ክሊማዊ ለውጢ: ምስ ኣከባቢ ዝቃዶ ጾታዊ-ርክብ ብኽነት ኣብ ምጉዳል ዘለዎ ግደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ካርቦን ልቀት ንምጉዳል ኣብ እንሓስበሉ እዋን፡ ጾታዊ ርክብ ሓደ ካብቶም ቀዲሞም ዝመጽኡልና ረቛሒታት ኣይኮነን።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ መርበባት ኢንተርነት፡ ብዛዕባ ሓምላይ ኮንደም (ብሕብሪ ዘይኮነ ብትሕዝቶ) ከምኡ'ውን ብኽነት ዘየስዕብ መከላኸሊ ጥንሲ ዝግበር ኣለሻ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ከም ዝወሰኸ ይግለጽ ኣሎ።
ምስ ክሊማ ዝቃዶ ግብረ-ስጋ እንታይ ማለት'ዩ?
"ንገለ ሰባት፡ ምስ ኣከባቢ ዝቃዶ ጾታዊ ርክብ ምህላዉ፡ ኣብ ፕላነት ምድሪ [ኣሉታዊ] ጽልዋ ዘይብሉ መተርከሲ ዘይቲ [ሊዩብሪካንት]፡ ባንቡላ፡ መንጸፍ ዓራትን ኮንደምን ምምራጽ እዩ" ትብል ዶ/ር ኣደኒከ ኣኪንሰሞሉ፡ ናይጀርያዊት ተመራማሪት ኣከባብያዊ ውሕስነት።
"ንካልኦት ድማ፡ ወሲባዊ ፊልምታት ኣብ ሰራሕተኛታትን ኣከባቢን ዘኸትሎ ዕንወት ምንካይ ዘካተተ'ዩ። ክልቲኡ ኣብነታት ቅቡልን ኣገዳስን'ዩ"።
ማዕከን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት (UNPF) ከም ዝግምቶ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 10 ቢልዮን 'ላተክስ' ዝዓይነቱ ኮንደማት ይፈሪ፡ ዝበዝሕ ድማ ኣብ እንዳጎሓፍ'ዩ ዝድርበ።
ምኽንያቱ ዝበዝሕ ኮንደማት ካብ 'ላተክስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀመማት ዘለዎ ዝስራሕ ብምዃኑ ክሕደስ ዘይክእል ስለዝኾነ'ዩ።
'ላምብስኪን [ቆርበት በጊዕ] ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ጥንታውያን ሮማውያን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኮንደም ጥራይ'ዩ ምስተጓሕፈ ብከላ ከየስዓበ ምስ ኣከባቢ ክጽምበር ዝኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Dr Adenike Akinsemolu
እንተኾነ ግን፡ ካብ መዓንጣ በጊዕ ዝተሰርሐ ብምዃኑ፡ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክሰትር ኣይክእልን እዩ።
ዝበዝሐ ካብቲ ኣብ ጾታዊ-ርክብ ዝውዕል መተርከሲ ዘይቲ'ውን ካብ 'ፔትሮልየም' ዝስራሕ ብምዃኑ፡ ካብ ኣሰር-ሂወት (ፎሲል) ዝምንጩ'ዩ።
ዶ/ር ተሳ ኮመርስ፡ ኣብ ቲክቶክ ብዛዕባ ጥዕና ጾታዊ-ርክብ ኣብ እተውጽኦም ቪድዮታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ኣጥርያ እያ።
እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ተዓዘብቲ ዝረኸበ ቪድዮ ግን፡ ብዛዕባ ብሓሩጭ ዕፉንን ማይን ኣብ ገዛ ክስራሕ ዝኽእል መተርከሲ (ሊዩብ) ዝትርኽ'ዩ።
"ብማይ ዝስራሕ መተርከሲ፡ ባህርያዊን ሓምላዊን ኮንደማትን ንምፍሳህን ቀጻልነት ሂወት ጾታዊ-ርክብ ዝበለጹ ኣማራጺታት'ዮም ትብል ዶ/ር ኣኪንሰሞሉ። "ኣብ ኣከባቢ ድሩት ዕንወት ጥራይ ዘስዕቡ ዘይኮኑስ ንተጠቀምቲ'ውን ዕግበት ዝፈጥሩ'ዮም"።
መጠንቀቕታ ክውሃቦ ዘለዎ ነገር ግን ኣሎ።
ገለ ሓምላይ ፍርያት ምስ ኮንደም ምጥቃም ምስባር ከጋጥም ይኽእል'ዩ።
ከምኡ'ውን፡ ቅድሚ መከላኸሊ ጥንሲ ንምውሳድ ምውሳንኩም፡ ንሓኪምኩም ወይ ድማ ሞያዊ ኪኢላ ፍሪያምነት ከተማኽሩ ትምዓዱ።
እቲ ካልእ ጎማ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ናይ ጾታዊ-ርክብ መሳርሒ ድማ ባምቡላታት (ሴክስ ቶይስ) እዩ።
ናይ ሓጺን ወይ ጥርሙስ ኣማራጺታት ኣለዉ።
ክምላእ ዝኽእል ባትሪ ዘለዎ ምስ ዝኸውን'ውን ንነዊሕ እዋን ከገልግል ስለ ዝኽእል ካልእ ኣመራጺ'ዩ።
ብሶላር ዝሰርሕ ናይ ጾታዊ-ርክብ ባምቡላ ኣብ ዕዳጋ ከም ዘሎ'ውን ምፍላጥ የድሊ።
ከም 'ላቭሃኒ' (LoveHoney) ዝበሉ ትካላት'ውን፡ ዝተሰብሩ ባምቡላታት ኣብ ምጽጋን ይኹን ኣብ ምሕዳስ ይተሓጋገዙ'ዮም።
ብኽነት እነጉድለሉ ካልእ መዳይ'ከ ኣሎዶ?
