ብዛዕባ ድቃስ ክንፈልጦም ዘለና 10 ነገራት

ምስሊ ዝደቀሰት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክሳዕ ክንደይ ኢና ብዛዕባ ድቃስን ጽልዋኡ ኣብ ሂወትና፡ ማለት ጥዕናና፡ ስምዒትናን፡ ዕድሜናን፡ ንፈልጥ?

1.ሞንተ ሰዓታት ምድቃስ

ኩላትና ንሸሞንተ ሰዓታት ክንድቅስ ከም ዘለና ኩሉ ሳዕ እንሰምዖ'ዩ። እዚ ምኽሪ'ዚ ግን ካበይ ዝመጸ'ዩ?

እቶም ንሓጺር ዝድቅሱ ዝበሃሉ፡ ካብ 6 ሰዓታት ንታሕቲ ዝድቅሱ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ነዊሕ ዝድቅሱ ድማ 9 ወይ 10 ሰዓታት ኣብ ሓደ ለይቲ ዝድቅሱ እዮም። ዓቕመ ኣዳም ዘይበጽሑ ቆልዑት ክሳብ 11 ሰዓታት ድቃስ ኣብ ሓደ ለይቲ ክረኽቡ ይምከሩ። ሓደስቲ ዝተውልዱ ህጻናት ከኣ ክሳብ 18 ሰዓታት ኣብ ሓደ መዓልቲ (24 ሰዓታት) ክድቅሱ ኣለዎም ይበሃል። ኮተቴ እንተኾይኖም ድማ ክሳብ 10 ሰዓታት ኣብ ሓደ ለይቲ ክድቅሱ ይግባእ።

ኣብ ትሪኒቲ ኮለጅ ዱብሊን (ኣየርላንድ) ፕሮፌሰር ዝኾነ፡ ሼን ኦማራ ከም ዝብሎ፡ ዋሕዲ ድቃስ ናይ ምስኣን ጥዕና ምንኽንያት ድዩስ ዋላ ሳዕቤን ክትፈልጥ ኣጸጋሚ'ዩ፡ ናይ ክልቲኡ ርክባት ንሓድሕዱ ዝመጋገብ ስለዝኾነ ይብል።

ሕዱር ዝኾነ ስእነት ድቃስ፡ ማለት ንንውሕ ዝበለ እዋን ብሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ዝጎደለ ድቃስ፡ ተመራመርቲ ብተደገጋሚ ምስ ጉድለት ጥዕና የተኣሳስርዎ'ዮም። ናይ እዚኦም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ግዳይ ንኽትከውን ንመዓልታት ድቃስ ክሕረመካ ኣየድልየካን'ዩ ማለት እዩ።

2. እኹል ድቃስ ምስ ዘይትረብ ኣብ ኣካላትካ እንታይ የጋጥም?

ስእነት ድቃስ ምስ ዝተፈላለዩ ምምዝባላት ርክብ ዘለዎ'ዩ።

ምስ ልዕሊ 5 ሚልዮን ተሳተፍቲ ዝተገብሩ 153 መጽናዕትታት ከም ዘረጋግጽዎ፡ ሓጺር ሰዓታት ድቃስ ምስ ሕማም ሽኮርያ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ካርዲዮቫስኲላር (መትነ-ልባዊ)፡ ሕማም ልቢ (ኮሮናርዮ)ን ምኽሳዕን፡ ልዑል ዝኾነ ርክብ ኣለዎ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዕድመ። ኣብቶም ማእከላይ ደረጃ ጉድለት ድቃስ ዘለዎም ኸኣ፡ናይ ኣካላቶም መጠን ግልኮዝ ደም ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ሃስይዎ።

ድቃስ ዝተሓረመና እንተድኣ ኾይንና፡ ክታበት ብዙሕ ኣየድምዕን እዩ። ምኽንያቱ ድቃስ ምሕራም፡ ነቲ ናይ ኣካላትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለዘዳኽሞ፡ ዝያዳ ንሕማም ተጠቃዕቲ ይገብረና።

እቶም ካብ 7 ሰዓታት ንታሕቲ ዝድቅሱ ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ፡ ብሰዓል ናይ ምጥቃዕ ተኽእለኦም ካብቶም 7 ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዝድቅሱ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ'ዩ።

መንቅሒ ሰዓት ዘጥፍእ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock

ብዙሕ ዘይድቅሱ ሰባት፡ ዝያዳ ናይቲ ግረሊን ዝተባህለን ምስ ጥሜት ርክብ ዘለዎ ሆርሞንን፡ ለፕቲን ዝበሃል ንክሳዐ (ምኽራሽ) ዘበርክትን ፕሮቲንን ይረኣዮም'።

