ብፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ሳኒ ኣባቻ ዝተሰረቐ ቢሊዮናት ንምርካብ ዝነበረ ጉያ

ሳኒ ኣባቻ ብ1993 ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ኣዛዚ መንግስቲ ናይጄሪያ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳኒ ኣባቻ ብ1993 ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ኣዛዚ መንግስቲ ናይጄሪያ ኮይኑ

ብመስከረም 1999፡ ስዊዘርላንዳዊ በዓል ሞያ ሕጊ ኢንሪኮ ሞንፍሪኒ፡ ናይ 20 ዓመታት ህይወቱ ክቕይር ዝኽእል ጻውዒት ቴሌፎን ይበጽሖ።

"ኣብ ከውታ ለይቲ'ዩ ደዊሉለይ፤ ዝዀነ ዝጠቅም ነገር ስለ ዝነበሮ ናብቲ ዝዓረፍኩሉ ሆቴል ክትመጽኣኒ'ዶ ትኽእል ኢሉኒ። ኣነ'ውን ቁሩብ'ኳ መስዩ እንድዩ ግን ሕራይ ኢለዮ"።

እቲ ደዋሊ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ናይዴሪያ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ናይጄሪያ'ዩ ናብ ጄኔቫ ልኢኹዎ። ኦሊጋን ኦባሳንጆ ከኣ እቲ ፕሬዝደንት።

እዚ ሰብ ንኣኼባ ዘይኮነ ተላኢኹ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ከምኡ'ውን ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ሳኒ ኣባቻ፡ ዝሰረቖ ገንዘብ ኣሊሹ ንክረክብ'ዩ ነይሩ።

ሳኒ ኣባቻ፡ ካብ 1993 ክሳብ 1998 ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ሞይቱ።

ሞንፍሪኒ ከም በዓል ሞያ ሕጊ፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ኣብ ሕርሻ ቡን፣ ኮካን ካልኦትን ዝሰርሑ ናይጄሪያውያን ዓማዊል ኣጥርዩ'ዩ።

ስለ ዝኾነ ከኣ ንሳቶም'ዮም ነዚ ጋሻ ልኢኾምሎም ኢሉ'ዩ ሓሲቡ።

" 'እቲ ገንዘብ ረኺብካ ክትዓጽዎ ትኽእል'ዶ? እዚ ገንዘብ ናብ ናይጄሪያ ክምለሰሉ ዝኽእል ነገር ክተመቻቹ ትኽእል'ዶ?' ኢሉ ሓቲቱኒ።

"ኣነ'ውን፤ 'እወ። ግን ድማ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ እቲ ስራሕ ዝፈልጦ ስለ ዘይነበረኒ፤ ቐልጢፈ ክመሃር ነይሩኒ። ተማሂረ ከኣ" ይብል።

ኢንሪኮ ሞንፍሪኒ

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ኢንሪኮ ሞንፍሪኒ እቲ ዝጠፍአ ገንዘብ ንክረክብ 20 ዓመት ደኺሙ

ስርሑ ንክጅምር፡ ፖሊስ ናይጄሪያ ኣባቻን ተሓባበርቱን ሰሪቘም ዝሓብኡዎ ገንዘብ ዝሓዘ'ዩ ዝተባህለ ዝርዝር ኣብ ስዊዝ ዘለው ዕጽው ሕሳብ ባንኪ ሂቦምዎ።

ፖሊስ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1998 ወግዓዊ ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 1.5 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ብኣባቻን ተሓባበርቱን ከም ዝተሰረቐ የመላኽት።

እዚ ኹሉ ገንዘብ ሕንከት ብዘይብሉ መገዲ'ዩ ተሰሪቑ።

ብኸመይ እዩ ሰሪቕዎ?

ኣባቻ ከምዚ'ዩ ገይሩ፤ ብግልጺ ንዘይፍለጥ ጉዳያት ድሕነት ወጻኢ ዝኸውን ገንዘብ ወጻኢ ክኸውን ክሓትት ንኣማኻሪኡ ይነግሮ።

ድሕሪኡ፡ ኣባቻ ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ወጻኢ ዝኸውን ገንዘብ ይፍርመሉ'ሞ እቲ ኣማኻሪ ናብ ማእከላይ ባንኪ ከይዱ ብጥረ ገንዘብ የውጽኦ።

እቲ ዝበዝሕ ገንዘብ ከኣ ናብ መንበሪ ገዛ ኣባቻ ይወስዶ። በዓል ሞያ ሕጊ ሞንፍሪኒ 'Recovering Stolen Assets' ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከም ዘስፈሮ ገለ መጠን እቲ ገንዘብ ብዶላር 'ብናይ ጽዕነት መኪና' እዩ ዝውሰድ ነይሩ።

ኣባቻን መሻርኽቱን ብኸምዚ መገዲ ልዑል መጠን ዘለዎ ገንዘብ ይዘምቱ ነይሮም። ካልእ መገዲታት'ውን ነይሩዎም።

ኮንትራት ኣብታ ሃገር ዝስርሑ ፕሮጀክታት ብዝለዓለ ገንዘብ ንመሓዙቶም ብምሃብ እቲ ትርፊ ምክፋል፣ ከምኡ'ውን ኣብታ ሃገር መዋእለ ንዋዮም ከውፍሩ ዝመጽኡ ናይ ወጻኢ ኩባኒያታት ፍቓድ ንክረኽቡ ዘይሕጋዊ መቑሽሽ ክኸፍሉ ምግባር ዝብሉ ይጥቀሙ።

