እንታይ ዘትዮም?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/EPA
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ቻይናዊ መዘንኡ ዢ ጂንፒን ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴለፎን ርክብ፡ ኣብ ዢንጅያንግ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተዘራረበ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ባይደን፡ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ብዛዕባ ዘሎ ንግዲ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሆንግ ኮንግ ገይራቶ ዘላ ጸቕጥን ምስ ታይዋን ዘሎ ወጥርን ኣመልኪቱ ከም እተዘራረበ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሃገራዊ መደበር ቴለቪዥን ቻይና ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንተ ዢ፡ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ዝህልው ሓርፋፍ ዝምድና ንኽልቲአን ሃገራት ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ቀረባ ግዚያት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና ብምኽንያታት ንግዲ፡ ተግባራት ስለያን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ክሕርፍፍ ጸኒሑ እዩ።
ዝምድና ቻይናን ኣሜሪካን ንኽልቲአን ሃገራት ኮነ ንመላእ ዓለምን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግለጽ።
ሓድሽ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ዝተበላሸወ ዝምድና ንምምሕያሽ ክሰርሕ ቻይና ብተደጋጋሚ ጸዊዓ ኣላ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተኻየደ ናይ ቴለፎን ርክብ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ቻይና ብምዃኑ ብዙሓት መርኣያ ጽቡቕ ድልየት ምዃኑ ይገልጹ።
ባይደን ድሕሪ እቲ ርክብ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ “ንህዝቢ ኣሜሪካ ዘርብሕ እንተኾይኑ እየ ምስ ቻይና ዝሰርሕ ኢለዮ” ክብል ጽሒፉ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ባይደን “በይጂን እትገብሮ ኣገዳድን ዘይፍትሓውን ንጥፈታት፡ ኣብ ልዕሊ ሆንግ ኮንግ ጸቕጢ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዚንጅያንግን ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ ዝግበር ምንቅስቓሳት ዘለዎ ሻቕሎት ኣትሪሩ ከም እተዛረበ” ሓቢሩ።
ቻይና ኣብቲ ኣብ ዞባ ዚንጅያንግ ዝርከብ “ናይ ስልጠና መዓስከራት” ኢላ ኣብ እትጽውዖም ማእከላት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዊገር ቀዪዳ ምህላዋ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
ዝበዝሑ ኣስላም ዝኾኑ ህዝቢ ዊገር፡ ኣብ ግዱድ ዕዮ ከም ዝዋፈሩን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብግዲ ከም ዝመኽናን ጭብጥታት ይሕብሩ። ቻይና ነቲ ክስታት ትነጽጎ።
እቶም መራሕቲ ኣብ ቃልሲ ለበዳ ኮቪድ-19 ርእይቶ ከም ዝተለዋወጡን፡ ኣብ ብድሆታት ምውሓስ ዓለምለኻዊ ጥዕና፡ ለውጢ ኩነታት ኣየርን፡ ምፍራይ ኣጽዋርን ከም ዝዘተዩ'ውን ተፈሊጡ።
ሃገራዊ መደበር ቴለቪዥን ቻይና ሲሲቲቪ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ “ክልተኣዊ ዝምድናን ዓበይቲ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት ብዕምቆት ከም ዝዘተዩ” ጸብጺቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







