ኣብ ማያንማር፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ተኻይዱ፤ ኣን ሳን ሱ ቺ ተኣሲራ

ኣንግ ሳን ሱ ቺ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓይሊ ምክልኻል ማያንማር፡ ንኣን ሳን ሱቺን ካልኦት መራሕቲ ፖለቲካን ብምእሳር ነታ ሃገር ተቘጻጺሩ።

ብምኽንያት ስምምዕ ዘይነበሮ መረጻ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊትን ስቪል መራሕቲ እታ ሃገርን ምስሕሓብ ዓሪጉ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝርከቡዎም ፖለቲካዊ መራሕቲ ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ ዘለው ቁሩብ ሰዓታት፡ ወተሃደራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር፡ ንሓደ ዓመት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዝተኣወጀ ኣፍሊጡ።

በርማ እናተባህለት’ውን እትጽዋዕ ማናይማር፡ ኣብ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምምሕዳር ክሳብ እትጅምር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እያ ጸኒሓ።

ሰራዊት እታ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ስልጣን ናብ ኣዛዚ ሰራዊት ሚን ኣንግ ሃሊንግ ከም ዘመሓላልፍ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ወተሃደራት ኣብ ጎደናታት ዓበይቲ ከተማታት ናይ'ታ ሃገር ብብዝሒ ይርኣዩ ኣለው።

ኢታማጆር ሹም ሚን ኣንግ ሃሊንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኢታማጆር ሹም ሚን ኣንግ ሃሊንግ

ወሃቢ ቃል ሰልፊ ናሽናል ሊግ ንዴሞክራሲ ምዮ ንዩንት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፕሬዝደንት ዊን ሚንትን ካልኦት መራሕትን ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ “ተወሲዶም” ኣለው ኢሉ።

“ህዝቢ ብህጸት ከይኮነ ብመሰረት ሕጊ ክኸይድ ክሕብር ይደሊ” ብምባል ንሱ’ውን ክእሰር ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ ጆናታን ሄድ፡ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ቅሉዕ ጥሕሰት እቲ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት እቲ ሰራዊት ዘርቀቘ ሕገ መንግስቲ እዩ ይብል።

ማእሰርቲ ከም ኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝበሉ መራሕቲ ኸኣ፡ ተዅታዂን ሓደገኛን እዩ ዝብል እቲ ጋዜጠኛ፡ ሓያል ተቓውሞ ክገጥሞ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

“ቀደሙ’ውን እቲ ንዓሰርታት ዓመታት ንማናይማር ክመርሕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ጁንታ ካብ ስልጣን ለጊሱ ኣይፈልጥን። ስልጣን ናብ ስቪላት ሰበ ስልጣን ኣሰጋጊሩ ኣይፈልጥን። ስለዚ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ተግባር ሓቃዊ እቲ ዝጸንሐ ፖለቲካ ዘርኢ’ዩ ማለት’ዩ” ይብል ጆናታን።

“ኣዝዩ ዝተፈለየ ኩነታት እዩ ንመጻኢ ዝፍጠር ዘሎ” ዝብል ጸሓፍን ተመራማሪ ታሪኽን ታንት ሚንት “ነቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ድማ፡ ክቆጻጸሮ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ከምዘየለ እዩ ዝስምዐኒ” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ማናይማር ማዕበል ኣጽዋር ዘዕለቕለቓ፣ ኣብ ሞንጎ ብሄራትን ሃይማኖታትን ከቢድ ኣፈላላይ ዘለዋን ሚሊዮናት ርእሶም ዘይኽኣሉላን እያ” ብምባል ስግኣቱ ይገልጽ።

ሕጂ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ኣብ ቀንዲ ከተማታት እታ ሃገር፡ ኣገልግሎት ሞባይል ኢንተርነት ዳታን ካልኦት ኣገልግሎታት ሞባይልን ተቛሪጾም። ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኤምኣርቲቪ ግን ቴክኒካዊ ሽግር’ዩ ኣጋጢሙ ይብል ኣሎ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ፓይ ታው ዝኾነ ዓይነት መራኸቢ ስለ ዘይሰርሕ፡ ኣብ'ታ ከተማ ዘሎ ኩነታት ምፍላጥ ኣይተኻእለን።