ብዘይካ'ዚ፡ ብዙሕ ግምት ዘይውሃቦ ኣብ ናይ ጾታዊ ርክብ ሂወትና ብኽነት ንምውጋድ ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ።
ንኣከባቢ ብዝሓሊ ኣገባብ ዝፈረየ ኮስትሞ (ለንጅረ) ይኹን ካልእ ክዳውንቲ ምግዛእ፡ ጾታዊ-ርክብ ንምግባር ዝግበር ምሕጻብ ኣካላት ምውጋድ፡ እንጥቀመሉ ውዑይ ማይ ምጉዳል፡ መብራህቲ ምጥፋእን ብዙሕ ግዜ ክንጥቀመሉ እንኽእል መሕጸቢ ጨርቅታት ምዝውታርን ነቲ ኣብ ልዕሊ'ዛ ፕላነት ከነሕድሮ እንኽእል ጽልዋ ከጉድል ይኽእል'ዩ።
መዐሸጊታት'ውን ልክዕ ከምቲ ካልእ እንገዝኦ ብኽነት ዘስዕብ'ዩ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ከተማ ኒውዮርክ እትነብር ላውረን ሲንገር ዝተባህለት ናይ ፈጠራ ንግዳዊ ዋኒን ዘለዋን፡ ባዶ ብኽነት ክህሉ እትጉስጉስን ጓል-ኣንስተይቲ፡ ኩባንያታት ኣብዚ መዳይ ለውጢ ከምጽኣ ከም ዝኽእላ'ያ ትዛረብ።
ኮንደም፡ መተርከሲታትን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታትን ኩሎም ናብ እንዳጎሓፍ ዝኣቱ መዐሸጊታት ዘድልዮም እዮም።
ስለዚ፡ 'ኢንትራዩተሪን ዲቫይስስ' (IUDs) ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝኣትዉ ንነዊሕ ግዜ ጥንሲ ንምክልኻል ዝሕግዙ ኣገባባት ምጥቃም ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል።
እንተኾነ ግን ናይ ባዕሎም ሓደጋታት ከም ዘለዎም ምፍላጥ የድሊ።
ላውረን፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብኽነት ዘይብሉ ሂወት'ያ ትመርሕ። ካብ 2012 ጀሚራ፡ ደጊማ ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል ነገር ኣብ መጠርነፊ ጥርሙሳ የለን።
ኣብ ናይ ላውረን ጥርሙስ ኮንደም ኣይትረኽቡን ኢኹም። ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክከላኸል ዝኽእል መከላኻሊ ጥንሲ ግን ኮንደም እዩ። ቅድሚ ምስኦም ምድቃሳ ንኹሎም መጻምድታ ክምርመሩ ትሓቶም።

ምንጪ ስእሊ, Lauren Singer
"ሕጂ እንኮ መጻምድቲ'ዩ ዘለኒ። ንመጻምድኹም ክምርመሩ ምሕታት ዝኸብደኩም እንተ ኾይኑ፡ ብፍጹም ምስኦም ክትድቅሱ'ውን የብልኩምን" ትብል ላውረን።
እንተኾነ ግን፡ ካብ ዘይተደልየ ጥንስን ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማምን ዝኸፍእ የለን ድማ ትብል።
"እንታይ ከነባኽን ከምዘለናን ከምዘይብልናን ክንግምግም ኣለና" ዝበለት ላውረን፡ "ምንቲ ብኽነት ከወግዱ ሰባት ኮንደም ክጥቀሙ የብሎምን ወይ መከላኸሊ ወሊድ ክወስዱ የብሎምን- ንርእስኻን መጻምድትኻን ንምክልኻል ኣገዳሲ ስለዝኾነ" ብሃሊት'ያ።
ዶ/ር ኣኪንሰሞሉ'ውን ምስኣ ትሰማማዕ'ያ። "ውሑስ ጾታዊ-ርክብ፡ ንኣከባቢ ብዝሰማማዕ ፍርያት ይኹን ኣይኹን ኣብ ነዊሕ እዋን ንሰባትን እዛ ፕላነትን ዘላቒነት ዘለዎ'ዩ" ትብል።
መጠን ወሊድ ኣብ ክሊማ ዘለዎ ጽልዋ
እዚ ናብቲ ጾታዊ-ርክብን ኣከባቢን ዝራጸምሉ ነጥቢ'ዩ ዘምጽኣና- ቆልዑ ምውላድ።
