ቻይና፡ መሸጣ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቻይና ንቴስላ በሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መሸጣ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቻይና፡ ኣብ ዕዳጋ ልዑል ጠለብ ንዘለወን መካይን ቴስላ ከም ዝበለጽአን ተገሊጹ።
ዋጋ እዘን መካይን ኣብ ቻይና ብ4 ሽሕን 500 ዶላር'ዩ።
መሸጣ እዘን ሆንግ ሁዋንግ ሚኒ ኢቪ ዝብል ሽም ዝተዋህበን መካይን ምዕባዩ፡ ኣብ ትሕቲ ክትትል መንግስቲ ንዝርከብ ኣፍራዪ መኪና ሳይክ ሞተር ዓብዪ ዓወት'ዩ።
ኣመሪካዊ ኣፍራዪ መካይን ጀነራል ሞተርስ ምስ ሳይክ ሞተርስ ብምትሕብባር ዘፍረዩወን መካይን እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዘን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዕጽፊ መሸጣ ቴስላ ከመዝግባ እንከለዋ፡ ኣብ ጉዳይ ድሕነት እዘን መካይን ግን ሕቶታት ይለዓሉ ኣለው።
ኣፍራዪ ኩባኒያ ሆንግ ጉዋንግ ሚኒ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ውሽጢ እዘን መካይን መዝሓሊ ኣየር ብምግጣም ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ዝሽየጣ መካይን ናብ ዕዳጋ የቕርብ ኣሎ።
እዚአን ዝኾነ ሰብ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ክጥቀመለን ዝኽእልን ምቹኣትን ምዃነን'ውን ይገልጽ።
ነዘን መካይን ምስ ምህርታት ቴስላ ዘነጻጸሩወን ክኢላታት፡ ብባትርን ዓቕምን ድኽም ዝበላ እንተኾና'ውን፡ ዋግአን ሕሳርን ምቹኣትን ስለ ዝኾና ግን ብዝለዓለ መጠን መሸጥአን ክውስኽ ክኢሉ'ዩ ይብሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝኣተዋ እዘን መካይን፡ ብማእከላይ ኣብ ሰዓት 100 ኪሎ ሜትሮ ዝጉዓዛን ኣርባዕተ ሰብ ጥራሕ ዝሕዛን እየን።
"መንግስቲ ቻይና ብኽለት ኣየር ንምንካይ ዘለዎ ተበግሶ ልዑል ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም'ውን ምህዞን ሳይንስን ብምጥቃም ዝተሰርሑ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ መካይን ብምልላይ ቀዳምነት ክሕዝ ድልየት ኣለዎ" ይብል ዳይሬክተር ምርምር ዕዳጋታት ቻይና ሻውን ሬይን።
እዘን መካይን ብብዝሒ ንምልላይ መንግስቲ ቻይና ሰሌዳ ቑጽሪ ብናጻ ይዕድል ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ቑጽሪ ሰሌዳ ንምርካብ ኣዋርሕ ከምኡ'ውን ዓመታት ከም ዝወስደለን ይዝረብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







