ስደተኛታት ሮሂንጃ፡ ዝኽሪ ስቓይ ክልተ ዓመት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ማሕበረሰብ ሮሂንጃ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ተዓቑቦምሉ ዘለው መዓስከር ስደተኛታት ባንግላደሽ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ሰለማዊ ሰልፊ እዚ፡ እቲ ንክልተ ዓመት ኣብ ስደት ዘሕልፍዎ ሽግር ንምዝካር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ኣብ 2017፡ ብሰንኪ ኣብ ሚያንማር ተፈጢሩ ዝነበረ ዓለታዊ ጎንጽን ቕትለትን፡ ኣስታት 75 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ባንግላድሽ ክሃድሙ ተገዲዶም።
ዝሓለፈ ሓሙስ፡ መንግስቲ ባንግላደሽ እቶም ስደተኛታት ብድልየቶም ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝጠልብ ውጥን እኳ እንተኣውጸኣ፡ ወላ ሓደ ሮሂንጃዊ ንኽምለስ ኣይተመዝገበን።
እቶም ሰደተኛታት ሮሂንጃ ቅድሚ ናብ ሚያንማር ምምላሶም፡ ዜግነት ሚያንማር ንኽወሃቦም ይጠልቡ ኣለው።
ሮሂንጃ፡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን፤ ናቶም ቋንቋን ባህልን ኣለዎም።
ንሶም፡ ወላእኳ ንወለዶታት ኣብ ሚያንማር እንተነበሩ፡ መንግስቲ ሚያንማር ግን ከም ዜጋታት ኣይቆጽሮምን ኢዩ።
መንግስቲ ሚያንማር፡ ካብ ባንግላደሽ ዝመጹ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ገይሩ እዩ ዝቆጽሮም።
ኣብ ነሓሰ 2017 ዕጡቓት ሮሂንጃ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ፖሊስን ኣብ ንኡስ ሰራዊት ሚያንማር ኣብ ዘካየዱዎ መጥቃዕቲ ብዘሓት ወተሃደራት ሞይቶም።
ሰራዊት'ታ ሃገር ድማ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ሮሂንጃ፡ ናይ ቅትለትን ምብራርን ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝደረኾ'ዩ ዝግለጽ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ እቲ ሰራዊት ብዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ሮሂንጃ ክቕተሉን ክዕመጹን እንከለዉ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ድማ ብሓዊ ተሃሚኹ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዕጨኦም እንታይ እዩ?
ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ ዓበይቲ መዓስከራት ስደተኛታት ይቕመጡ። እዚ ከኣ ንባንግላደሽ ዓቢ ቁጠባዊ ጸቕጢ ፈጢሩላ ይርከብ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ባንግላደሽ ዝኾነ ስደተኛ ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጣ ነይራ። ኣብ 2018 መንግስቲ ባንግላደሽ፡ ስደተኛታት ሮሂንጃ ብወለንታ ናብ ዓዶም ክምለሱ ምስ መንግስቲ ሚያንማር ዝገበሮ ስምምዕ ኣይሰመረን።
ካብዞም ማሕበረሰብ ሮሂንጃ፡ ከይተመዛበሉ ኣብ ዓዶም ተሪፎም ዘለው፡ ትሕቲ ፍርቂ ሚልዮን እዮም።
ንሳቶም'ውን፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘስካሕክሕ ገበናት ይፍጸም ከምዘሎ እዮም ዝኸሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







