ከመይ ገይርና ነዊሕ ከም እንድቅስን ነዊሕ ከም ንነብርን

ተመራመርቲ ድቃስ ነዊሕ ዓመታት ንኽንነብር ሓገዚ ከም ዝኾነ በጺሕናዩ ይብሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ ድቃስ ነዊሕ ዓመታት ንኽንነብር ሓገዚ ከም ዝኾነ በጺሕናዩ ይብሉ

"ነዊሕን ጥዕዩን ሂወት ክትመርሕ ድሌት እንተ ሃልዩካ፡ ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ ኣለካ" ይብል ክኢላ ድቃስ ማቴው ዎከር።

ማቴው ዎከር፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ፕሮፌሰር ስነ ኣእምሮን ኔሮሳይንስን ኮይኑ፡ ኣብ ሚልዮናት ብዝገበሮ መርመራ፤ ድቃስ ዝበለጸ ሂወት ንምንባር እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ምርምር ልዕሊ 50 ዓመታት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ተመራመርቲ 'ድቃስ እንታይ ይዓበሰልና?' ዘይኮነስ፡ እንታይከ ዘይገብረልና ነገር ኣሎ ኢሎም ክመራመሩ ኣለዎም ይብል።

ድቃስ እንታይ እዩ ዝገብረልና?

ዕርፍቲ ምስ ዝውሕደና ኣካልናን ሓንጎልናን ስራሕ ደው የብል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዕረፍቲ ምስ ዝውሕደና ኣካልናን ሓንጎልናን ስራሕ ደው የብል እዩ፡ እዞም ኣብዚ እዋን እዚ ቀተልቲ ሕማማት ኮይኖም ዘለዉ ከም መንሽሮ፡ ሽኮርያ፡ ጭንቀትን ካልእን ምስ ስእነት ድቃስ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም።

ኩሎም ስነ ኣእምሮኣዊ መስርሓት ናይ ኣካልና፡ ምስ ሓንጎልና ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም። እኹል ድቃስ ዘይምውሳድ፡ ንሓንጎልና ዝሃሲ ካብ ኮነ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ መስርሓትና ምጽላዉ ኣይክተርፎን እዩ።

እዚ ግን በቲ ንቡር ድቃስ እምበር፡ ብሓገዝ ክኒና ዝግበር ድቃስ ኣብ ክንዲ ጥዕና ንመንሽሮን ረኽሰን ኣቃሊዑ ናብ ሞት ከብጽሓና ይኽእል እዩ።

ሎሚ ንድቅሶ ዘለና ካብቲ ቅድሚ 100 ዓመት ዝድቀስ ዝነበረ ዝውሓደ እዩ

ቅሩብ ቀም ኣቢለ ምባል ንነብስኻ ምትላል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅሩብ ቀም ኣቢለ ምባል ንነብስኻ ምትላል እዩ

ስለዚ ድቃስ ኣግዳሲ እዩ፡ እንተኾነ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ደቂ ሰባት ካብቲ ቅድሚ 100 ዓመታት ዝድቅስዎ ዝነበሩ ዝውሓደ ሰዓታት ይድቅሱ ምህላዎም'ዩ ዘርኢ።

ሰብ ጥዑይ ኣእምሮ ንኽህልዎ ኣብ መዓልቲ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ክድቅስ ከም ዘለዎ እዩ እዚ መጽናዕቲ ዝሕብር።

ይ ጌርና ኢና ጥዑም ድቃስ ክንድቅስ ንኽእል?

ንድቃስ ብዕቱብ ሓዞ፡ ብዛዕብኡ ግን ኣመና ህንጡይ ኣይትኹን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድቃስ፡ ኣብ ዓራት ደይብካ መተርኣስ ምትርኣስ ማለት ኣይኮነን፡ ብዙሓት ሰባት እዚ ድሕሪ ምግባሮም'ውን ድቃስ ቀልጢፉ ከም ዘይመጾም'ዮም ዝዛረቡ።

ኣብዚ ምዕቡል እዋን ኣብ ሞባይላትን ቴለቪዥናትን ተተኺልካ ንነዊሕ ስዓታት ምጽናሕ ሓደ ካብ ጠንቅታት ስእነት ድቃስ ምዃኑ እዩ ዝእመን።

ፐሮፌሰር ዎከር "ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ፡ ከማልሶ እየ ኢልካ ኣይትሕሰብ" ብምባል ካብ ተመሳሳሊ ጌጋ ክንእረም ከም ዘለና እዩ ዝምዕድ።

ስለዝኾነ ንነብስና ጥዑምን ንነዊሕ ስዓታት ዝቕጽልን ድቃስ ክንዕልማ ንኽእል ኢና ብምባል፡ ድቃስ ዝኸልኡ ኣመላትና ከነወግዶም ከም ዘለና ይመኽሩ።

