ክሊማዊ ለውጢ፡ "ከቢድ መንቅሒ ደወል" ዝተባህለ ጸብጻብ ክሊማዊ ለውጢ ዕላዊ ኮይኑ

ካብ ሓደ ፋብሪካ ትኪ እናወጽአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራት መጠን ልቀት ካርቦን ንምቕናስ ዝሓዞኦ ትልሚ ካብቲ ሓደገኛ ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ዝድለ መጠን ዝተሓተ ከምዝኾነ ፕሮግራም ከባቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ኣብ መጠን ልቀት ዘሎ ሃጓፍ ኣመልኪቱ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ሃገራት መጠን ልቀት ካርቦን ንምቕናስ ዝኣተወኦ መብጽዓ፡ ኣብዚ ክፍለ ዘበን መጠን ሙቐት ዓለም ትሕቲ 1.5 ዲግሪ ሰሊሸስ ኮይኑ ክቕጽል ዘኽእል ኣይኮነን።

መጠን ሙቐት ዓለም ናብ 2.7 ሰሊሸስ ከምዝዓቢ እቲ መጽናዕቲ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እዚ ወሰኽ ከቢድ ዕንወት ዘውርድ እዩ ኢሉ።

እንተኾነ እቲ መጠን ልቀት ናብ ዜሮ ንምውራድ ዝተትሓዘ ናይ ነዊሕ እዋን ሽቶ እንተተዓዊቱ፡ መጠን ሙቐት ምቕናስ ከምዝከኣል ተስፋ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ጸብጻብ " ከቢድ መንቅሒ ደወል" ክብል ገሊጽዎ።

እዚ መጽናዕቲ ናይተን መጠን ክሳብ 2030 ዝቕንሰኦ ልቀት ናብ ውድብ ሕቡራት ዘረከባ 120 ሃገራት ድምር እዩ ገምጊሙ ዘሎ፡፡

ድምር መጠን እተን ሃገራት ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝኣተወኦ መብጽዓ እንክነጻጸር ብ 7.5 ሚኢታዊት ዝነኣሰ ከምዝኾነ እውን ይሕብር፡፡

መጠን ዋዒ መሬት ኣብ 1.5 ሰሊሸስ ንምቕጻል ኣብ 2030 ክቕንስ ዘለዎ ልቀት 55 ምኢታዊት እዩ፡፡

ካብ ፋብሪካታት ዝወጽእ ትኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣዳለውቲ እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብርዎ በቲ ኣብዚ እዋን ሃገራት ንምቕናስ ቃል ዝኣተወኦ መጠን፡ መጠን ዋዒ ዓለም ኣብዚ ክፍለ ዘበን 2.7 ሰሊሸስ ክበጽሕ እዩ፡፡ ነዚ ድማ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ‘‘ክሊማዊ ዕንወት’’ ክብል ይገልጾ፡፡

እቲ ጸብጻብ ውድቀት ፖለቲካዊ መራሕቲ ዘመላኽት ከምዝኾነ እዩ እቲ ዋና ጸሓፊ ዝገልጽ፡፡

"እቲ ናይ ልቀት ሓጓፍ ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ውጽኢት እዩ" ክብል እውን ኣብ መኽፈቲ እቲ መጽናዕቲ ተዛሪቡ፡፡

"እንተኾነ ሕዚ'ውን መራሕቲ ነዚ ናብ ክሊማዊ ዕንወት ዘይኮነስ ናብ ሓምላይ መጻኢ ክቕይርዎ ይኽእሉ እዮም"

ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከበን 50 ሃገራት፡ ኣብ መፋርቕ እዚ ክፍለ ዘበን ልቀት ናብ ዜሮ ንምውራድ ተመባጺዐን ኣለዋ፡፡

እንተኾነ መብዛሕቲኡ እቲ ዜሮ ልቀት ዝገልጽ ትልሚታት ብፍላይ ናይተን 20 ሃብታም ሃገራት ንጹርነት ከምዝጎድሎ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ዝወጸ ካልእ ጸብጻብ እውን፡ ዋላኳ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ እንተሃለና፡ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ መጠን ልቀት ዋዒ ዝውስኹ ጋዛት ዝተመዝገበሉ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ፡፡