ብኸምዚ ንሰለስተ ዓመት ተጓዒዞም። ሃንደበት ኣባቻ ኣብ መበል 54 ዓመቱ ብ1998 ምስ ሞተ ግን ኩሉ ነገር ተቐይሩ።

ናይ ውልቂ ዶክተሩ ዝነበረ ንቢቢሲ ብመሰረት ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ሬሳ መርመራ ስለ ዘይተገብረ ብወቕዒ ልቢ ድዩ ሞይቱ ወይስ ተመሪዙ ዝብል ኣይፍለጥን።

ኣባቻ፡ እቲ ብቢሊየን ዶላር ዝሰረቖ ገንዘብ ከይተጠቐመሉ ክመውት እንከሎ፤ ክጠፋፋእ ዝተገብረ ገንዘብ ምህላው ዝሕብሩ ውሑዳት ናይ ባንኪ መረዳእታታት ጥራሕ'ዮም ተረኺቦም።

"እንተኾነ እቶም ሰነዳት ምስ ካልኦት ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘራኽቦም ልጓም ምህላው ንምፍላጥ ድሕረ ባይታ ኮይኖምኒ'ዮም" ይብል ሞንፍሪኒ።

ዝሓዘ ሒዙ ከኣ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ስዊዝ ይኸይድ። ስድራ ኣባቻን መሻርኽቱን ድማ ትካላዊ ገበን ፈጺሞም'ዮም ዝብል መርትዖ ሒዙ ክካታዕ ጀሚሩ።

Presentational grey line

ሳኒ ኣባቻ መን'ዩ?

ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ሳኒ ኣባቻ

ምንጪ ስእሊ, AFP

  • ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ናይጄሪያን ኣብ ጎኒ ሰራዊት እታ ሃገር ተሰሊፉ
  • ብነሓሰ 1993 ሚኒስትሪ ምክልኻል ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ክልተ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ቑልፊ ተራ ነይሩዎ
  • ብሕዳር 1993 ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምክያድ ፕሬዝደንት ጀነራል ኮይኑ
  • ምምሕዳር ኣባቻ ብከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይክሰስ
  • ብ8 ሕዳር 1998 ብሃንደበት ሞይቱ
  • ኣቦ 10 ቘልዑት እዩ
Presentational grey line

ድሕሪኡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኩሎም ባንኪታት ስዊዘርላንድ ብሽም ኣባቻን መሻርኽቱን ዝተኸፍተ ሕሳብ ባንኪ ኣሎ እንተዀይኑ ወግዓዊ ክገብራ መምርሒ ይህብ።

"ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት 95 ሚኢታዊት ባንኪታትን ካልኦት ትካላት ፋይናንስን ንስድራ ኣባቻ ዝቀራረብ ትሕዝቶ ኣለዎም ዝበልኦም ወግዓዊ ገይረን"።

እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ባንኪታት ኣለና ዝብሉዎ መረዳእታ ከፍልጡ ዝደፋፍእ ክኸውን'ዩ።

"እተን ባንኪታት ዘለወን ሰነድ ንኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ኣኽባሪ ሕጊ ከረክባ እንከለዋ፤ ኣነ ኸኣ ዕማም እቲ ዓቃቢ ሕጊ ወሲደ ይሰርሕ" ይብል ሞንፍሪኒ።

'እቶም ባንኪ ሕሳብ ብዙሕ ይዛረቡ'

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕሳብ ባንኪ ዝነበረት ገንዘብ ብትኽክል ካበይ መጺኡ ናበይ ከይዱ ዝብል ከነጻሪ ነይሩና። መውጽእን መእተውን እቶም ዝተኸፍቱ ፍቕዲታት ባንኪ ምስርኣኹ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝተገብረ ልውውጥ ገንዘብ ከም ዘለዎ ዘርእይ ኣንፈት ከኣ ረኺበ።

"ስለዚ ቀልጢፉ ዝዓበየ'ዩ ነይሩ፤ ብውሑዳት ሕሳብ ባንኪ ጀሚሩ ናብ ዓበይቲ ሕሳብ ባንኪ ተሰጋጊሩ። እዚ ዓብዪ ዓለምለኻዊ ስርሒት ከም ዘድሊ ዘመላኽት ኰነ። እቶም ባንኪ ሕሳብን ዝረኸብናዮም ሰነዳትን ተሳንዮም ዝኸዱ ስለ ዝነበሩ ብዙሕ ዝዛረቡ ነይሮም።

"ካብ ናብ ዝተላእኸ ብዙሕን ዝተፈላለየን ገንዘብ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ'ዩ ነይሩ"።

