ከመይ ገይርና ነዊሕ ከም እንድቅስን ነዊሕ ከም ንነብርን

"ነዊሕን ጥዕዩን ሂወት ክትመርሕ ድሌት እንተ ሃልዩካ፡ ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ ኣለካ" ይብል ክኢላ ድቃስ ማቴው ዎከር።

ማቴው ዎከር፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ፕሮፌሰር ስነ ኣእምሮን ኔሮሳይንስን ኮይኑ፡ ኣብ ሚልዮናት ብዝገበሮ መርመራ፤ ድቃስ ዝበለጸ ሂወት ንምንባር እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ምርምር ልዕሊ 50 ዓመታት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ተመራመርቲ 'ድቃስ እንታይ ይዓበሰልና?' ዘይኮነስ፡ እንታይከ ዘይገብረልና ነገር ኣሎ ኢሎም ክመራመሩ ኣለዎም ይብል።

ድቃስ እንታይ እዩ ዝገብረልና?

ዕረፍቲ ምስ ዝውሕደና ኣካልናን ሓንጎልናን ስራሕ ደው የብል እዩ፡ እዞም ኣብዚ እዋን እዚ ቀተልቲ ሕማማት ኮይኖም ዘለዉ ከም መንሽሮ፡ ሽኮርያ፡ ጭንቀትን ካልእን ምስ ስእነት ድቃስ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም።

ኩሎም ስነ ኣእምሮኣዊ መስርሓት ናይ ኣካልና፡ ምስ ሓንጎልና ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም። እኹል ድቃስ ዘይምውሳድ፡ ንሓንጎልና ዝሃሲ ካብ ኮነ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ መስርሓትና ምጽላዉ ኣይክተርፎን እዩ።

እዚ ግን በቲ ንቡር ድቃስ እምበር፡ ብሓገዝ ክኒና ዝግበር ድቃስ ኣብ ክንዲ ጥዕና ንመንሽሮን ረኽሰን ኣቃሊዑ ናብ ሞት ከብጽሓና ይኽእል እዩ።

ሎሚ ንድቅሶ ዘለና ካብቲ ቅድሚ 100 ዓመት ዝድቀስ ዝነበረ ዝውሓደ እዩ

ስለዚ ድቃስ ኣግዳሲ እዩ፡ እንተኾነ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ደቂ ሰባት ካብቲ ቅድሚ 100 ዓመታት ዝድቅስዎ ዝነበሩ ዝውሓደ ሰዓታት ይድቅሱ ምህላዎም'ዩ ዘርኢ።

ሰብ ጥዑይ ኣእምሮ ንኽህልዎ ኣብ መዓልቲ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ክድቅስ ከም ዘለዎ እዩ እዚ መጽናዕቲ ዝሕብር።

ይ ጌርና ኢና ጥዑም ድቃስ ክንድቅስ ንኽእል?

ድቃስ፡ ኣብ ዓራት ደይብካ መተርኣስ ምትርኣስ ማለት ኣይኮነን፡ ብዙሓት ሰባት እዚ ድሕሪ ምግባሮም'ውን ድቃስ ቀልጢፉ ከም ዘይመጾም'ዮም ዝዛረቡ።

ኣብዚ ምዕቡል እዋን ኣብ ሞባይላትን ቴለቪዥናትን ተተኺልካ ንነዊሕ ስዓታት ምጽናሕ ሓደ ካብ ጠንቅታት ስእነት ድቃስ ምዃኑ እዩ ዝእመን።

ፐሮፌሰር ዎከር "ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ፡ ከማልሶ እየ ኢልካ ኣይትሕሰብ" ብምባል ካብ ተመሳሳሊ ጌጋ ክንእረም ከም ዘለና እዩ ዝምዕድ።

ስለዝኾነ ንነብስና ጥዑምን ንነዊሕ ስዓታት ዝቕጽልን ድቃስ ክንዕልማ ንኽእል ኢና ብምባል፡ ድቃስ ዝኸልኡ ኣመላትና ከነወግዶም ከም ዘለና ይመኽሩ።

