ዕልዋ ማያንማር፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ማያንማር እገዳ ክትድንግግ ምዃና ኣጠንቂቓ

ጆባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ማያንማር ዳግም እገዳ ከንብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ሰራዊት ማያንማር፡ ኣንግ ሳን ሱ ቺ እትመርሖ ሰልፊ ኣብ መረጻ ምትላል ፈጺሙ'ዩ ብዝብል ንዓኣ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት መራሕቲ ኣሲሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ድልየት ህዝቢ ይኹን ውጽኢት ተኣማኒ መረጻ ክተጥፍእ ሓይሊ ምጥቃም ኣየድልን" ኢሉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብሪጣንያን'ውን እቲ ስጉምቲ ኮኒኖምዎ ኣለው።

ማያንማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዴሞክራሲ ግስጋሰ ጀሚራ'ያ ብዝብል፡ ኣመሪካ ቅድም ኢላ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝደንገገቶ እገዳ ኣልዒላቶ ምንባራ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን ባይደን "ኣመሪካ ንስለ ዴሞክራሲ ጠጠው ክትብል'ያ" ብምባል፡ ጉዳይ እገዳ ማያንማር ብቕልጡፍ ክርአ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጌተሬስ ብወገኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ "ንዴሞክራሲያዊ ጽገናታት ዝቕልብስ" እዩ ብምባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ከም ዘካይድ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ዝብሃሉ 45 ሰባት ክፍትሑ ከኣ ሓቲቱ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኮነ ማእሰርቲ ኣንግ ሳን ሱ ቺ "ዘይሕጋዊ" ብምባል ኮኒኑዎ። መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ'ውን ብተመሳሳሊ ኮኒኖምዎ ኣለው።

ቅድም ኢሉ ኣብ ጉዳይ ማያንማር ዓለምለኻዊ ምትእትታው ኣየድልን'ዩ ክትብል ዝጸንሐት ቻይና ብወገና፡ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለው ሓይልታት "ኣፈላላዮም ክፈትሑ" ክትጽውዕ እንከላ፤ ከም በዓል ኮሎምብያ፣ ታይላንድን ፍሊፕንስን ዝበላ ዞባዊ ሃገራት ከኣ "ውሽጣዊ ገዳይ'ዩ" ይብላ ኣለዋ።

ደገፍቲ ኣንግ ሳን ሱ ቺ ኣብ ታይላንድ ተቓውሞ እንተካይዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ማያንማር እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ሓይሊ ምክልኻል ማያንማር፡ ንኣን ሳን ሱቺን ካልኦት መራሕቲ ፖለቲካን ብምእሳር ነታ ሃገር ተቘጻጺሩ።

ብምኽንያት ስምምዕ ዘይነበሮ መረጻ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊትን ስቪል መራሕቲ እታ ሃገርን ምስሕሓብ ዓሪጉ ጸኒሑ።

ሰልፊ ናሽናል ሊግ ንዴሞክራሲ፡ ብ8 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መረጻ 83 ሚእታዊት መናብር ባይቶ ተዓዊቱ።

እንተኾነ፡ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ብውጽኢት እቲ መረጻ ክሰማማዕ ኣይከኣለን፤ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንትን ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረጻን ዝጥምት ቅርታ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ የእቱ።

ኣብ ቀረባ "ስጉምቲ ክወስድ'የ" ዝብል መጠንቀቕታ ምስ ሃበ ከቢድ ስግኣት ዓሲሉ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ኮሚሽን መረጻ ግን ነቶም ዝቐረብሉ ቅረታታት ኣይተቐበሎምን።

እቶም ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝርከቡዎም ፖለቲካዊ መራሕቲ ድሕሪ ምእሳሮም ወተሃደራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ንሓደ ዓመት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝተኣወጀ ኣፍሊጣ።

በርማ እናተባህለት'ውን እትጽዋዕ ማናይማር፡ ኣብ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምምሕዳር ክሳብ እትጅምር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እያ ጸኒሓ።

ሰራዊት እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሚን ኣንግ ሃሊንግ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ገሊጹ።