ብመሰረት ኣብ 2017 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ብዘይመኪና ምንባር ኣስታት 2.3 ቶን ካርቦንዳይኦክሳይድ (CO2) ኣብ ዓመት ከድሕን ይኽእል።
ካብ ኣሕምልቲ ዝስራሕ መግቢ ምብላዕ ድማ 0.8 ቶን ካርቦን የድሕን።
ብምንጽጻር፡ ኣብ ዝማዕበለ ዓለም ትነብሩ እንተለኹም ድማ፡ ሓደ ቆልዓ ዘይምህላዉ ኣስታት 58.6 ቶን ኣብ ዓለም የወግድ።
ኣብተን ዝተሓተ ደረጃ ምዕባለ ዘለዋ ሃገራት ዘሎ ኣሰር ካርቦን ኣዝዩ ዝተሓተ'ዩ። ንኣብነት ኣብ ማላዊ ሓደ ቆልዓ 0.1 ቶን ይትመን።
ገለ ጸለውቲ ውልቀሳባት፡ ብዛዕባ ቆልዑ ምውላድ ዘለዎም ዕቃበታት ክገልጹ ተሰሚዖም'ዮም።
ናይ ብሪጣንያ ልኡል ሃሪ ኣብ 2019 ንፍሉጥ መጽሄት 'ቮግ' ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ንሱን ብዓልቲ ቤቱ ልእልቲ ሜጋን መርከልን "እንተበዝሑ" ክልተ ቆልዑ ከም ዝወልዱ ተዛሪቡ ነይሩ።
ቀንዲ ረቋሒ ናይ ውሳኔኦም ድማ ምዕቃብ ኣከባቢ ምዃኑ ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተመሳሳሊ፡ ፍልጥቲ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝኾነት ኣለክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝ፡ ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተጋብአ ሲ40 (C40) ዝተባህለ ዋዕላ ከንቲባታት ዓለም ኣብ ዘስምዓቶ መደረ "ናይ ጓል-ኣንስተይቲ ኣደ ናይ ምዃን ሕልሚ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ መሪር-ምቁር ኮይኑ'ሎ፡ ምኽንያቱ መጻኢ ቆልዑና ስለዝፈልጥ" ክትብል ገሊጻ ነይራ።
መጠን ወሊድ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም እናንቆልቆለ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ። ሓቂ'ዪ እቲ ክስተት ምስ ክሊማዊ ለውጢ ጥራይ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን።
እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብሪጣናውያን ተመራመርቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዝገበርዎ ዳህሳስ፡ ሰለስተ-ርብዒ ናይቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ 10,000 ናኣሽቱ መንእሰያት "መጻኢ የስግኦም" ምንባሩ ገሊጾም።
እቶም 41 ሚእታዊት ካብኦም ድማ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ "ቆልዑ ምውላድ የወላውሎም" ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ጠቒሱ።
ቆልዑ ኣይክወልድን እየ
ታንመይ ሺንደ፡ ኣብ ህንዳዊት ከተማ ሙምባይ ዝነብር ኮይኑ፡ ምእንቲ ድሕነት ኣከባቢ ክብል ቆልዑ ከይወልድ ዝወሰነ'ዩ።
ኣብ ዓመተ 2050 እታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ፡ በቲ እናለዓለ ዝኸይድ ዘሎ ማይ ባሕሪ ክትውሓጥ ምዃና ሓደ ንኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ዝከታተል ኣይ-ፒ-ሲ-ሲ (IPCC) ዝተባህለ ትካል ሕቡራት ሃገራት ተነቢዩ'ሎ።
