ኮሮናቫይረስ፡ ተመራመርቲ ኮሮናቫይረስ ዝከላኸል ናይ ሰብነትና ዓቕሚ ክፈልጡ ክኢሎም

ምንጪ ስእሊ, PETER DOHERTY INSTITUTE
ተመራመርቲ ኣውስትራሊያ፡ ሰብነትና ዓርሱ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣርባዕተ ዓይነት ናይ መከላኸሊ ዋህዮታት ከም ዝጥቀም ምፍላጥ ክኢልና ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ 'ኔቸር' ኣብ ዝተብሃለ መጽሄት ሕክምና ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝድሕኑ ዘለው ሰባት ዘርእዩዎ ለውጢ ካብ ሰዓል እንትድሕን ምስ ዘሎ ስርዓት ዝመሳሰል'ዩ ይብል።
እቶም ሰብ ሞያ ከም ዝብሉዎ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ናይ ሰብነትና ሕማም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ኣየንኦት እዮም ዝብል ምፍላጦም፡ ኣብ ቐጻሊ ክታበት ንምስራሕ ዝሕግዝ'ዩ።
"እዚ ሕማም ዝከላኸል ናይ ሰብነትና ስርዓት ብዝኾነ መገዲ ኮሮናቫይረስ ክምክት ከም ዝኽእል ንምግንዛብ ዝሕግዝ ፈላሚ ውጽኢት ስለ ዝኾነ፡ በዚ ምርምር ክፍለጥ ዝተኽኣለ ነገር ጠቓሚ እዩ" ክትብል ኣካል እቲ ምርምር ዝኾነት ፕሮፌሰር ካትሪን ኬደዜርስካ ተዛሪባ።
ብኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ እዚ ተመራመርቲ ረኺቦምዎ ዘለዎ ውጽኢት፡ "ጠቓሚ ምዕባለ'ዩ" ተባሂሉ።
ክሳብ ሕጂ ብርክት ዝበሉ በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ዝደሓኑ ኮይኖም፡ እዚ ማለት ዓቕሚ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ደቂ ሰባት ተጠቒምካ እቲ ቫይረስ ምጽዋርን ምክልኻልን ይከኣል'ዩ ተባሂሉ።
ካብ ቻይና ውሃን ዝመጽአት ጓል 47 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣውስትራሊያ ሕክምና ክትረክብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ድሒና።
ፕሮፌሰር ካትሪን፡ ኣብዛ ውልቀሰብ ድማ፡ እቲ ሕማማት ዝከላከል ክፍሊ ሰብነታ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ክንዕዘብ ክኢልና ኢና ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







