12 ኣኽላባቶም 'ኮቪድ የመሓላልፉ ኣለው' ብዝብል ዝተቐተልዎም ሰብሓዳር ጓሂኦም ይገልጹ

እታ 15 ኣኽላባት ዝነበርዋ ስድራ ኣብ ጉዕዞ

ምንጪ ስእሊ, Pham Minh Hung

መግለጺ ስእሊ, እታ 15 ኣኽላባት ዝነበርዋ ስድራ ኣብ ጉዕዞ

ቬትናማውያን ሰብ ሓዳር ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ መልከፍቲ ኮቪድ ምስ በዝሐ፡ ምስ 12 ኣኽላባቶም ካብቲ ዝነብሩሉ ኣውራጃ ብሞተር ሳይክል ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ እቶም መጻምድቲ ብኮቪድ ተለኺፎም ንሆስፒታል ምስ ኣተው፡ እቶም ሰበ ስልጣን ናብ መንበሪ ገዝኦም ብምኻድ ነቶም 12 ኣኻላባቶም ኮቪድ የመሓላልፉ ኣለው ብምባል ቐቲሎሙሎም።

ሰራሒ ሕጡብ ወዲ 49 ዓመት ፋም ሚኒህ ሃንግ "እቲ ቕትለት ምስተፈጸመ ኣነን ሰበይተይን ኣምሪርና ስለ ዝበኸና ክንድቅስ ኣይከኣልናን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ብሓቂ ከምኡ ከም ዘጋጠመ ክኣምን ኣይደለኹን። ንደቀይ ካብ ሓደጋ ክከላኸለሎም ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን" በለ ነቶም ደቀይ ዝበሎም ኣኽላባቱ ብምጥቃስ ።

እቲ ዘጋጣመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክ ምስተራእየ ኣብ ቬትናም ዓብዪ ቁጠዐ ፈጢሩ። ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቋረጽ ዝጽውዕ ልዕሊ 150,000 ናይ ጥርዓን ፌርማታት ተኣኪቡ ኣሎ።

ቀልቢ ሰባት ምስሓብ

ለበዳ ኮቪድ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ከምዚ ሓድሽ ናይ ኮቪድ ማዕበል ገይሩ ንቬትናም ኣየጥቀዓን። ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ሓያል ዕጽዋ ምስተኣወጀ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ካብ ኢዶም ንኣፎም ዝድራሮም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ጉልበታዊ ዕዮ መነባብሮኦም ክመርሑ ስለዘይከኣሉ ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ክሃድሙ ተገዲዶም።

ወዲ 35 ዓመት ፊም ሚንህ ሁንግን፡ ንጉየን ታይ ቺ ኤምን ካብቶም ብዙሓት እዮም።

ብ8 ጥቅምቲ ምስ ደርዘን ኣኽላባቶምን ሰለስተ ኣዝማዶምን ኰይኖም ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ 280 ኪ.ሜ. ጀሚሮሞ። እቶም ኣዝማዶም እውን ሰለስተ ኣኽላባትን ሓደ ድሙን ነይሮምዎም።

እቶም ሰብ ሓዳር፡ ናብታ ብዙሕ ናይ ኮቪድ ዛንታ ዘይብላ ካሃን ሁንግ እትብሃል ኣውራጃኦም ከይዶም ።

ኣኽላባቶምን ንብረቶምን ሒዞም ብሞተር ብሽክለታኦም እናተጓዕዙ ዘርኢ ቪድዮ ብመገዲ ኢንተርነት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑዎ ስለዝነበሩ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ውሑስን ሕጉስን መገዲ ክገብረሎም ምንዮቶም ይገልጹሎም ስለዝነበሩ ብዙሕ ሰብ እዩ ፈሊጡዎም።።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንኣኽላባቶም ካብ ዝናብ ክከላኸሉሎም ፕላስቲክ ዘርጊሖም ከዕቅሉዎም ስለዝረኣዩዎም ብልቢ ተደናጊጾሙሎም። መግብን ማይን ዝለኣኹሎም ሰባት እውን ነይሮም።