ካብዚ ብዝብገስ ኣባቻ ዝዘርግሖ ሰንሰለት ንሞንፍሪኒ ዓብዪ ጻዕሪ ዝሓትት ስራሕ ኰነ።

"ክንደይ ዝኣክል ስራሕ ከም ዘድልዮ ዋላ ሓደ ዝርድኦ ዝነበረ ኣይመስለንን። ንብዙሓት ሰባት፣ ክኢላታት ሕሳብን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረኽቦም ሰብ ሞያ ሕግን ገንዘብ ክኸፍል ነይሩኒ" ይብል።

ስለ ዝዀነ ድማ ሞንፍሪኒ ካብቲ ናብ ናይጄሪያ ዝምለስ ገንዘብ 4 ሚኢታዊት ክኸፍሎም ተሰማምዐ። ከም ግምቱ "ኣዝዩ ሕሱር" ክፍሊት ነይሩ።

"ስድራ ኣባቻ ከም ከልቢ ይብኣሱ ነይሮም፤ ኣብ ኩሉ እንሰርሖ ነገር ይግባእ ይሓቱ ስለ ዝነበሩ ንስራሕና ይጎቶ ነይሩ"።

ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ ከኣ እቲ ገንዘብ ናብ ናይጄሪያ ምስ ተመልሰ ዳግም ክስረቕ'ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ስለ ዘልዓሉ ተወሳኺ ምዝንጋዕ ክፍጠር ምኽንያት ኮይኖም።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ዝተወሰነ ገንዘብ ናብ ናይጄሪያ ይምለስ።

ሞንፍሪኒ፡ ብ2008 ኣብ ዝጽሓፎ፡ ስድራ ኣባቻ ኣብ ባንኪ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝኸፈቶም ዝተፈላላዩ ሕሳብ ባንኪ ዝተረኸበ 508 ሚሊየን ዶላር ካብ 2005 ክሳብ 2007 ኣብ ዘሎ ግዜ ክምለስ ክኢሉ'ዩ ኢሉ።

ብ2018 ድማ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበረ ልዕሊ ሓደ ቢሊየንደ ኦላር ናብ ናይጄሪያ ተመሊሱ።

Presentational grey line

ካልኦት ግኑናት ሰረቕቲ ፕሬዝደንታት

መሓመድ ሹሃርቶ - ፕሬዝደንት ኢንዶኔዥያ - ካብ 1967 ክሳብ 1998 ካብ 15 ክሳብ 35 ቢሊየን ዶላር ሰሪቑ

ፈርዲናንድ ማርቆስ - ፕሬዝደንት ፍሊፕንስ - ካብ 1972 ክሳብ 1986 ካብ 5 ክሳብ 10 ቢሊየን ዶላር ሰሪቑ

ሙቡቱ ሴስ ሴኮ - ፕሬዝደንት ዛየር- ካብ 1965 ክሳብ 1997 ኣስታት 5 ቢሊየን ዶላር ሰሪቑ

Presentational grey line
ሳኒ ኣባቻ ብ1998

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሳኒ ኣባቻ ብ1998

ካልኦት ሃገራት ግን እቲ ገንዘብ ንምምላስ ዘንጊዐን ነይረን።

እቲ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ንኣብነት ሊቼስታይን ክትምልስ እያ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ ነይሩ ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ግን 227 ሚሊየን ዶላር ናብ ናይጄሪያ ክትመልስ ክኢላ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ ብግንቦት 2020 ኣብ ከተማ ጀርሲ ኣብ ዝነበረ ሕሳብ ባንኪ ዝነበረ 308 ሚሊየን ዶላር ተመሊሱ።

ሰበ ስልጣን ናይጄሪያ እዚ ገንዘብ ናይ ፍጥነት መገዲ ሌጎስ - ኢባዳንን ጽርጊያ ኣቡጃ - ካኖን ንምህናጽ ከነውዕሎ ኢና ኢሎም ምሒሎምን ተገዚቶም ምስተኣመኑ'ዩ ተመሊሱ።

ክሳብ ሕጂ ግን ገና ዘይመለሳ ሃገራት ኣለዋ።

በዓል ሞያ ሕጊ ሞንፍሪኒ ሕጂ'ውን ኣብ ዓዲአ ኢንግሊዝ ዝርከብ ክምለስ ዝግብኦ 30 ሚሊየን ዶላር ከምኡ'ውን ኣብ ፈረንሳ 144 ሚሊየን፣ ኣብ ጀርሲ ድማ 18 ሚሊየን ዶላር ኣሎ'ዩ ይብል።

ብጠቕላላ፡ ልዕሊ 2.4 ቢሊየን ዶላር ናብ ዋንኡ ክምልስ ከም ዝጽዓረ ይዛረብ።

እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ብስርሑ ሕቡን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

"ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንደቀይ ክነግሮም እንከለኹ፡ ዝጠፍአ ገንዘብ ረኺበ ክዕጾ ብምግባር፤ ሰብ መዚ ንህዝቦም ክኾኑ ከም ዘለዎም ብምሕባር እቲ ገንዘብ ንህዝቢ ናይጄሪያ ክምለሰሉ ገይረ ኢለ የውግዖም። እቲ ስራሕ ክስራሕ ገይርናዮ ኢና" ኢሉ።