ብተወሳኺ'ውን ምስ ናይ ሓንጎል ንጥፈታት፡ ክሳብ ምስሓት ኣእምሮ ዝኸይድ ርክብ ኣለዎ። እኹል ድቃስ ዘይትረክብ እንተኾንካ፡ ትሑት ነውጺ ኣእምሮ ክህልወካ ይኽእል'ዩ፡ ይብል ፕሮፌሰር ኦማራ።

ሳዕቤን ክቱር ድቃስ እንታይ ምዃኑ፡ ብዙሕ ንጹር ኣይኮነን፡ ኣንተኾነ ግን ምስ ኣሉታዊ ኩነታት ጥዕና ርክብ ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ኣብቶ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ድማ፡ ልዑል ሓደጋ ምጉዳል ናይ ምግንዛብ ዓቕሚ ከም ዝህሉ ይገብር።

3. ክንስተኻኸል እንተኾይንና ካልእ ዓይነት ድቃስ ክንድቅስ ኣለና

ድቃስ ምስ ወሰደና፡ ብዝተፈላለዩ ዓንኬላት ናይ "ድቃስ ደረጃታት" ንሓልፍ። ነፍሲ ወከፍ ዓንኬል ድማ፡ ካብ 60 ክሳብ 100 ደቓይቕ ይወስድ። እቲ ቀዳማይ ደረጃ፡ ምብዕጋግ'ዩ፡ እዚ ኣብ መንጎ ምብርባርን ምድቃስን ዘሎ ዝተዛነየ ኩነት'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሃዲእካ ተስተንፍስ፡ ጭዋዳታት ይዛነዩን ህርመት ልቢ ድማ ይጎድል።

እቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ብተዛማዲ ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ድቃስ እንኣትወሉ'ዩ፡ ዋላኳ ተበራቢርካ ዘሎኻ ኮይኑ ዝስመዓካ እንተኽዕነ፡ እዚ ማለት ከኣ ሓይሎ ለይቲታት ዝደቀስካ ዋላ እንተኾንካ፡ ከይርደኣካ ይኽእል'ዩ።

እቲ ሳልሳይ ደረጃ ኣብ ዓሚቕ ድቃስ ምእታው'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ክትበራበር ኣሸጋሪ'ዩ፡ ምኽንያቱ ሽዑ ኣብ ኣካላትካ እቲ ዝተሓተ ንጥፈታት ስለዝህሉ።

ስለዚ ኣብ ሓደ ምሉእ ድቃስ፡ ሓደ ሰብ በዞም ሰለስተ ደረጃታት ምስሓለፈ፡ ንቑርብ እዋን ንድሕሪ ተመሊሱ ናይብቶም ክልተ ይምለስ።

4. ብስሩዕ ዘይድቅሱ ናይ እብረ ሰራሕተኛታት ዝያዳ ይሓሙ

ብእብረ (ሺፍት) ምስራሕ ምስ ብዙሓት ናይ ጥዕና ጸገማት ይዛመዱ'ዮም። እቶም ውሑድ ድቃስ ኣብ ሓዲግ እዋን ዝድቅሱ ናይ እብረ ሰራሕተኛታት፡ ብሽኮርያን ምኽሳዕን ናይ ምጥቃዕ ተኽእለኦም ዝዓበየ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ይብሉ ተመራመርቲ።

ናይ እብረ ሰራሕተኛታት፡ እቶም መብዛሕትኡ እዋን ሕማቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከም ዘለዎም ዝገልጹ'ዮም። ብዙሓት ካብዚኦም ድማ፡ "ንነዊሕ ዝኸይድ ሕማም" ክህልዎም ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፡ ምስቶም ብእብረ ዘይሰርሑ ክነጻጸሩ እንከለዉ።

ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ብእብረ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ዝያዳ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝወስዱ'ዮም። ካብኡ ናብኡ እውን፡ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታትን ካልኦትን ዓቢ ጋግ ኣሎ። ስእነት ድቃስ ዝዓበየ ሳዕቤን ኣብቶም ኣብ ዝተሓተ ንጥፈታት ዝሰርሑ ሰባት ዝያዳ ይረአ።

5. ካብን ዝኾነ እዋን ንላዕሊ'ዶ ድቃስ ዝተሓረመና ኾይኑ ይስመዓና?

ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ስእነት ድቃስ ከም ዘለዎም እንተ ተወኪስካዮም፡ ፍልይ ዝበለ ስእሊ ክትረክብ ዝከኣል'ዩ። ኣብ 15 ሃገራት ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተፈራረቐ ስእሊ'ዩ ዘርእይ። ውጽኢት ናይተን 6 ሃገራትን ዝነከየ ንውሓት ድቃስ ከርእይ እንከሎ፡ ኣብተን ሸውዓተ ምዝያድ ናይ ድቃስ ግዜ የንጸባርቕ። እብ ክልተ ሃገራት ድማ ዝተፈራረቐ ውጽኢት ተረኺቡ።

ብዙሓት መጽናዕትታት ከም ዘተንብህዎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ቀረባ ትውልድታት፡ መጠን ድቃስና ብዙሕ ኣይተለወጠን።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2000 እንግሊዛውያን ልዕሊ ዕድመ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዩ ዝያዳ ናይ ምድቃስ ሽግር ከም የጋጠመን። ካፌንን (ኣብ ከምኒ ሽጋራ፡ ቡን ዝርከብ) መስተን ድማ ንመጠንን ዓይነትን ድቃስ ይጸልውዎ'ዮም።

ብሰንኪ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ለይቲ ደንጕኻ ምድቃስ'ውን ገሌና ውሑድ ዕረፍቲ ክንረክብ ይገብር'ዩ። ሓደ ሓደ እዋን'ውን፡ ገለ ሰባት ኣብቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ውሕድ ስለ ዝድቅሱ፡ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ይምልእሉ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ማእከላይ ገምጋም ክብርኽ ይገብሮ።

ዝደቀሰ ህፃን

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock

6. ታሪኽ ድቃስ ወዲ ሰብ

ሮጀር ኤኪርክ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ቴክክ (ኣሜሪካ) ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር እዩ። ንሱ ድሕሪ'ቲ ን16 ዓመታት ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ 2001 ሓደ መጽናዕታዊ ወረቐት ኣሕቲሙ። እቲ መጽናዕቲ ብናይ ታሪኽ ጭብጥታት ዝሃብተመ ኾይኑ፡ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ደቂ ሰባት ኣብ ክልተ እብረ ይድቅሱ ምንባሮም ይገልጽ።

ኩሎም ተመራመርቲ ነዚ ኣይሰማምዑሉን'ዮም። ካልኦት ተመራመርቲ ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ዘለዉ፡ ብሃድንን ምምእራርን ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኣብ ሓደ እብረ ክድቅሱ ይኽእሉ'ዮም፡ ዋላ ናይ ኤለክትሪክ መብራህቲ ኣይሃልዎም። እዚ ዘርእዮ ድማ፡ ክልተ እብረ ምድቃስ ባህርያዊ ትዕድልትና ከም ዘይኮነ'ዩ።

7. ቴሌፎናት ንኮተቴ ድቃስ ከሊኤኦም

ናይ ድቃስ ኪኢላታት ከም ዝብልዎ፡ ኮተቴ ኣስታት 10 ሰዓታት ክድቅሱ ይግበኦም፡ እንተኾነ ግና ዳርጋ ፍቆም ክንድኡ ዝኣክል ድቃስ ኣይረኽቡን ዘለዉ።

መደቀሲ ክፍልታት ናይ ዕረፍቲ ቦታ ክኾኑ'ዩ ዘለዎም፡ ኮይኑ ግን፡ ብላፕቶፕ ኮምፒተራትን ቴለፎናትን ስለ ዝምልኡ፡ እቶም ኮተቴ ድቅስ ክውስዶም ኣይክእልን።

ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዝተፈላለዩ መዘናጊዒታት ስለ ዘሎና፡ ክንበራበር ዘሎና ተኽእሎ ኣዕብይዎ ይርከብ። እቲ ካብቲ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዝወጽእ ሰማያዊ መብራህቲ፡ ድቃስ ከም ዘይስመዓና'ዩ ዝገብረና።

8. መርመራ ናይ ምምዝባል ድቃስ ይብርኽ

መንቅሒ ሰዓት ዘጥፍእ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ናብ ሓኪሞም ብምኻድ ብዛዕባ ምስ ድቃስ ዝተኣሳሰር ጸገማት ከም ዘለዎም ዝሕብሩ ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ቢቢሲ ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ቁጽሪ መርመራ ምምዝባል ድቃስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወሲኹ።

