ወተሃደራት ቻይናን ህንድን ናብ 'ሓድሽ ዶባዊ ጎንጺ' ምእታዎም ተገሊጹ

ኣብ ከባቢ ሰሜን ሲኪም ዝርከብ ዶብ - ፋይል ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሞንጎ ወተሃደራት ቻይናን ህንድን ብሰንኪ ኣብቲ ነተን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዶብ መሊሱ ብዝተወለዐ ግጭት ካብ ክልቲኤን ወገን ወተሃደራዊ መቑሰልቲ ከምዘጋጠመ ጸብጻብ ማዕኸን ዜና ህንዲ ኣመልኪቱ።

እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተወለዐ ግጭት ሰሜን ሲኪም ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ። ሰራዊት ህንዲ "ቀሊል ጎንጺ ነይሩ ግን ከኣ ተፈቲሑ" ክብል ሓቢሩ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዕድመ ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወጥርታት እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ክልቲኤን ድማ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ግዝኣት "ናተይ" ክብላ ይካሰሳ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ተወሊዑ ብዝነበረ ጎንጺ ብውሑድ 20 ወተሃደራት ህንዲ ከምዝሞቱ ይግለጽ። ግዝኣት ስኪም ድማ ኣብ ሞንጎ ቡሁታንን ኔፓልን ተቐርቂራ ትርከብ።

ሰበስልጣን ህንዲ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ቻይና ንግዝኣት ሰጊሮም እንተኣተዉ'ኳ ተደፊኦም ወጺኦም ኣለዉ።

ኣብቲ ካባቢ ዝርከቡ ሩባታትን ቀላያትን ሓሓሊፉ ንወተሃደራት ክልቲኤን ሃገራት ገጽ ንገጽ ዘራኽቡ ብምዃኖም ገለ እዋናት ናብ ጎንጺ የእትውዎም።

እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ላዳክ ሽንጥሮ ጋልዋን ዘጋጠመ ግጭት ምንባሩ ይግለጽ። ሽዑ ቻይና ኣብ ልዕሊ ወተሃደራታ ጉድኣት ከምዝበጽሓ ክግለጽ ከሎ ዝሃበቶ ርእይቶ ግን ኣይነበረን።

ብድሕሪ'ቲ ዝተኻየደ ናይ ኢድ ብኢድ ውግእ ነቲ ጉዳይ ንምዝሕሓል ተዘራሪበን'የን። እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ብሰንበት ብደረጃ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተገበረ ዝርርብ'ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት ሓደ ጊዜ ጥራይ ማለት ብ1962 ኲናት ዘካየዳ ኮይነን ህንዲ ከቢድ ስዕረት ከምዘጋጠማ ይግለጽ።