ሆንግ ኮንግ፡ ብሪጣንያ ‘ጣልቃ ካብ ምእታው’ ክትቁጠብ ኣምባሳደር ቻይና ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
በይጂን ሓድሽ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ሕጊ ተግባራዊ ድሕሪ ምግባራ፡ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳያት ሆንግ ኮንግ ጣልቃ ካብ ምእታው ክትቁጠብ ቻይና ኣጠንቂቓ።
ኣምባሳደር ሊዩ ስያኦሚን ኣብ ዝሃቦ መለግጺ፡ ብሪጣንያ ንከባቢ 3 ሚልዮን ደቂ ሆንግ ኮንግ ዜግነት ንምሃብ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ግዝኣት ቻይና "ጣልቃ ምእታው" ምዃኑ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ ግና ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዝቃወሙ ወገናት ብወገኖም፡ እቲ ሕጊ ንነጻነት እታ ሓውሲ ርእሰ ምሕደራ ዘለዋ ሆንግ ኮንግ ዝድምስስ ምዃኑ ይገልጹ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንደሞክራሲ ዝጣበቕ ተወላዲ ሆንግ ኮንግ ጀሽዋ ዎንግ፡ ዓለም ኣብ ጎኒ እታ ግዝኣት ብምዃን ደገፉ ክህብ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣምባሳደር ሊዩ፡ ብኢንተርነት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ዜግነት ናይ ምዕዳል ተበግሶ፡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከም ዝትስፎ ተዛሪቡ።
"መንግስቲ ብሪጣንያ ብተደጋጋሚ ኣብ ጉዳይ ሆንግ ኮንግ ዘይሓላፍነታዊ ርእይቶታት ክህብ ጸኒሑ እዩ" ኢሉ።
መንግስቲ ቻይና ዝህቦ ምላሽ'ውን ከፍልጥ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብሪጣንያ ብወገና፡ ቻይና ከም ግብረ መልሲ ምምላስ እታ ግዝኣት፡ ንሆንግ ኮንግ ን 50 ዓመታት ዝተወሰነ ናጽነት ክትህብ ዝእዝዝ፡ ኣብ 1997 ዝተገብረ ስምምዕ፡ ከም ዝጠሓሰቶ ትገልጽ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዶሚኒክ ራብ፡ እቲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ብሪጣንያውያን ናብ ብሪጣንያ ክምለሱ ናይ ምፍቃድ ውጥን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቻይና ጣልቃ ምስ ምእታው ዘራኽቦ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።
"ምስ ቻይና እወታዊ ዝምድና ኢና እንደልይ . . . ኣብዚ ግና እቲ ጉዳይ ናይ ምትእምማን እዩ፤ ቻይና ነቲ ኣሀጉራዊ ግዴታታን ሓላፍነታን ተኽብር ድያ ዝብል እዩ" ኢሉ።
ኣቐዲሙ፡ ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ደቂ ሆንግ ኮንግ ናብ ብሪጣንያ ክመጽኡ እንተደልዮም፡ ቻይና ጣልቃ ክትኣቱ ከም ዘይብላ ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ነዚ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ሕጊ ንፍትሾ ኣሎና ኢሉ።
ብዘይካ'ዚ ብሰኑይ ፌስቡክ ከምኡ'ውን ዋትስኣፕ፡ ካብ መንግስቲ ሆንግ ኮንግን ፖሊስን ንዝቐረበሎም ሓበሬታ ናይ ምቕባል ጠለብ ደው ከም ዘበልዎ ገሊጾም። ሆንግ ኮንግ፡ ብሪጣንያ 'ጣልቃ ካብ ምእታው' ክትቁጠብ ኣምባሳደር ቻይና ኣጠንቂቑ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