ደራሲ ናይታ 'ንምንታይ ንድቅስ?' (ዋይ ዊ ስሊፕ?) እትብል መጽሓፍ ፕሮፌሰር ዎከር ዝስዕብ ማዕዳ ኣለዎ።

1. መዓልታዊ ንድቅሰሉን ንትስኣሉን ስዓት ተመሳሳሊ ክኸውን ኣለዎ

መዓልታዊ ንድቅሰሉ ስዓታት ፈሉጥ ገይርና፡ እቲ ንትስኣሉ ስዓት'ውን ውሱን ኮይኑ፡ ነዚ ተግባር መዓልታዊ ምስ እንደጋግሞ ናይ ምድቃስ ባህልና ክስራዕ ይኽእል እዩ።

እዚ ምግባርና ኣብቲ ሓንጎልና ድቃስ ዝለመደሉ ሰዓታት ትክስ ክንብል ክንጅምር ኢና፡ እዚ ክኣ ኣካላትና ምስ ናይ ድቃስ ስዓታታት ከም ዝተቓነየ እዩ ዘርኢ።

2. ንድቅሉ ክፍሊ ጽልምት ዝበለ ክኸውን ኣለዎ

ጥዑም ድቃስ ንክንድቅስ እቲ ንድቅሰሉ ክፍሊ ጽልምት ዝበለ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ኣብ መደቀሲና ንጥቀመሉ መብራህቲ ክደምቕን ክድብዝዝን ዝኽእል እንተኾይኑ ተመራጺ እዩ።

ቅድሚ ምድቃስ ከም ሞባይል ተሌቪዥን ዝኣመሰላ 'ብሉ ላይት' ወይ ሰማያዊ ብርሃን ዝነዝሓ መሳርሒታት ክንጥቀም የብልናን።

3. ዝሕል በል

ዛሕሊ ንድቃስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ሙቀት መደቀሲ ክፍልና ኣብ ከባቢ 18 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ክኸውን ኣለዎ፡ ናይ ኣካላትና ዋዒ ምስቲ ግዳማዊ ቁሪ ንምስናይ ዝገብሮ ቅልስ ጥዑም ድቃስ ንኽወስደና ሓጋዚ እዩ።

4. ዓራትና ንመደቀሲ ጥራይ ንጠመሉ

ንዓራትና ከም መደቀሲ ጥራይ ክንጥቀመሉ ምስ እንጅምር፡ ሓንጎልና ብኡኡ ይቃነ'ሞ፡ ዓራት ማለት ድቃስ ማለት'ዩ ዝብል ስነ ሓሳብ ኣብ ውሽጥና ይርዕም።

ኣብ ዓራትና ንዕስራ ደቃይቕ ክንድቅስ ፈቲንና ምስ ዝኣብየና፡ ካብ ዓራትና ተሲእና ካልእ ንጠፈታት ክንገብር ንፈትን፡ ከም ኣብነት ምንባብ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ንናይ ድቃስ ስምዒትና ናብ ንቡር ክመልሶ ይኽእል እዩ።

5. ቅድሚ ምድቃስና ከም ቡን ዝኣመሰሉ ነገራት ካብ ምውሳድ ንቆጠብ

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም ቡንን ኮካን ዝኣመሰሉ ኣነቃቃሕቲ ነገራት ክንወስድ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ቅድሚ ምድቃስና ኣብ ዘሎ 12 ሰዓታት ክንወስዶ ከም ዘይብልና ፕሮፌሰር ዎከር ይምዕድ።

ነዚ ምውጋድና ኣብ ድቃስና ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ልዑል ምዃኑ'ዩ ፕሮፌሰር ዎከር ዝምዕድ።

6. ካብ ኣልኮላዊ መስተ ተጠንቀቕ

ዘይከምቲ ንሓስቦ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ድቃስ ኣሉታዊ ኣስተዋጽኦ እዩ ዘለዎ።

ብዙሓት እንተሰቲና ጽቡቕ ድቃስ ንድቕስ እዩ ዝመስለና፡ እንተኾን እቲ መስተ ሰቲና ንድቅሶ ካብቲ መደቀሲ ከኒና ወሲድና ንድቅሶ ዝፈሊ የብሉን።

ስለዚ ጥዑም ድቃስ ንምድቃስ ኣልኮላዊ መስተ ከነወግድ ከም ዘለና እዩ ፕሮፌሰር ዎከር ዝምዕድ።