ደራሲ ናይታ 'ንምንታይ ንድቅስ?' (ዋይ ዊ ስሊፕ?) እትብል መጽሓፍ ፕሮፌሰር ዎከር ዝስዕብ ማዕዳ ኣለዎ።

1. መዓልታዊ ንድቅሰሉን ንትስኣሉን ስዓት ተመሳሳሊ ክኸውን ኣለዎ

ኣብ ቃልዕ ቦታ ኣብ ሰድያ ክድቅስ ዝፍትን ዘሎ ቻይናዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መዓልታዊ ንድቅሰሉ ስዓታት ፈሉጥ ገይርና፡ እቲ ንትስኣሉ ስዓት'ውን ውሱን ኮይኑ፡ ነዚ ተግባር መዓልታዊ ምስ እንደጋግሞ ናይ ምድቃስ ባህልና ክስራዕ ይኽእል እዩ።

እዚ ምግባርና ኣብቲ ሓንጎልና ድቃስ ዝለመደሉ ሰዓታት ትክስ ክንብል ክንጅምር ኢና፡ እዚ ክኣ ኣካላትና ምስ ናይ ድቃስ ስዓታታት ከም ዝተቓነየ እዩ ዘርኢ።

2. ንድቅሉ ክፍሊ ጽልምት ዝበለ ክኸውን ኣለዎ

ንድቅሱሉ ክፍሊ ጽልምት ዝበለ ክኸውን ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጥዑም ድቃስ ንክንድቅስ እቲ ንድቅሰሉ ክፍሊ ጽልምት ዝበለ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ኣብ መደቀሲና ንጥቀመሉ መብራህቲ ክደምቕን ክድብዝዝን ዝኽእል እንተኾይኑ ተመራጺ እዩ።

ቅድሚ ምድቃስ ከም ሞባይል ተሌቪዥን ዝኣመሰላ 'ብሉ ላይት' ወይ ሰማያዊ ብርሃን ዝነዝሓ መሳርሒታት ክንጥቀም የብልናን።

3. ዝሕል በል

መደቀሲ ክፍልና ዝሕል ዘበለ ክኸውን ተመራጺ እየ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዛሕሊ ንድቃስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ሙቀት መደቀሲ ክፍልና ኣብ ከባቢ 18 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ክኸውን ኣለዎ፡ ናይ ኣካላትና ዋዒ ምስቲ ግዳማዊ ቁሪ ንምስናይ ዝገብሮ ቅልስ ጥዑም ድቃስ ንኽወስደና ሓጋዚ እዩ።

4. ዓራትና ንመደቀሲ ጥራይ ንጠመሉ

ዓራትና ንመደቀሲ ጥራይ ንጠቀመሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዓራትና ከም መደቀሲ ጥራይ ክንጥቀመሉ ምስ እንጅምር፡ ሓንጎልና ብኡኡ ይቃነ'ሞ፡ ዓራት ማለት ድቃስ ማለት'ዩ ዝብል ስነ ሓሳብ ኣብ ውሽጥና ይርዕም።

ኣብ ዓራትና ንዕስራ ደቃይቕ ክንድቅስ ፈቲንና ምስ ዝኣብየና፡ ካብ ዓራትና ተሲእና ካልእ ንጠፈታት ክንገብር ንፈትን፡ ከም ኣብነት ምንባብ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ንናይ ድቃስ ስምዒትና ናብ ንቡር ክመልሶ ይኽእል እዩ።

5. ቅድሚ ምድቃስና ከም ቡን ዝኣመሰሉ ነገራት ካብ ምውሳድ ንቆጠብ

ቅድሚ ምድቃስና ከም ቡን ዝኣመሰሉ ነገራት ካብ ምውሳድ ንቆጠብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም ቡንን ኮካን ዝኣመሰሉ ኣነቃቃሕቲ ነገራት ክንወስድ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ቅድሚ ምድቃስና ኣብ ዘሎ 12 ሰዓታት ክንወስዶ ከም ዘይብልና ፕሮፌሰር ዎከር ይምዕድ።

ነዚ ምውጋድና ኣብ ድቃስና ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ልዑል ምዃኑ'ዩ ፕሮፌሰር ዎከር ዝምዕድ።

6. ካብ ኣልኮላዊ መስተ ተጠንቀቕ

ካብ ኣልኮላዊ መስተ ተጠንቀቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዘይከምቲ ንሓስቦ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ድቃስ ኣሉታዊ ኣስተዋጽኦ እዩ ዘለዎ።

ብዙሓት እንተሰቲና ጽቡቕ ድቃስ ንድቕስ እዩ ዝመስለና፡ እንተኾን እቲ መስተ ሰቲና ንድቅሶ ካብቲ መደቀሲ ከኒና ወሲድና ንድቅሶ ዝፈሊ የብሉን።

ስለዚ ጥዑም ድቃስ ንምድቃስ ኣልኮላዊ መስተ ከነወግድ ከም ዘለና እዩ ፕሮፌሰር ዎከር ዝምዕድ።

መግለጺ ቪድዮ, እኹል ድቃስ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?