ክቡራት ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ናይ ሎሚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ኣብዚ ወዲእና ኣለና። ስለዝተኸታተልኩምና ነመስግነኩም።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ኣብ ከተማን ዓድን ዝግበር መገሻታት ክድረት ኣተሓሳሲቡ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንቀጻሊ 15 መዓልታት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ከምዝዕጾ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሓፈሻዊ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ
ብመሰረት ሎሚ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ዛጊት ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 164,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ልዕሊ 6,470 ሞይቶም ኣለው።
መንግስቲ ጀርመን ንዝርጋሐ ናይቲ ለበዳ ንምቊጽጻር፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘራኽቦ ዶባት ክዓጽዎ ተገዲዱ'ሎ። ኣብታ ሃገር 5,000 በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከው፡ 12 ድማ ሞይቶም። ኣብ ፈረንሳ፡ ልዕሊ 5,000 ተለኺፎም፡ ከባቢ 127 ድማ ሞይቶም።
ኣብ ኢራን፡ ክሳብ ሕጂ 853 ሰባት ሞይቶም ኣለው። ቁጽሪ ዝተለኽፉ'ውን ልዕሊ 14,000 በጺሑ'ሎ።
ኣብ ኢጣልያ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ናብ 20,000 ክብ ኢሉ። ዛጊት ልዕሊ 1,800 ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት 1,543 ክበጽሕ እንከሎ፡ 24 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።

ኣብ ሶማልያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ተረኺቡ
ኣብ ሶማልያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዝተረኽበ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ በቲ ቫይረስ ተሊኺፉ ዘሎ ሶማላዊ ዜጋ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ወጻኢ ዝተመልሰ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ዕለት 18 ጀሚሩ ኩሉ ዓለምለኻዊ በረራታት ደው ክብል ምዃኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ኣብ ከተማን ዓድን ዝግበር መገሻታት ክድረት ኣተሓሳሲቡ
ምኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ድሕሪ ምሕባር፡ ተወሳኺ ሓበሬታታትን መምርሒታትን ንህዝቢ ኤርትራን ወጻእተኛታትን ኣመሓላሊፉ።
እቲ ሓበሬታ፤
- ግድንን ህጹጽን እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ካብ ዝነብረሉ ከተማን ዓድን ዝግበር መገሻታት ክድርት
- ኩሉ ሰብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክቑጠብ
- ካብ ሃገር ወጻኢ ንዝግበር መገሻታት ንህጹጽን ግድንን እንተዘይኮይኑ ክጎድል
- ንምዕባለታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ተኸታቲሉ ኣድላዩ ዘበለ ሓበሬታታትን መምርሒታትን ከምዘመሓላልፍ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ታንዛንያ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ተረኺቡ
ኣብ ታንዛንያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዝተረኸበ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እታ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈት፡ ጓል 48 ዓመት ታንዛንያዊት እያ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣልጀርያ ኩሉ ምስ ኤውሮጳ ዝግበር በረራታት ይኹን ናይ ጀላቡ ምንቕስቃሳት ከምዝዓጸወቶ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገሊጹ።
እታ ሃገር 48 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣለውዋ። ሃገራት ጋና፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኬንያ፣ ጅቡቲ ከምኡ'ውን ሊብያ ናይ ጉዕዞ በረራታት ኣቕሚጠን ኣለዋ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብስግኣት ኮሮናቫይረስ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ገይሩ
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብስግኣት ኮሮናቫይረስ፡ ሰራሕተኛታቱ ንሓደ መዓልቲ (ንሎሚ ሰኑይ) ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ወሲኑ።
እቲ ቦርድ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ፡ ድጋፍ ክህቡ ካብ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት እቲ ሓደ ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ስለዝተርኣዮ፡ ምርመራ ተገይሩ ውጽኢቱ ክሳብ ዝፍለጥ ንጥንቃቐ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ወጻእተኛ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ'ውን እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, NEBE
ኤርትራ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እንታይ ትገብር ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, MOI ERITREA
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ኣብ ኤርትራ፡ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ዝተገልጸ ሓድሽ ምዕባለታት እኳ እንተዘየለ፡ ቅድም ክብል ዳይረክተር ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ መመርመሪ ነቝጣ ከምዝደኮነ ሓቢሩ እዩ።
ከምኡ'ውን ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ቪላጆ መወሸቢ ማእከል ከምዘዳለወ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ክሳብ ሕጂ ዝተለኽፈ ሰብ’ኳ እንተዘየለ፡ ብኣየር፡ መሬትን ባሕርን ምስ ዝተፈላለያ በቲ ለበዳ ዝተጸልዋ ሃገራት ስለእንራኸብ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሃገርና ከይኣቱ ክንከላኸልን ንኹሉ እንተታት ድሉዋት ክንከውንን መድረኽ ዝጠልቦ ጉዳይ’ዩ" ምባሉ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ካብ ሃገራት ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ብቐጥታ ወይ ብትራንዚት ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ዝሓቱ ገያሾ፡ክውሸቡ ምዃኖም እውን ኣፍሊጡ እዩ።
ኣብ ትግራይ መወሸቢ ማእከል ኮሮናቫይረስ ከምእተዳለወ ተገሊጹ
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓጎስ ጎደፋይ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ መቐለ፡ መወሸቢ ማእከል ኮሮናቫይረስ ከምዝተዳለወ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ከተማ ሽረ እውን ካልእ ተመሳሳሊ መወሸቢ ማእከል የዳልዉ ምህላዎም ሓቢሩ'ሎ።
ዓቕሚ ናይቲ መወሸቢ ማእከላት ግን ኣይተገለጸን።

