ግሬታ ቱንበርግ- 'ኣኼባታት ጥራሕ ዘይኮነ ህዝባዊ ጸቕጢ እዩ ዘድልየና'

ግሬታ ቱንበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግሬታ ቱንበርግ:

ተጣባቒት ክሊማ መንእሰይ ሽወደናዊት ግሬታ ቱንበርግ፡ ሸቶታት ክሊማ ንምዕዋት ተግባር እምበር ኣኼባታት ኣይሕግዝን እዩ። ህዝቢ ጠለቡ ከዛይድ ኣለዎ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ቅድሚ ዋዕላ ክሊማ (COP26 - ዝቕጽል ዓመታዊ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት) ኣብ ዝገበረቶ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ፡ ህዝቢ፡ ነቲ ዝጸንሐ ክሊማዊ ስርዓት ክምሕዎ ከም ዘለዎ ሓቢራ።

"ሰባት ለውጢ ክግበር ምስ ዝሓቱ እዮም ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል። ስለዚ ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ኵሉ ነገር ክፍጸም ኣይንጽበን ኢና "ኢላ ።

ብተወሳኺ ፖለቲከኛታት ዝተፈላለየ መመኽነይታ ከቕርቡ ከምዝስምዑ ትኸስስ።

ዓመታዊ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ኣብታ ካብ ስኮትላንድ ዝዓበየት ከተማ ግላስኮ ካብ 31 ጥቅምቲ ክሳዕ 12 ሕዳር ክካየድ እዩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝተገብረ ኣገዳሲ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ እቲ ዝዓበየ እዩ ። ኣብዚ ዋዕላ'ዚ ኣስታት 200 ዝዀና ሃገራት፡ ነቲ ጠንቂ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ነዳዲ ጋዝ ንምንካይን ምቁራጽን ይሕተታ ኣለዋ ።

እታ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ክሊማዊ ላይቭ ብዝብሃል ንክሊማዊ ለውጢ ዘጕልሕ ተኸታታሊ ዓለምለኻዊ ሙዚቃ ዘቕረበት መንእሰይ ቱንበርግ፡ ኣብ ዋዕላ ግለስኮ ከም እትርከብ ኣረጋጊጻ ኣላ። ንመራሕቲ ዓለም "ሓቀኛ ምዃን" ኣገዳሲ እዩ ክትብል መልእኽቲ ልኢኻትሎም።

"ኣብ ከመይ ኩነታት ከም እንርከብን፡ ከመይ ጌርና ከምዝወደቕናን ከምዘውደቕኩምናን ብርግጽ ንገሩና። ናብ ሓደ ጭቡጥን መሰረታውን ለውጢ ዝወስደናን ዘምርሓናን መሰረታውን ሓቀኛን ርጉጽን ፍታሕ ንሕሰብ" ክትብል ንሬበካ ሞሬለ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ተዛሪባ ።

"ብኣረኣእያይ፡ ሰባት ንህጹጽነት እዚ ዘለናዮ ቅልውላው ክርድኡዎን፡ ዓበይቲ ለውጥታት ከም ዘድልየና እንተኣሚኖምን ሰሪሖምን ነቲ ዝጸንሐ ስርዓተ-ጸዓት ኽንምሕዎ ኢና። ምኽንያቱ ሽዑ ጥራሕ እዩ እቲ እንደልዮ ዘሎና ናይ ብሓቂ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል"

መሰረታዊ ሓቅታት ዓመታዊ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ (COP26)ሕቡራት ሃገራት

ለውጢ ኵነታት ኣየር ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጸገማት እዩ ። መጠን ሙቐት ዓለም ንከይውስኽ መንግስትታት ነቲ ብሰንኪ ሙቐት ዝመጽእ ጋዛት ክቖርጹዎን ከወግዱዎን ኣለዎም።

እቲ ኣብ ግላስጎው ዝጋባእ "ዋዕላ ለውጢ ክሊማ" እቲ ለውጢ ብኸመይ ክውን ይኸውን ዝብል እዩ። እቲ በተን ቀንዲ በከልቲ ክላይመት ዝኾና ሃገራት ከም ኣመሪካን ቻይናን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ነቲ ንድኻታት ሃገራት ዘድልየን ደገፍ ንምሃብ ዝኣተዋኦ መብጽዓታት ይትግብረኦ'ዶ ኣለዋ የለዋን ምክትታል የድሊ።

