ታሪኻዊ በረራ መንገዲ ኣየር እስራኤል ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንፈለማ እዋን ሎሚ ሰኑይ ብንግዳዊ በረራ ተራኺበን።
ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤልን ኣመሪካን ዝጸዓነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር እስራኤል፡ 'ኤል ኣል'፡ ሎሚ ካብ እስራኤል ተበጊሳ ድሕሪ ናይ 3 ሰዓታት በረራ ኣብ ከተማ ኣቡ-ድሃቢ ዓሊባ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን፡ ማእከላይ ምብራቕን "ታሪኻዊ" ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ እታ ፈላሚ ንግዳዊ በረራ ዘካየደት ነፋሪት፡ ብክሊ ኣየር ሱዕዲ ክትሓለፍ ምኽኣላ'ውን፡ ነቲ ፍጻመ ዝያዳ ኣዕዚዝዎ ኣሎ። ሰማያት ስዑዲ ዓረብ ንዝኾነ ናይ እስራኤል በረራታት ክልኩል'ዩ ጸኒሑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እስራኤልን ኢማራት ዓረብን ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ንምምሕያሽ ተሰማሚዐን ምንባረን ይዝከር።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝሃበት ሳልሰይቲ ዓረባዊት ሃገር ኮይና ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ካብ 1972 ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ንእስራኤል ዝእግድ ኣብያ ኣልዒላቶ'ያ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀጥታዊ መስመራት ተሌፎን ተኸፊቶም ነይሮም።
እቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ክዉን ዝኾነ ምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እተን ሃገራት፡ ብ13 ነሓሰ'ዩ ሃንደበት ብወግዒ ተገሊጹ።
እታ ቁጽሪ በረራኣ ናይ ኢማራት ዓረብ ኮድ ቴለፎን (LY971) ዝተዋህባ ነፋሪት፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሰብኣይ ጓሉን ኣማኻሪኡን ዝኾነ ጃረድ ኩሽነርን፡ ኣማኻሪ ጸጥታዊ ጉዳያት እስራኤል ሜር በን-ሻባትን ሒዛ ከምዝተጓዕዘት ተፈሊጡ።
እቲ ስምምዕ ብወግዒ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ጃረድ ኩሽነር ምስ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ብምስጢር ክዘራረብ ምጽንሑ ይግለጽ።
ምስታ ነፋሪት ኣብ ኣቡ-ዳሃቢ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ነቲ ፍጻመ "ታሪኻዊ ዓወት" ክብል ገሊጽዎ።
"እዚ ክኸውን ዝኻኣለ፡ ሰለስተ ዓበይቲ መራሕቲ ብሓባር ተራኺቦም፡ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኢደ-ጽሕፈት ብምቕያሮም'ዩ። መጻኢ ብሕሉፍ ክውሰን የብሉን ብምባል" ክብል ኩሽነር ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ።
እቶም ሰበስልጣን ምስ ናይ ኢማራት ዓረብ መዛንኦም ብምርኻብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲን ሃገራት ምትሕግጋዝ ዝምዕብለሉ ኣብ ዘተኮሩ ጉዳያት ርክባት ከካይዱ መደብ ኣለዎም።
እታ ነፋሪት ኣብ መልሳ፡ ቁጽሪ በረራኣ ናብ ናይ እስራኤል ኮድ ቴለፎን ክቕየር ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
እስራኤል፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ተሪር ተቓውሞ ዘለወን ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ።
እተን ካልኦት ክልተ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝጸንሐን ሃገራት ዓረብ ግብጽን ዮርዳኖስን እየን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







