ንዕልዋ ማያንማር ዝኹንን መግለጺ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና ኣይተቐበለቶን

ስእሊ ኣን ሳን ሱ ቺ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ነቲ ኣብ ማያንማር ዘጋጠመ ዕልዋ መንግስቲ ዝኹንን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ መግለጺ፡ ቻይና ኣይተቐበለቶን።

ኣብ ማያንማር፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንስቪል መራሕቲ ብምእሳር ብሰኑይ ስልጣን ሒዙ።

መራሒት ናይ’ታ ሃገር ኣን ሳን ሱቺ ከምኡ ድማ ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓገግትን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

እቶም ዕልዋ ዝፈጸሙ መራሕቲ ሰራዊት፡ ልዕሊ ካቢነ እታ ሃገር ኮይኑ ዝመርሕ፡ ልዑላዊ ባይቶ ኣቚሞም ኣለዉ።

ኣብ ዓባይ ከተማ ናይ’ታ ሃገር ያንጎን ግን፡ ምልክታት ናዕብን ተቓውሞታትን ክረአ ጀሚሩ’ሎ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ተኣኪቡ እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ሓበራዊ መግለጺ ቻይና ስለ ዘይተቐበለቶ ግን ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ኣይከኣለን።

ቻይና ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን (ቬቶ ፓወር) ዘለዋ ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝኾነት፡ እቲ ሓበራዊ መግለጺ ናይ ቻይና ድጋፍ የድልዮ ነይሩ።

ቅድሚ እቲ ኣኼባ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ማያንማር ክሪስቲን ሽራነር፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብትሪ እያ ኮኒናቶ።

ሰራዊት ማያንማር፡ ንውጽኢት እቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ከም ዘይቅበሎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ነዚ ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሙ።

እታ ፍልይቲ ልእኽቲ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ፡ ናይ ኣን ሳን ሱቺ ሰልፊ ከም ዝተዓወተ ብግልጺ ዘርእይ እዩ ኢላ።

ቻይና ንምንታይ እያ ነቲ መግለጺ ዘይተቐበለቶ?

ንጉዳይ ፖለቲካ ማያንማር ዝከታተል በዓል ሞያ ኤልየት ፕራሰ-ፍሪማን፡ ቻይና ቅሉዕ ብዘይኮነ መገዲ ንሰራዊት ማያንማር ዘለዋ ደገፍ እያ ገሊጻ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ቻይና እዚ ናይ ማያንማር ‘ውሽጣዊ ጉዳይ’ ከምዝኾነ ገይራ እያ ተቕርቦ ዘላ” ድማ ይብል።

ንጉዳያት ደቡባዊ ምብራቕ ቻይና ዝከታተል ሳባስችያን ስትራንጅዮ ድማ “ቻይና ኣብ’ዚ ጉዳይ ዝሓዘቶ ዘላ መርገጺ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዓለምለኻዊ ኢድ ኣእታውነት ዝነጽግ ኣካይዳኣ እዩ” ይብል።

ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ማያንማር እገዳ ምንባር ኮነ ዓለምለኻዊ ጸቕጥታት ምግባር ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ዘጋድድ ጥራይ እዩ ክኸውን ክትብል እያ ቀንያ።

እንተኾነ፡ ቻይና በቲ ኣብ ማያንማር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ሕጉስቲ ክትከውን ከም ዘይትኽእል እዩ ዝገልጽ።

ምኽንያቱ ድማ፡ መንግስቲ ቻይና ምስ ናይ ኣን ሳን ሱቺ ሰልፊ ጽቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮን፡ እቲ ስልጣን ዓቲሩ ዘሎ ሰራዊት ድማ ቀደሙ’ውን ንኩነታት ቻይና ብጥርጣረ ዝርኢ ዝነበረን ምዃኑ እዩ ሳባስችያን ትዛረብ።

ኣንግ ሳን ሱ ቺ እትርከቦም ሰበ ስልጣን ማያንማር ተኣሲሮም ይሕለው'ለው

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣንግ ሳን ሱ ቺ እትርከቦም ሰበ ስልጣን ማያንማር ተኣሲሮም ይሕለው'ለው

ኣን ሳን ሱቺ ኣበይ እያ ዘላ?

ነቲ ሕዚ ብዕልዋ መንግስቲ ተኣልዩ ዘሎ መንግስቲ ክትመርሕ ዝጸንሐት ኣን ሳን ሱቺ፡ ሰኑይ ንጉሆ ብወተሃደራት ምስተኣሰረት ኣይተርኣየትን።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ዊን ሚንት፡ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ናይ’ቲ ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን ውልቃዊ ጠበቓ ኣን ሳን ሱቺ ሓዊሱ፡ ካልኦት ብዙሓት’ውን ገና ኣብ ቀይዲ እዮም ዘለዉ።

እቶም ሰበ ስልጣን ኣብ ገዝኦም ተኣሲሮም ከም ዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

ኣን ሳን ሱቺ እትመርሖ ሰልፊ ‘ናሽናል ሊግ ፎር ዴሞክራሲ’ (NLD) ብሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እታ መራሒት ብቕልጡፍ ክትፍታሕ ጠሊቡ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ንውጽኢት እቲ ብሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ክቕበል’ውን ጸዊዑ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንተሎ፡ ኣመሪካ ንመራሕቲ ሰራዊት ማያንማር ንምርካብ ዝገበረቶ ፈተነ ከም ዘይሰመረ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ማያንማር ዝተፈጸመ ኩነታት፡ ብወግዒ “ዕልዋ መንግስቲ” ምዃኑ ኣዊጃ’ላ።

እዚ ማለት ድማ ኣመሪካ ብቐጥታ ነዚ መንግስቲ እዚ ድጋፍ ክትገብር ኣይትኽእልን ማለት እዩ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን’ውን፡ ሰራዊት ስልጣን ምምንዝዑ ኮኒነን ኣለዋ።

እታ ‘በርማ’ ብዝብል ካልእ ስማ እውን እትፍለጥ ሃገረ ማያንማር፡ ክሳብ 2011 ብሓይልታት ምክልኻል እያ ትግዛእ ነይራ።