ኵሉ ህይወትና ይልወጥ እዩ። እቲ ሕጂ እንገብሮ ለውጢ ከኣ ኣብ ስራሕናን ኣባይትና ብኸመይ ከም እነሙቖን፡ ከምኡ እውን እንታይ ከም እንበልዕን ብኸመይ ከም እንጐዓዝን ክጸልወና ይኽእል እዩ ።

መንእሰይ ቱንበርግ፡ እቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 2050 መጠን ለውጢ ክሊማ ናብ ዜር ከውርዶ እየ ዝብል ውጥን ኣይትኣምኖን እያ። ከም አእንጋዲትን መራሒትን ለውጢ ኪንኡ ክትገብር እያ ትጽበያ።

"እቲ ዘሕዝን፡ ሎሚ፡ ብፍላይ ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ሰሜን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ መራሕቲ ክሊማ የለዉን። እዚ ማለት ግና፡ ሕጂ ነቲ መስርሕ ብዕቱብ ክንርእዮ ከም ዘለና ኣጸቢቑ ይርድኦም እዩ"ኢላ ።

ብዛዕባ ውጥን "ልቀት ካርቦን" ናብ ዜሮ ምውራድ ክትዛረብ እንከላ፡ ትርጉሙ ናብ ሃዋህው በካሊ ጋዛት ዘይምውሳኽ ማለት እዩ። ንሱ ኸኣ "ጽቡቕ ምጅማር" እዩ። ግን ከኣ ኣፍኲስካ እንተሒዝካዮ ሰባት ዕሽሽ ክብሉዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ክንጥንቀቕ ኣሎና ትብል።

ኬቨን ሚታይ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ (COP26) ግላስኮው ዝሳተፉ ሰባት እዩ።

እቲ ካብ ኬንያ ዝመጽአ ተጣባቒ ለውጢ ክሊማ ኬቨን ሚታይ ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለየ ዓለም ዝመጽኡ ተሳተፍቲ ክህልው ኣገዳሲ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

" እዚ ናይ ክሊማ ኮንፈረንስ ንኹሉ ተሳታፊ ዝሓቁፍ ክኸውን ተስፋ እገብር። ደቀባትን ካብቲ ብብከላ ኣየር ዝተጎድአ ከባቢ ዝመጽኡ ሰባትን ኣብቲ መደረታት ድምጾም ክስማዕ እደሊ" ኢሉ።

" ሰባት ካብ መላእ ደቡባዊ ክፍለ ዓለም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኽዘራረቡ እምበር ብአህዛብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ክውከሉ ክርኢ ኣይደልን። ምኽንያቱ፡ ንሕና ኢና ብለውጢ ክሊማ ተጸሊናን ተጎዲእናን ዘሎና። ስለዚ ካብ ሰባትና ድምጽናን ሓሳብናን ክንሰምዕ ይግባእ" ኢሉ።

መንእሰይ ቱንበርግ፡ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ቤታ ብዛዕባ ለውጢ ክላይመት ዘለዋ ተራን ሓሳብ ተዛሪባ።

"ንርእሰይ ከም ናይ ክሊማ ተጣባቒት እምበር ከም ሰለብሪቲ ኣይርእያን እየ። ብዙሓት ፡ ንክዛረቡን ሓሳቦም ንኽገልጹን መድረኽ ዘይብሎምን ዘይሰምዑን፡ ደሃዮም እተዓብጠ ሰባት ስለዘለው ኣነ ክዛረብን ክስማዕን ምኽኣለይ ዕድለኛ እየ።

" ኣብ ብሕታዊ ህይወተይ ፈጺመ እተፈለኹ ሰብ እየ። ሰባት ኣብ ብሕታዊ ህይወተይ ዘለልዩኒ ኣይመስለንን። ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣዝየ ዝቑጣዕኩ እኳ እንተ ኾንኩ፡ ኣብ ግላዊ ህይወተይ ክሳዕ ክንድቲ ተራር ኣይኮንኩን"

ኣብ ናይ ክሊማ ለውጢ ጎስጓስ ስለምንታይ ናይ ሪክ ኣስትለይ ደርፊ ከምእተጠቕመት ምስ ተሓተተት፡ ብዋዛ ኣምሲላ ናይ ክሊማ ለውጢ ስለዝኾነ ክትብል መሊሳ። ብምቕጻል፡ ኣብ ጎስጓስ ክሊማዊ ለውጢ ናይ ገዛእ ርእስና ዋዛታት ኣለና። ብእኡ ድማ ነንሓድሕድና ንዘኻኸርን ንደጋገፍን" ኢላ።