ኣብ ዓባይ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ነባር ርእሰ ከተማ ያንጎን ከኣ ኣዝዩ ድሩት ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ምህላው ክግለጽ እንከሎ፡ ብዙሓት ወሃብቲ እቲ ኣገልግሎት የቋርጹዎ ከም ዘለው ይንገር።

ነበርቲ እታ ከተማ ከኣ ኣብ ቐጻሊ መዓልታት ሕጽረት ገንዘብ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ስለ ዝስጋእ ካብ ባንኪ ገንዘብ ንምውጻእ ይጓየዩ ኣለው።

ገለ ናይ ኤቲኤም ኣገልግሎታት ግን ድሮ ከም ዘቋረጹን ባንኪታት ክኸፈቱ ድዮም ዝብል ግልጺ ከም ዘይኮነን ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብቲ መረጻ ግን እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ሰልፊ ናሽናል ሊግ ንዴሞክራሲ፡ ብ8 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መረጻ 83 ሚኢታዊት መናብር ባይቶ ተዓዊቱ።

ብዙሓት፡ እቲ መረጻ ዳርጋ ኣብ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣንግ ሳን ሱ ቺ ናይ ዓርሰ ውሳነ መረጻ ገይሮም'ዮም ወሲዶምዎ።

እዚ፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ 2011 ካብ ዘብቅዕ ንነጀው ንኻልኣይ ግዜ ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ብውጽኢት እቲ መረጻ ክሰማማዕ ኣይከኣለን፤ ኣንጻር እቲ ፕሬዝደንትን ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረጻን ዝጥምት ቅርታ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ የእቱ።

ኣብ ቀረባ "ስጉምቲ ክወስድ'የ" ዝብል መጠንቀቕታ ምስ ሃበ ከቢድ ስግኣት ዓሲሉ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ኮሚሽን መረጻ ግን ነቶም ዝቐረብሉ ቅርታታት ኣይተቐበሎምን።

ኣንግ ሳን ሱ ቺ መን'ያ?

ኣንግ ሳን ሱ ቺ፡ ጓል ጅግና ናጽነት ማያንማር ከነራል ኣንግ ሳን'ያ።

እንተኾነ፡ ማያንማር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣኒያ ናጻ ቅድሚ ምውጽኣ፡ ንሳ'ውን ጓል ክልተ ዓመት እንከላ ተቐቲሉ።

ሳን ሱ ቺ፡ ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላትን ተቓላሲት ናጽነት ኣንጻር ንዓሰርታት ዓመታት ዝነበረ ምልካዊ ወተሃደራዊ ምሕደራን ከም ዝኾነት ይፍለጥ።

ብ1991፡ ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር እናሃለወት ሽልማት ኖቡል ሰላም ክብርከተላ እንከሎ፡ "መርኣያ ሓይሊ እቶም ሓይሊ ዘይብሎም" ተባሂላ ተሞጊሳ።

ንሳ" ካብ 1989 ክሳብ 2010 ኣብ ዘለው 15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ያ ኣሕሊፋቶ።

ብሕዳር 2015፡ መራሒት ሰልፊ ናሽናል ሊግ ንዴሞክራሲ ኮይና፡ እቲ ውድብ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ክስዕር ገይራ።

ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዜግነት ካልእ ሃገር ዘለዎም ቘልዑት ስለ ዘለውዋ ፕሬዝደንት ንምዃን ኸልኪሉዋ። እንተኾነ እዛ ጓል 75 ዓመት ተቓላሲት ብሰፊሑ 'ምስሌነ መራሒት' ተገይራ እያ ትውሰድ።

ካውንስለር እታ ሃገር ምስ ኮነት ግን፡ ኣብ ልዕሊ እስላም ሮሂንጊያ ብዝነበረ ኣተሓሕዛ ትንቀፍ።

ብ2017፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሮሂንጋውያን ብምኽንያት ኣብ ማእከል ፖሊስ ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ድሕሪ ዘጋጠሞም መጥቃዕቲ ናብ ጎረቤት ባንግላድሽ ተሰዲዶም።

በዚ ምኽንያት ብዙሓት ዓለምለኻዊ ደገፍታ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘጋጥም ዝነበረ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለትን ከም ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝውሰድ መጥቃዕትን ብዘይምኹናና ነቒፎምዋ።