ኣብ እስራኤል፡ ኣሸሓት ንሰልፊ ተቓውሞ ወጺኦም

እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ርእሰ ከተማ እስራኤል ኣብ ዝኾነት ቴልኣቪቭ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝበጽሖም ቁጠባዊ ማህሰይቲ ክፍተሐሎም ናይ ተቓውሞ ድምጺ ኣስሚዖም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝኣወጆ ኣዋጅ ኣተኣላልያ እዮም ተቓዊሞም።

ራቢን ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ ፈሲሶም ዝርአዮ እዞም ሰልኛታት፡ ማስክ ገይሮም እንተተርአዩ’ኳ፡ ኣይተፈናተቱን ነይሮም ተባሂሉ።

ብሰንኪ ኣዋጅ ኮሮናቫይረስ ንዝበጽሖም ማህሰይቲ ተባሂሉ ካብ መንግስቲ ክወሃቦም ዝግባእ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ እዋኑ ከምዘይበጽሐ እዮም ዝገልጹ።

መብዛሕተኦም እቶም ሰልፈኛታት፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ብቐጥታ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ዝበጽሖም እዮም። መንግስቲ ዝኣተወሎም ቃል ድማ ኣይተግበረን ይብሉ።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ሓገዝ ከምዝረኸቡ እዩ ዝዝረብ። እንተኾነ፡ ኣናእሽቱ ወነንቲ ንግዳዊ ምንቅሰቓስ ግን ንሓደጋ ተሳጢሕና ይብሉ።

ናይ ውልቁ ትካል ዝውንን ሚካኤል ካሲፍ “40 ሰራሕተኛታት ምሳይ ኣለዉ። ኣታዊ ዝበሃል የብለይን። ካበይ ኣምጺአ እየ ክኸፍሎም?” ኢሉ ንሮይተርስ።

“ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚርና ስራሕ ዝበሃል የለን። ሕዚ ድማ ነሐሰ ይመጽእ ኣሎ። መንግስቲ ክኽሕሰና ኣለዎ።”

እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒሰተር ቤናጃሚን ኔታንያሁ፡ ንገለ ነጠፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ረኺቡ ኣዛሪብዎም ነይሩ።

“መንግስቲ እቲ ዝኽእሎ ክገብር እዩ” ክብል ድማ ቃል ኣትዩሎም ኣሎ።

እስራኤል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ ጥቡቕ ዕጽዋ ዝኣወጀት ኾይና፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ጀሚራ ግን ቀስ ብቐስ እናፍኮሰቶ ከመዝመጽአት እዩ ዝዝረብ።

እንተኾነ፡ ስራሕ ስእነት ብ21 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ይዝረብ።

ኣብ እስራኤል፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ይውስኽ እዩ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራይ፡ ሓደሽቲ 1500 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጣ እያ።

ዛጊድ ድማ፡ ልዕሊ 354 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።