ምንጪ ስእሊ, Hagos G

ምንጪ ስእሊ, Hagos G
ሓድሽ ዜና, ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጾ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንቀጻሊ 15 መዓልታት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ከምዝዕጾ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን እውን ተገሊጹ’ሎ።
ተምሃሮ ዩንቨርስቲታት ግና ‘ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም’ ኣድላዪ ክትትል ክግበረሎም እዩ ኢሉ ቀደማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ብዝሒ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት'ውን 5 ከምዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ።
እቲ መበል ሓምሻይ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ ሰብ ካብ ዱባይ ዝመጽአ ከምዝኾነ'ውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ኬንያ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ስኑዕ ሓበሬታ ፈኒዉ ንዝበለቶ ሰብ ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, DCI KENYA
ፖሊስ ኬንያ፡ ኣብ ትዊተር ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ስኑዕ (ናይ ሓሶት) ሓበሬታ ፈኒዉ ንዝበሎ ኤላሻ ሙቱይ ኪቶኒዮ ዝበሃል መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።
እቲ ጥርጡር፡ ብዛዕባ ኣብ ኬንያ ዝተረኸበት ፈላመይቲ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኸፈት ሰብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ 'መንግስቲ ይሕስወና እዩ ዘሎ' ዝብል ሓበሬታ ዘርጊሑ ነይሩ።
ኣብ ጽሑፉ ድማ፡ እታ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ሰበይቲ 'ከምቲ ዝተብሃለ ካብ ኣመሪካ ዘይኮነትስ ካብ ኢጣልያ እያ መጺኣ' ዝብል መልእኽቲ ዘሕለፈ ኮይኑ፡ እቲ ብስኑዕ ናይ ትዊተር ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብዙሓት ክቀባበልዎ ጸኒሖም።
እቲ መንእሰይ፡ ንህዝቢ ዘርዕድ ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ዝተኸሰሰ ክኸውን ከሎ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 50 ሽሕ ዶላር መቕጻዕቲ ወይ ድማ ካብ 10 ዓመት ዘይዛይድ ማእሰርቲ ክፍረዶ ይኽእል።
ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣእዳውና ከመይ ክንሕጸብ ይግበኣና?
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ንመምርሒ ሚኒስትሪ ጥዕና ክስዕብ ጸዊዓ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፤ ህዝቢ ሚኒስትሪ ጥዕና ንዝህቦ መምርሕታት ከተግብር ጸዊዖም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል ብዝሒ ሞት ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰለስተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክሳብ ሎሚ ካብ ዘጋጠመን ዝበዝሐ መዓልታዊ መጠን ሞት ኣመዝጊበን ኣለዋ።
ኣብ ኢጣልያ ትማሊ 368 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓፈሻዊ መጠን ሞት ናብ 1,809 ክብ ኢሉ።
ኣብ ስፔን ድማ፡ ትማሊ 97 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ 288 በጺሑ።
ኣብ ፈረንሳይ ትማሊ 29፡ ብሓፈሻ ድማ 120 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብ ብሪጣንያ ድማ፡ ትማሊ ጥራይ 14 ሰባት ሞይቶም። ብድምር ከኣ፡ ዛጊት 35 ሰባት ሞይቶምዋ።
ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጽንኩር ሓለዋ ዶባት የካይዱ ምህላዎም ይሕብሩ።
ኦስትሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰብ ምእካብ ዝኸልከለት ኮይና፡ ብዙሓት ሃገራት ድማ ቤት ትምህርትታት ዓጽየን ኣለዋ።
ብኮሮናቫይረስ ተጠርጢሩ ካብ ኣምቡላንስ ዘምለጠ ውልቀሰብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተታሒዙ

ሓደ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመለሰ ውልቀሰብ፡ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ስለዝተርኣዮ ኣብ ኣዲስ አበባ ናብ መወሸቢ ቦታ ብኣምቡላንስ እናተወሰደ እንከሎ፡ ሃዲሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከብ ዝተወለደሉ ዓዲ ኣብ ዝምለሰሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።
እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ውልቀሰብ፡ ለጋምቦ ካብ ዝበሃል ቦታ ብስግረዶብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸደ ክኸውን ከሎ፡ ብፖሊስ ስዑዲ ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተጠረዘ ሰብመዚ ይገልጹ።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ምስበጽሐ፡ ምልክታት ናይቲ ሕማም ስለዝተርኣዮ፡ ብኣምቡላንስ ናብ መወሸቢ ቦታ እናተወሰደ ኣብ ዝነበረሉ እዩ ክሃድም ክኢሉ።
ሰንበት ንጉሆ፡ ኣብ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ተሳፊሩ ናብታ ለጋምቦ እትበሃል ኣብ ክልል ኣምሓራ አትርከብ ትውልዲ ዓዱ እናተመለሰ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።
እቲ ጥርጡር መታን ከይተሓዝ ብዝብል ኣብ መገዱ፡ ኣብ ከተማታት ኮምቦልቻ፡ ደሴን ጉጉፍቱን መካይን ከምዝቐየረ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብተን ዝተሳፈረለን ዝተፈላለያ መካይን ንዝነበሩ ሰባት ምፍላይ ከምዘጸግም ሰብመዚ ናይቲ ከባቢ ገሊጾም።
እንተኾነ፡ እቶም ኣብታ መወዳእታ ዝተረኸበላ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ኣስታት 60 ሰባት ንበይኖም ተፈልዮም ክጸንሑ ከምዝተገበረ ተገሊጹ።
ውጽኢት ምርመራ ናይቲ ውልቀሰብ ዛጊት ኣይተፈለጠን።
ኣብ ኦሮሚያ ዝተዓጸወ ኢንተርኔት፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ንምኽፋት ‘መደብ የለን’

ምንጪ ስእሊ, ETHIO TELECOM
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኦሮሞ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝኸፍት ኣትሒዙ፡ ኣብ ገለ ቦታታት ምዕራብ ኦሮሚያ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ካብ ዘቋርጽ ክልተ ወርሒ ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ።
ምቁራጽ ናይዚ ኣገልግሎታት ከኣ፡ ኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ከይበጽሕ ዝድርት ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ነቲ ኣገልግሎታት ክኸፍቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ጎስጓስ ክካየድ ቀንዩ እዩ።
ብዛዕባ’ዚ ቢቢሲ ሕቶ ዘቕረበላ ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፡ እቲ ኣገልግሎት ዝተዓጸወ ብምኽንያት ጸጥታ ምዃኑ ብምሕባር ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝዛመድ “ዝወሰድናዮ ሓድሽ ስጉምቲ የለን፤ ሓድሽ ነገር እንተልዩ ክነፍልጠኩም ኢና” ኢላ።
ንመሰላት ዝሕለቕ ትካል 'ሂዩማን ራይትስ ዎች' ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንክልተ ኣዋርሕ ዝዓጸዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ክኸፍት ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።
ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 4 በጺሑ
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ምርግጋጹ ኣፍሊጡ።
ካብቶም ሰለስተ ሰባት፡ እቶም ክልተ ጃፓናውያን እቲ ሓደ ድማ ወዲ 42 ዓመት ኢትዮጵያዊ ምዃኖም ገሊጹ'ሎ።
"ኩሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሑን ምስቲ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦ ፈላማይ ሰብ ብቐረባ ዝተራኸቡን" ከምዝኾኑ እቲ መግለጺ የብርህ።