ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሮሂንጃ ኣብ ማዓስከሮም ክውሸቡ ተኣዚዞም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ባንግላዲሽ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሮሂንጃ ካብ መዓስከሮም ከይንቀሳቐሱ ኣዚዛ።
ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ እዞም ስደተኛታት ካብ ዘለውዎ ከይንቀሳቐሱ ዝተኣገዱ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ብምስጋእ እዩ።
ካብኡ ብተወሳኺ፡ ካብ ደገ ዝመጸዕኡ ዝኾኑ ሓተትቲ ኣጋይሽ ናብቲ መጽለሊ እቶም ስደተኛታት ከይኣትዉ ከልኪላ።
ኣብቲ መዓስከር ዛጊድ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ እንተዘይሃለወ'ኳ፡ ዝተፈለላዩ እካላት ረድኤት እቲ ቫይረስ ከም ገለ ኢሉ ናብዚ ማእኸል እንተኣትዩ ሓደገኛ እዩ ይብሉ።
እቲ ስጉምቲ ዝተወሰደ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት እናወሰኸ ስለዝመጸ ምዃኑ ኣመሓደርቲ እቲ ክልል ይዛረቡ።
እቲ ቁጽሪ ብዕጽፊ እናወሰኸ እንትኸውን፡ ክሳብ ሕዚ 200 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ 20 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ከተማ ዝኾነ ምንቅስቓስ ተኣጊዱ እዩ ዝርከብ።
እቲ ማዓስከር ድማ ብወተሃደራት ተኸቢቡ እናተሓለወ ይርከብ።
ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ሮሂንጃ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ማይናማር ዝተኸሰተ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ስዒቡ፡ ነዚ ብምፍራሕ እዮም ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ተሰዲዶም።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



