ቻይና፡ ኩባንያ ዓሊባባ ናይ 2.75 ቢሊዮን ዶላር መቅጻዕቲ ተበይንዎ

ኩባንያ ዓሊባባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ዓለም ዝዓበየ ‘ብኦንላይን’ ዝተፈላለየ ንብረታት ዝሸይጥ ብቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝውነን ኩባንያ ዓሊባባ ናይ 2.75 ቢሊዮንዶላር መቅጻዕቲ ተበይንዎ።

ንሓደ ብውለቀ ሰብ ዝውነን ትካል ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ገንዘብ መቅጻዕቲ ክብየኖ እዚ ናይ መጀመርታ ኮይኑ ዝለዓለ መቅጻዕቲ ተባሂሉ ክብረ ወሰን ሰይሩ ኣሎ።

ናይ ቻይና ናይ ንግዲ ተቆጻጸርቲ ኣካላት “ኩባንያ ዓሊባባ ንብዙሕ ዓመታት ንዕዳጋ ብሒቱ ዝጸንሓሉ ኣገባብ ጉድለት ረኺብናሉ ኣለና” ብዝብል እዩ ኣብ ልዕሊ ትካል ዓሊባባ መቅጻዕቲ በይኑ።

ትካል ዓሊባባ ብወገኑ ነቲ ውሳነ ኣኽቢሩ ነቲ ዝተበየነሉ መቅጻዕቲ ከምዝኽፍል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

ክኢላታት ስነ ቁጠባ ብወገኖም፡ ቻይና ዋላ ነቶም ብመንገዲ ኢንተርኔት ስርዓተ ንግዲ ዘካይዱ፡ ጽልወኦም ብዘየገድስ ንምቅጽዖም ድሕር ከምዘይትብል ዘርኢ እዩ ኢሎም ኣለዉ።

ኩባንያ ዓሊባባ ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ኩባንያታት ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ቻይና ሓደን ቀንድን ዓብላሊ ንሱ ምዃኑ ኣብ ሻንጋሃይ ዝርከብ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ሮቢን ብራይት ይሕብር።

ቻይን ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ዓሊባባ በይናቶ ዘላ ናይ 2.75 ቢሊዮን ዶላር መቅጻዕቲ እቲ ትካል ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ዝርኸቦ ዓመታዊ እቶት ኣርባዕተ ሚኢታዊት እዩ።

ተቆጻጸርቲ ኣካላት ንግዲ ቻይና፤ “ኩባንያ ዓሊባባ ክወዳደርዎ ዝኽእሉ ትካላት ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ኣብ ምግባር ሰሪሑ እዩ” ኢሎም እዮም ከሲሶም መቅጻዕቲ ከምዝብየኖ ገይሮም ዘለዉ።

መስራቲ እቲ ትካል ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ናይ ቻይና ናይ ንግዲ ተቆጻጸርቲ ኣካላት ንፈጠራውነት ንምግታእ ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ ነይሩ እዩ።

ኣብ ቻይና ከም ናይ ዓሊባባ ብኢንተርኔት ኣብ ዝፍጸም ንግዳዊ ንጥፈታት ዝሰርሑ ትካላት’ውን ካብ ናይ ቻይና ናይ ንግዲ ተቆጻጸርቲ ኣካላት ጸቅጢ ይበጽሖም ከምዘሎ ክዛረቡ ይስምዑ’ዮም።

ብኻልእ ወገን ቻይና ጽልዋ ዓበይቲ ትካላት ንምግታእ ኣብ ልዕሊ ትካል ዓሊባባ መቅጻዕቲ ምብያና ዝገልጹ’ውን ኣይተሰኣኑን።

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንምምርሒታት ሕጊ ንግዲ ቻይና ጥሒሰን ዝበለተን 12 ዓበይቲ ትካላት ንግዲ መቅጻዕቲ ምብያና ዝዝከር እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ሓያላት ሃገራት ክቆጻጸርኦ ዝደልያ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና