ሚያንማር፡ ኣንግ ሳን ሱ ቺ ክትፍታሕ ጻውዒት ይስማዕ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ፡ ሃገረ ሚያንማር ፡ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት መራሒት ኣንግ ሳን ሱ ቺ ክትልቀቕ ጻወዒት ይስማዕ ኣሎ።
እታ መራሒት'ታ ሃገር [ኮንሰለር] ኣንግ ሳን ሱ ቺ ፡ ኣብ ቀይዲ ካብ እትውዕል ጀሚሩ ዛጊድ ኣይተርኣየትን ዘላ።
ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ድማ፡ ኣብ መንበሪ ገዛውቶም በወተሃደራት ምስ ተኸበቡ እዮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ዛጊድ ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዘሎ ኣይጸብጸብ'ምበር፡ ኣድማ ክግበር ተጀሚሩ ኣሎ።
ንኣብነት፡ ሰብ-ሞያ ሕክምና ስራሕ ጠጠው ምባል ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብ ሚያንማር እንታይ እዩ ኣጓኒፉ?
ብሰኑይ ኣጋ ወጋሕታ፡ ሰራዊት ሚያንማር ን መራሒት'ታ ሀገር፡ ኣን ሳን ሱ ቺን ካልኦት መራሕትን ኣብ ቀይዲ ብምእታው ስልጣን ተቖጻጺሩ።
እቲ ዕልዋ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ'ቲ ብሱ ቺ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስትን ሰራዊት እታ ሃገርን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝተፈጥረ ምትፍናን'ዩ ተወሲዱ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ፡ ብኣን ሳን ሱ ቺ ዝድገፍ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ (NLD) ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም እኹል መናብር ተዓዊቱ ነይሩ።
ብሰኑይ፡ ሓድሽ ፓርላማ ቀዳማይ ኣኼባኡ ቅድሚ ምክያዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብሰንኪ 'ኣብ'ቲ መረጻ ዝተፈጸመ ዝበሎ ምትላል ናብ ጠቕላሊ ናይቲ ሰራዊት ጀነራል ሚን ኣንግ ህሌንግ ከምዘሰጋገረ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ከም ዝተኣወጀን ስልጣን ናብ ሰራዊት ምስግጋሩን መደበር ተለቪዥን ሰራዊት ኣዊጃ።
ኣንግ ሳን ሱ ቺ ብወገና፡ ንደገፍታ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ "ነዚ ከይትቕበልዎ" ብምባል "ኣንጻር እቲ ዕልዋ ተቓውሞታትኩም ኣስምዑ" ኢላ።
እታ በርማ ተባሂላ'ውን እትጽዋዕ ሚያንማር፡ ኣብ 2011 ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ክሳብ ትጅምር ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ'ያ ትነብር ነይራ።
ኣብ 2015፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ውድድር ዝተራእየሉ ምርጫ ምስ ተኻየደ ድማ፡ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝምራሕ ሰልፊ ብገፊሕ ተዓዊቱ፤ ንሳ ድማ ናብ መንበረ ስልጣን ደይባ።
ውልቃዊ ናጽነታ ምእንቲ ደሞክራሲ ዝሰውአትን ኣንጻር'ቶም ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ጀነራላት እታ ሃገር ደው ዝበለት ሓርበኛ ተቓላሲት ተባሂላ'ያ ትግለጽ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብቶም ተኸተልቲ እምነት ቡድሂዝም ዝኾኑ ዝበዝሑ ዜጋታት ሰፊሕ ደገፍ ኣለዋ።
ብዓይኒ ዓለም ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣስላም እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዓመጽ ግን እቲ ናይ ናይ ኖቤል ሽልማታን ኣብ ሕቶ ኣትዩ፡ ክብራ ድማ ተቐንጢጡ።
ሕዚ ኣብ ሚያንማር እንታይ ይግበር ኣሎ?
ሎሚ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልታት እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ጎደናታት እታ ሃገር ጸጥታ ዓሲልዎም እዩ ዝርከብ።
ወተሃደራት ጥራይ ብመኪና ክንቀሳቐሱን እቲ ዝተነብረ ኣዋጅ እቶ እቶ ከፈጽሙን ይረአዩ ኣለዉ።
እቲ ትማሊ ሰኑይ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን፡ ሎሚ ንጎሆ ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ያንጎን ድማ፡ ሰባት "እቲ ብተሪር ቃልስና ዘምጻእናዮ ስርዓት ዲሞክራሲ መሊስና ስኢናዮ ኢሎም" ይሓርቁ ኣለዉ።
ከም መገዲ ሰላማዊ ዘይምምእዛዝ፡ ንመንግስቲ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዶኳትር፡ ወይዘሮ ኣንግ ሳን ሱ ቺ
እንተዘይተፈቲሓ፡ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ጀሚሮም ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከምዝጅምሩ ኣፍሊጦም እዮም።
ካልኦት ሰብ ሞያ ሕክምና ድማ፡ ድሮ ሰላመዊ ተቓውሞ ዘርእዩ ምልክታት ሒዞም ክወጽኡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ዛጊድ ብውሕዱ ሓደ ዶክተር "ከምዚ ዓይነት ዕልዋ መንግስቲ ክንዕገሶ ኣይብልናን" ብምባል ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ።
ወዲ 47 ዓመት ዶክተር ናይንግ ህቱ ኣንግ፡ ንቢቢሲ ቡርመስ፡ "ኣብ ትሕቲ ነዛ ሃገር ዘይግደስ ወተሃደራዊ መላኺ ኾይነ ክሰርሕ ስለዘይደሊ እየ ስረሐይ ጠጠው ኣቢለ ዘለኹ። ንዐኦም ክህቦም ዝኽእል እቲ ዝበለጸ ግብረ-መልሲ፡ እዚ እዩ" ድማ ኢሉ።
ካልእ ቢቢሲ ስሙ ክጸርሖ ዘይደለየ ወዲ 25 ነባሪ ድማ፡ " ዓለም ከምዚ ክትገላበጠና ንዓና ሓድሽ ኣይኮነን። ግን ድማ ደጊምና ናብዚ ክንምለስ ኢና ዝብል ስምዒት ኣይነበረንን" ኢሉ ተዛሪቡ።
ጠቕላሊ ሓለቓ'ቲ ሰራዊት ስልጣንተቖጻጸሩ ኣሎ። ንሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ዘቤታዊ ጉዳያትን ጥዕናን ሓዊሱ፡ 11 ሚኒስትራት ብኻልኦት ተተኪኦም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