ዋላኳ፡ ሓያሎ ረቛሒታት እንተለዉ፡ እቲ ዝዓበየ ግን ምኽሳዕ ምዃኑ፡ ተመራመርቲ ይዛረቡ። እቲ ዝሓሸ መድሃኒት ናይ ስእነት ድቃስ (ኢንሶምንያ) ናይ ምኽሪ ፍወሳ (ኮግኒቲቭ ቢሄቭዮራል ቴራፒ) እዩ ዝበሃል። በዚ ድማ ሓካይም ከኒናታት ክእዝዙ ከም ዘይብሎም'ዩ ክርደኦም ጀሚሩ ዘሎ። እንተኾነ ግና፡ ብዙሓት ሓኪም ነቲ መድሃኒታት ንሕሙማቶም ይእዝዝሎም፡ ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ናይ ምኽሪ ፍወሳ ብቐሊሉ ስለ ዘይርከብ፡ ብፍላይ ካብ ከተማታት ወጻኢ ንዝነብሩ።

9. ፍልይ ዝበለ ፍታሕ ዘለወን ሃገራት ይህልዋ'ዶ ይኾና?

ሓደ፡ ኣብ 20 ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ናይ ድቃስ ልምዲ ንምፍታሽ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብ ምድቃስን ምትሳእን ዘለወን ፍልልይ ናይ ሓደ ሰዓት ጥራይ ኮይኑ ተረኺቡ። ስለዚ ንውሓት ናይ ድቃስ ኣብ ኩለን ሃገራት ዳርጋ ሓደ'ዩ።

ከም ሰዓታት ስራሕ፡ ግዜ ትምህርቲሉን፡ ናይ ምዝንጋዕ ልምድታትንን ዝበሉን ማሕበራዊ ጽልዋታት፡ ካብቲ ናይ ብርሃንን ጸልማትን ዓንኬል ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎም ተመራመርቲ ደምዲሞም።

ተራ ሰብ ዝሰርሖ መብራህቲ'ኸ እንታይ'ዩ?

ኣብ ታንዛንያ፡ ናሚብያን ቦሊቭያን ምስ ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ዘይረኽቡ ሰለስተ ማሕበረሰባት ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ፡ ብማእከላይ ገምብጋም 7.7 ሰዓታት ይድቅሱ፡ እዚ ድማ ማዕረ እቲ ኣብ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎም ገምጋም'ዩ።

መብዛሕትኦም ዝተገብሩ መጽናዕትታት ሰብ ዝሰርሖ መብራህቲ፡ ነቲ ናይ ድቃስ ግዜ የደናጉዮ'ዩ ዝብል እኳ እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ድቃስ ንውሓት ከም ኣየጉድሎን እዩ።

10. ዑፍ ወጋሕታን፡ ኣባጉምባሕ ለይትን

ኩሉ ሳዕ፡ ንጉሆ ዝነጥፉን ምሸት ዝወግሓሎምን ሰባት ኣለዉ። ነዚ ዝድግፍ፡ መፈጠራዊ (ጀነቲክ) ጭብጥታት ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ምትእትታው ሰብ ዝሰርሖ መብራህቲ ነቲ ኹነታት ዘጋደዶ'ዩ ዝመስል፡ ብፍላይ ነቶም ደንጉዮም ዝድቅሱ።

ኣባጉንባሕ ለይቲ ናይ ምዃን ዝንባለ እንተ ኣልዩካ፡ ሰብ ዝሰርሖ መብራህቲ ዝያዳ ከይደቀስካ ክትጸንሕ ይገብረካ።

እንተኾነ ግን፡ ናይ ኣካላትና ሰዓት ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ኣሎና። እቶም ደንጕዮም ዝድቅሱን ደንጕዮም ዝትንስኡን ሰባት፡ ኣብ ለይቲ ዝረኽብዎ ብርሃን ብምጉዳልን ብቐትሪ ዝረኽብዎ ብርሃን ብምውሳኽ ነቲ ናይ ድቃስ እዋናቶም ከስተኻኽልዎ ይኽእሉ።

ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ሓደ ናይቲ መጽናዕቲ ናይ ወለንተኛታት ጉጅለ፡ ኣብ ኮሎራዶ (ኣሜሪካ) ናብ ሰብ ዝሰርሖ መብራህቲ ክረኽብሉ ዘይክእሉ በረኻ (ካምፒንግ) ወሲዶሞም። ኣካላዊ ሰዓቶም ብኽልተ ሰዓት ንድሕሪት ንምምላስ ዳርጋ 48 ሰዓታት ጥራይ'ዩ ወሲድሎም።

እቲ ኣካላትና ንድቃስ ክዳሎ ዝእዝዞ 'ሜላቶኒን' ዝበሃል ሆርሞን፡ ቀልጢፉ ኣብቶም ወለንተኛታት ተሳተፍቲ ክድይብ ጀሚሩ - ኣካላቶም ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ንምድቃስ ይዳሎ ነይሩ።