እቶም ሰብ ሓዳር 15 ኣኽላባት ሒዞም እዮም ነቲ ጉዕዞ ጀሚሮምዎ። ኣብ ቅድሚ ናብ ኣውራጃ ቻ -ማው ምእታዎም ንሓደ ወለንተኛ ክልተ ካብ ኣኻልቦም ሂቦምዎም፡ ሓደ ካብኦም ኣብ መገዲ ስለዝሞቶም 12 ኣኻልብ ሒዞም እዮም ኣትዮም።

እቶም ሰብ ሓዳርን እቶም ሰለስተ ኣዝማዶምን ናብ ካንህ ሁንግ ምስ ኣተው ናይ ኮቪድ መርመራ ገይሮም 'ፖዚቲቭ' ስለዝጸንሑ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ናብ ሆስፒታል ተላኢኾም። ኣኽላባቶም ከኣ ኣብ መጽንሒ ማእከል ተወሺቦም ተሪፎም።

ይኹን እምበር እቶም ሰበ-ስልጣን ናይቲ ምምሕዳር ከባቢ ነቶም 12 ኣኽላባቶምን ነቶም ናይ ኣዝማዶምን ንማንም ከይነገሩን ከይሓበሩ ከም ዝቐተልዎ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጻ። ጸኒሑ እቲ ትሕዝቶ ካብቲ መርበብ ተኣልዩ።

እቶም እንስሳታት ብኸመይ ከም እተቐትሉ ብንጹር ዝፍለጥ የለን። ይኹን እምበር እታ ወግዓዊት ጋዜጣ ፖሊስ፡ እቶም ኣኻልብን ሓንቲ ድሙን ብሓዊ ከም ዝነደዱ ዝሕብር ምስሊ ዘርጊሖም ነይሮም።

ቲራን ታን ኮንግ ዝተባህለ በዓል ስልጣን፡ "እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምክልኻል ሕማም እዩ። ስለዝኾነ እቲ ብኡ ንብኡ ነቶም ንእንስሳታት ንምቕታል እተገብረ ውሳነ ኣድላዪ ናይ ግድን ናይ ምክልኻል ግዴታን እዩ ነይሩ" ክብል ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።

'ባርባራዊ ተግባር'

ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ውሳነ "ሕሱም" ከምኡውን "ልቢ ዝሰብር" ብማለት ቅልጡፍ መልሰ ተግባር ክወሃብ ጸዊዖም ኣለው።

ኣባል ዓለምለኻዊ ማሕበር ድሕነት እንስሳታት ፍልጥቲ ስነጥበበኛ ተዋሳኢት ሆንግ ነቲ ተግባር "ባርባራዊ" ኢላ ድሕሪ ምጽዋዓ፡ ናብቲ ትካል ናይ ጥርዓን ወረቐት ክትልእኽ ምዃና ሓቢራ ።

እቲ ቅትለት "ዘይስነ-ምግባራዊ" ከምኡውን "ጨካን" እዩ ነይሩ ክትብል ነቒፋቶ። ምኽንያቱ፡ ዝኾነ ይኹን እንስሳ ዋናታቱ ብኮቪድ እንተ ተለኺፎም ይቀተሉ ዝብል መምርሒ የለን" ክብል ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ከተማ ሆፕ ናሽናል መዲካል ማእከል ዝሰርሕ ነቭየን ሆንግ ቩ እተባህለ ሰራሕተኛ ሓቢሩ ።

"ኣኽላባትን ደማሙን፡ ኮቪድ ናብ ሰባት ከም ዘመሓላልፉ ዘረድእ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ የሎን። በንጻሩ እኳ ደኣ ኮቪድ ዝሓመሙ ዋናታት ሓደ ሓደ ግዜ ንእንስሳታቶም ከሕልፉሎም ይኽእሉ እዮም "ይብል ዶ/ር ንጉየን ።

