ብእዋኑ ምድቃስ ካብ ወቕዒ ልቢ ከምዘድሕን ትፈልጡ'ዶ?

ድቃስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 88,000 ወለንተኛታት መጽናዕቲ ዝገበሩ ተመራመርቲ፡ ካብ ሰዓት 10 -11 ናይ ምሸት ብስሩዕ ምድቃስ ጥዕና ከምዝህብ ሓቢሮም።

እቶም ብትካል ባዮባንክ ዝተደገፉ ሊቃውንቲ፡ ስርዑን ብእዋኑ ምድቃስን ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ካብ ዝመጽእ ሕማማት ከምዝከላኸል ኣረዲኦም።

እቲ ናይ ኣካላትና ተፈጥሮኣዊ ናይ 24 ሰዓታት ስሩዕ ዑደት ንጥዕናን ንቕሓትን ኣገዳሲ እዩ። ንከም ጸቕጢ ደም ዝኣመሰሉ ነገራት እውን ክከላኸል ይኽእል'ዩ።

እቶም ብዛዕባ ድቃስን ምንቃሕን መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ ኣብ ጉንቦ አእዳው እቶም ወለንተኛታት ንሸውዓተ መዓልቲ ዝኣሰሩዎ ሰዓት መሰል መሳርሒ ዘርኣዮም ሓበሬታ ኣብ ኤውሮጳዊ ናይ ልቢ ጆርናል ሓቲሞምዎ።

ንጥዕና ልብን ዙረት ደምን እቶም ወለንተኛታት ንኣስታት ንሽዱሽተ ዓመት እዮም ኣጽኒዖምዎ። ኣብ መስርሕ መጽናዕቶም ከኣ ልዕሊ 3,000 ዝዀኑ ዓበይቲ ሰባት ጥራሕ ሕማም መትንታት ልቢ (ካርዲዮቫስኩላር) ከምዘማዕበሉ እቲ መጽናዕቲ ኣረዲኡ። መብዛሕትኡ እዚ ሕማም ከኣ ኣብቶም ድሕሪ ሰዓት 10-11 ናይ ምሸት ዝድቅሱ ሰባት እዩ ኣጋጢሙ።

እቶም ተመራመርቲ ንከም ክብደት ሰብነት፡ መጠን ኮሌስትሮልን ዝኣመሰለ ካልእ ረቛሒታት ክቈጻጸርዎ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ እቲ ዝገብርዎ መጽናዕቲ ግን ንጠንቂን ሳዕቤንን እቲ ንሓደጋ ሕማም ልቢ ዘቃልዕ ነገራት ከረጋግጹዎ ኣይከኣሉን።

ጸሓፊ እቲ መጽናዕቲ፡ ፕሮፌሰር ዴቪድ ፕላንስ "ካብ መጽናዕትና እቲ ጠንቂ ወቕዒ ልቢ እዚ እዩ ኢልና ክንድምድም እኳ እንተዘይከኣልና፡ እቲ ውጽኢት ከም ዝሕብሮ ግና፡ ቀልጢፍካ ወይ ደንጒኻ ምድቃስ፡ ንውሽጣዊ ስሩዕ ዑደት ኵለንተናዊ ሰብነትና ከበላሽዎ ይኽእል እዩ፤ እዚ ከኣ ንጥዕና ልቢ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ" ክብል ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤክሳይተር ጽሒፉ ።

"መብዛሕቱ ግዜ እቲ ናይ ወቕዒ ልቢ ሰብነትና ቅድሚ ብርሃን ጸሓይ ምቕልቃሉ ኣብ ዘሎ ሰዓታት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ዝኽሰት"

ላዕለወይቲ ነርስ ዝኾነት ረጂና ጊብሊን ብተመሳሳሊ ምሸት ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 11 ኣብ ዘሎ እዋን ምድቃስ ጥዕና ልብና ንነዊሕ እዋን ዝተሓለወ ክኸውን ከምዝሕግዝ እቲ መጽናዕቲ ከምዝእምት ትዛረብ፡፡ እንተኾነ እቲ መጽናዕቲ ተዛምዶ ጥራሕ እምበር መንቀልን ሳዕቤንን ከምዘየመላኽትን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድልን እውን ትገልጽ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ጥዕና ልቢ ጸቕጢ ዝፈጥር ድቃስ ጥራሕ ስለዘይኮነ ኣነባብራ፣ ጸቕጢ ደምን መጠን ኮሌስትሮልን ምሕላውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታርን ከምዘድሊ ከኣ ትሕብር፡፡

ኣብ ብሪቲሽ ሀርት ፋውንደሽን ዓባይ ብሪጣንያ ላዕለወይቲ ኣላዪት ሕሙማት ልቢ፡ "እዚ ዓብዪ መጽናዕቲ እዚ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንነዊሕ እዋን ስርዓተ ልቦም ምሉእ ጥዕና ምእንቲ ኽህልዎ፡ ካብ 10-11 ምሸት ክድቅሱ ከም ዝግባእ ይመክር።''

ይኹን እምበር፡ እዚ መጽናዕቲ እዚ ተኽእሎን ዝምድናታት ምኽንያት ሕማም ከም ዘሎ ዘርኢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጠንቅን ሳዕቤንን እውን ከረጋግጽ ከም ዘይክእል ምዝካር ኣገዳሲ እዩ ። ንልብን ሕማማት ዙረት ደምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምኽንያት ገና መጽናዕትን ምርምርን ከምዘድልዮ ኣረዲኣ።

እኹል ድቃስ ምርካብ፡ ንሓፈሻዊ ጥዕናናን፡ ጥዕና ልብናን ጥዕና ዙረት ደምን ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኦም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ሓደ ለይቲ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ክድቅሱ ኣለዎም ከኣ ትብል ።

"ይኹን እምበር ፡ ድቃስ ንጥዕና ልቢ ክጸሉ ዝኽእል እንኮ ረቛሒ ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ከም ጸቕጢ ደምን መጠን ኮሌስትሮልን ዝኣመሰሉ ምፍላጥ፡ ዝተመጣጠነ መኣዛዊ መግቢ ምምጋብ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር፡ ጨውን ኣልኮላዊ መስተን ምንካይ ዝኣመሰለ ጥዕና ልብኻ ንምሕላው ክሕግዘካ ይኽእል እዩ''።

መግለጺ ቪድዮ, እኹል ድቃስ ዕድመ የንውሕ'ዩ!