ስድራቤቱ ግን ነቲ ወሲድዎ ዘሎ ውሳነ ንክርድእዎ ኣጸጊምዎም ኣሎ። ንሱ ግና፡ ከም ህንዳዊ ወዲ-ተባዕታይ ካብ ጓል-ኣንስተይቲ ንላዕሊ እቲ ወሲድዎ ዘሎ ውሳነ ብዙሕ ሓለፈታት ከምዘምጽኣሉ'ዩ ዝኣምን።

ምንጪ ስእሊ, Tanmay Shinde
"ኣብ ህንዲ ስድራቤታት ኣዝዮም ዓቃባውያን ኮይኖም፡ ንመዋእል ዝቐጸለ ኣረጊት ልምድታትን ስነ-ስርዓታትን ኣለዎም" ዝብል ሺንደ፡ "ቆልዑ ምውላድ ሓደ ካብቶም ኣብ ሂወት ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ስለዝኾነ፡ ነዚ ባህሊ'ዚ ንምቕጻል ብዙሕ ሕብረተሰባዊ ጸቕጢ ኣሎ" ይብል።
ሓሳቡ ይቕይርዶ ይኸውን? "ውሕስቲ ፕላነትን ዘላቒ ኣነባብራን ቆልዑ ንምውላድ ወሰንቲ እዮም። ስለዚ፡ ሓያል ውሳነታት እንተዘይተወሲዶምን መጠን ካርቦን ንምጉዳልን ዋዒ ዓለም ንምግታእን ዓበይቲ ለውጢታት እንተዘይተራእዮምን፡ ቆልዑ ዝህልዉኒ ኣይመስለኒን"።
ፕሮፌሰር ኪምበርሊ ኒኮላስ፡ ኣብ ስዊድን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኮይና፡ ኣብ ዝማዕበለ ዓለም ቆልዑ ኣብ ልቀት ካርቦን ገዚፍ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎም ዝገልጽ መጽናዕቲ ኣካይዳ ነይራ።
እንተኾነ ግን፡ ሰባት ቆልዑ ክወልዱ የብሎምን ዝብል ምጉት ኣይተልዕልን'ያ።
"ብዛዕባ ናይ ሰባት ውልቃዊ ምርጫ ምርዓም ኮነ ሕቶ ምልዓል ሓላፍነት የብለይን" ትብል ንሳ። "ቆልዑ ክህልዎም ዝደልዩ እንተኾይኖም ብናጽነት ክውስኑ ሰባዊ መሰሎም እዩ። ኣነ ዝሰርሖ ዘለኹ፡ እዞም ሕጂ ኣብ ዓለም ብሂወት ዘለዉ ቆልዑ ኣብ ውሑስ ፕላነትን ሕብረተሰብን ንክነብሩ እዩ"።
"ኣብ ክንዲ ብዛዕባ መዐሸጊታትን ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ጎሓፍን ምሽቓል" ድማ ሰባት ናይ መገሻ ልምድታቶምን ኣመላቶምን ዳግመ-ግምት ክገብሩሉ'ያ ትምዕድ።

ምንጪ ስእሊ, Simon Charles Florian Rose
"ጻዕሪታትና ናብቲ ከነድምዓሉ እንኽእል ከተኩር'ዪ ዝግባእ" ትብል ፕሮፌሰር ኪምበርሊ።
እታ ርብዒ ካብ ዕድሚኣ ካብ ብኽነት ናጻ ዝኾነ ሂወት ዘሕለፈት ላውረን ግን ብዛዕባ ሕቶ ምውላድ ቆልዑ ኣብ ውሳነ ኣይበጽሐትን ዘላ።
"ብዛዕባ መጉዚትነት (ኣዶፕሽን) ኣሰላሲለ እየ። ዓቢ ነገር'ዩ ኢለ እሓስብ፡ ግና ብዛዕባ ባህርያዊ መስርሕ ምውላድ ቆልዓ ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ትብል።
ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ ዘላቒ መነባብሮ ዝወሰደቶም ካልኦት ውሳነታት፡ ቆልዑ ምህላዉ "እወታዊ" ዶ ይኸውን ክትብል ኣብ ምሕታት ትርከብ።
"ብሓፈሻ ነታ ፕላነት ይጠቅምዶ ይኸውን? ነቲ ካባይ ንላዕሊ ዝነብር ቆልዓ ዝበለጸት ዓለም ናይ ምፍጣር ክብሪ ከውርሶ እኽእልዶ እኸውን?"ጾታ-ርክብ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ጽልዋ ይህሉዶ ይኸውን?







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







