ቦብ ጊልዶፍ ምስ መራሒት ማይናማር ኣንሳን ሱቺ ዝተዋሃቦ ሽልማት ክመልሶ እዩ

ቦብ ጊልዶፍ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሙዚቀኛን ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላትን ቦብ ገልዶፍ ምስ ኣሳንሱቺ ዝተጎናጸፎ ሽልማት ኣሕፊርዎ

ውሩይ ኣየርላንዳዊ ደራፋይ ቦብ ጊልዶፍ ኣንጻር መራሒት ምያንማር ኣንሷን ሱሺ ነቲ ቀደም ዝተሸለሞ ፍሪዶም ኦፍ ዘ ሲቲ ኦፍ ዳብሊን ዝብል ሽልማት ክመልሶ ምዃኑ ሓቢሩ። "ንሳ ምስ ከተማና ዘለዋ ምትእስሳር ንኹልና የሕፍረና እዩ" ድማ ኢሉ።

ኣንሷን ሱሺ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጺሙ ዝበሃል ምጽናት ሮሂንጃ እስላማውያ ደው ንምባል ስጉምቲ ኣይወሰደትን ብዝብል ምኽንያት ዓቢ ወቐሳ ወሪድዋ'ዩ። ድሕሪ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ጎንጺ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሮሂንጃ ናብ ባንግላዲሽ ሃዲሞም'ዮም።

"ምስ ከተማና ዘለዋ ምትእስሳር ንኹልና የሕፍረና'ዩ፡ ብዘይፍላጥ'ውን እንተኾነ፡ ምስኡ ርክብ ክህልወና ኣይግባእን። ኣኽቢርናያ ኢና፡ ሕጂ ግን ኣጽሊኣትናን ኣሕፊራትናን" ኢሉ እቲ ውሩይ ደራፋይን መስራቲ ባንድ ኤይድ ጉጅለ ሙዚቀኛታትት ዝኾነ ጌልዶፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ። ነቲ ዝተዋህቦ ሽልማት ሰኑይ ንግሆ ናብ ምምሕዳር'ታ ከተማ ክመልሶ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

ኣንሷን ሱሹ ነቲ "ተምሳሌት መምሃሪ መጽሓፍ ዝኾነ ምጽናት ደቂ ሰባት" ተባሂሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገልጸ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣፍልጦ ብዘይምሃባ ብመራሕቲ ሃገራት ዓለምን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባትን ተኾኒና'ያ።

እቶም ብዩ2 ዝፍለጡ ኣየርላንዳውያን ሙዚቀኛታት'ውን ነታ በርጌሳዊት መራሒት በርማ (ምያንማር) ወቒሶማ'ለዉ፡ ኣንጻር'ቲ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ተፈጺሙ ዝበሃል ስጉምትታት ክትወስድ ድማ ብቐዳም ጸዊዖም። ነቲ ቅልውላው ክትፈትሖ ዘይምፍታና ድማ ነቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ "ዘጽደቐቶ ክመስል ጀሚሩ'ሎ" ኢሉም ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ጉጅለ ዘስፈርዎ መግለጺ። "እቲ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጃውያን ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋን ግብረ-ሽበራን ኣዝዩ ዘጽልእ ግፍዒ'ዩ ደው ድማ ክብል ኣለዎ" ድማ ኢሉም።

ኣሳን ሱቺ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣሳን ሱቺ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሓያሎ ወቐሳታት ኣተኣናጊዳ

ምምሕዳር ከተማ ኦክስፎርድ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 1997 ንኣንሷን ሱሺ ዝሃቦ ሽልማት ፍሪዶም ኦፍ ዘ ሲቲ ኦፍ ዳብሊን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀንጢጥዋ'ዩ። በቲ ምምሕዳር "ቅድሚ ሕጂ ተወሲዱ ዘይፈልጥ ስጉምቲ'ዩ" ኢሉ ሓላፊ ምምሕዳር ከተማ ኦክስፎርድ ቦብ ፕራይስ። ህዝቢ እቲ ኩነታት ናይ ምያንማር "ፈጺሙ ኣጽሊእዎ'ዩ" ድሕሪ ምባል ድማ ንሳ ብዛዕባ'ቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ግፍዕታት ዘይምዝራባ ድማ "ሕሉፍ'ዩ" ኢሉ።

ኣንሷን ሱሹ ፖለቲካ ዝተመሃረትሉ ኮለጅ ቅዱስ ህዩዝ ናይ ኦክስፎርድ ኡኒቨርሲቲ ድማ ኣብቲ ኮለጅ ሰቒልዎ ንዝነበረ ስእላ ኣውሪድዎ'ሎ።

ዕግርግር ናይ ራኬን ክፍለ ሃገር ናይ ምያንማር ኣብ ዝሓለፈ 25 ነሓሰ ዕጡቓት ሮሂንጃ ንሓንቲ ወተሃደራዊት ነቑጣ ድሕሪ ምጥቅዖም'ዩ ጀሚሩ። ወተሃደራዊ ስጉምቲ ድማ ኣኸቲሉ። በቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ድማ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ዓድታት ነዲደን ተወላዶ ሮሂንጃ ድማ ካብታ ሃገር ተሰጉጎም ዝብል መጠነ-ሰፊሕ ቅሬታ ኣሎ።

ሰራዊት ምያንማር ግን ምስ ዕጡቓት ሮሂንጃ ጥራይ ይዋጋእ ከምዘሎ ብምግላጽ ሰላማውያን ሰባት ከምዘይቀተለ እዩ ዝገልጽ።