ኣብ ቴክሳስ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብ 39 ብኮቪድ እተለኽፉ ስድራ ቤታት ን76 ኣኽላባትን ደማሙን መርመራ ምስተገብረሎም፡ ሰለስተ ደማሙን ሓደ ኸልብን ጥራሕ ከም እተለኽፉ ኣረጋጊጹ እዩ።

እቶም ዝሓመሙ እንስሳታት እውን ሰዓል መሰል ምልክት እዮም ኣርእዮም ኵላቶም ከኣ ቀልጢፎም ሓውዮም።

"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ነቲ ኩነታት ብብቕዓት ምእላይ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት ነቶም እንስሳታት ክሳብ ዋናታቶም ተሓኪሞም ዝሓውዩ ኣብ ጋብያታት መወሸቢ ማእከል ክጸንሑ ምኸኣሉ ነይሮም። ምስ ኣዝማድ እቶም ዋናታት ወይ እውን ምስ ክኢላታት ሰራሕተኛታት እንስሳ እውን ክጸንሑ ምኸኣሉ" ይብል ዶ/ር ንጉየን።

'ናይ ኵናት ዓይነት ኣተሓሳስባ'

ቬትናም ኣብ ምጅማር እቲ ለበዳ ብዝገበረቶ ቅልጡፍን ዕውቱን ምክልኻል ብውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ተናኢዳ እያ ። ይኹን እምበር: እቲ ደልታ ዝተባህለ ሓዲሽ ዓይነት ዘርኢ ኮቪድ ግን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣእትዩዋ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 840,000 ሕሙማት ኮቪድን ብድምር ልዕሊ 20,000 ሰባት ከም ዝሞቱን ጸብጻብ ኣሎ ። እቲ ዝበዝሕ መልከፍትን ሞትን ከኣ በቲ ደልታ ዝተሰምየ ሓዲሽ ዘርኢ ኮቪድ ዘጋጠመ ማዕበል መልከፍቲ እዩ ስዒቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፋም ሚንህ ቺንሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቬትናም "ምስቲ ቫይረስ ተኸኣኢልካ ንምንባር" መደብ ክህሉ ኣለዎ እኳ እንተ በለ: ነቲ ቫይረስ ንምቍጽጻር ግን ብዙሕ ጻዕሪ እያ ገይራ ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ቫይረስ ብምዝርጋሕ ተኸሲሶምን ገሊኦም ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶምን እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ቢንሁ ዱንግ፡ ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሓደ ሰፊሕ መንበሪ ኣባይቲ ደፊኦም ብምእታው" ንሓንቲ ኣደ ንእሽቶ ወዳ እናበኸየ፡ መርመራ ኮቪድ ንክትገብር ጐቲቶም ክወስዱዋ እንከለው ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ስለዝኾነ እቶም ሰበ-ስልጣን ነቶም እንስሳ ምቕታሎም ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን ትብል ለ ኣን።

"መንግስቲ ቬትናም ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ንዝግበር ቃልሲ ዝለዓለ ቦታ እዩ ዝህቦ። ሃገር ኣብ ኩናት ኮቪድ ስለዘላ 'ነዚ ለበዳ ምቅላስ ምስ ጸላኢ ምቅላስ እዩ' ዝብል ጭርሖ እዩ ዘለዎ። ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንኮቪድ ክንስዕሮ ኣሎና ዝብል መንፈስ እዩ ዘሎ። ኣብ እዋን ኲናት ከኣ ርትዓውን ሰብኣውን ባህሪ ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ " ትብል ።

ሚስተር ፋም፡ እቲ ዝኸበደ ነገር እቶም ዝፈትዎም ኣኽላባተይ ከም እተቐትሉ ምፍላጠይ እዩ ። በቲ ቅትለት ከኣ እቶም ሰበ ስልጣን ተሓተትቲ እዮም።

"ንደቀይ ንሽዱሽተ ዓመት ተኸናኺነ እየ አዕብየዮም - ስለዚ ግቡእ ፍትሒ እደሊ እየ" ካብል ካብቲ ብሕክምና ተዓቚቡሉ ዘሎ ሆስፒታል ተዛሪቡ።