መግቢ፡ ኣትክልቲ ምምጋብ ንቓልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ሓጋዚ`ዩ

ካብ ኣትክልቲ ዝተሰርሐ በርገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኣትክልቲ ዝተሰርሐ በርገር

ስጋን ውጽኢት ስጋን ገዲፍካ ኣትክልቲ ብምምጋብ ንለውጢ ክሊማ ክትቃለሶ ከምእትኽእል ፈላጣት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም።

ልዑል ምምጋብ ስጋ፣ ጸባን ውጽኢት ጸባን ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓለማዊ ዋዒ የነሃህሮ ኣሎ ኢሉ ሓደ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይ መሬትን ለውጢ ክሊማን።

ስነ-ፍልጠታውያንን ሰበ-ስልጣንን ግን ኩሉ ሰብ ተመጋባይ ኣሕምልቲ ጥራይ ክኸውን ካብ ምምሕጻን ተቖጢቦም ኣለዉ።

ሰባት ምምጋብ ስጋ እንተነኪዮም ንእሽቶ ናይ ሕርሻ መሬት ተጠቒምካ ብዙሓት ሰባት ክትምግብ ትኽእል ኢኻ ኢሎም ንሳቶም።

መሬት ብግቡእን ብኣድማዕነትን እንተተጠቒምካሉ፡ ነቲ ብደቂ ሰባት ዝልቀቕ ካርቦን ክኽዝኖ ከምዝኻል እቲ በቶም 107 ኣባላት በይነ-መንግስታዊ ጉጅለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ክሊማ ዝኾኑ ስነ-ፍልጠተኛታት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣሚቱ።

እቲ ጸብጻብ ድሕሪ`ቲ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ናይ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ምይይጥ`ዩ ተዳልዩ።

"ሰባት ስጋ ምብላዕ ደው ከብሉ ኣይኮናን ንነግሮም ዘለና። ኣብ ገለ ቦታታት ሰባት ዝምገብዎ ኣማራጺ የብሎምን። ኣብ`ዚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ግን ኣዝዩ ልዑል መጠን ስጋ፣ ጸባን ውጽኢት ጸባን ንምገብ ከምዘለና ፍሉጥ`ዩ" ኢሉ ስነ-ፍልጠተኛ ከባቢ ዝኾነ ፕሮፌሰር ፒተ ስሚዝ ናይ ኣበርዲን ዩኒቨርሲቲ ብሪጣኒያ።

ብዙሕ መግቢ`ውን ነባኽን ኣለና። ብሰንኪ ካብ ግራውቲ ክሳብ ክሽነ ዘሎ ብኽነት መግቢ ልቀት ጋዝ ሓምላይ ገዛ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ሚእታዊት ይበጽሕ ኢሎም`ቶም ስነ-ፍልጠተኛታት።

ኣብ ልዕሊ ሓመድ ንዝወርድ ሃስያን ብድምነትን ደው ንምባል ሓያል ጻዕሪ የድሊ ኢሉ`ቲ ጸብጻብ፡ ምኽንያቱ ክልቲኦም ኣብ ለውጢ ክሊማ ተራ ስለ ዘለዎም።

እቲ ኣግራብ ተኺልካ ዳሕራይ ቆሪጽካ ንመመንጨዊ ጸዓት ንምትቃምብገለ መንግስታት ወጺኡ ዘሎ ውጥን`ውን ብትሑትን ጥንቁቕን መንገዲ እንተዘይተኻይዱ ምስ ምምንጫው መግቢ ክቃጸጽ ይኽእል`ዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣጠንቂቑ።

ጽፍሒ መሬት ዓለምናን ኣገባብ ኣጠቓቕማናን መሰረት ደቂ ሰባትን ዓለማዊ ቁጠባን`ዮም። እንተኾነ ግን ድራማቲካዊ ብዝኾነ መንገዲ ቅርጹ ንቕይሮ ኣለና። ሓደ ካብ`ኡ ድማ ልቀት ጋዛት ሓምላይ ገዛ`ዩ። መልሰ-ግብሪ ናይ`ዛ መሬት ነቲ ወዲ ሰብ ዘበገሶ ለውጢ ክሊማ ንመጻኢ ኣገዳሲ ሻቕሎት ይፈጥር።

ብኸመይ`ዮም ለውጢ ክሊማን መግብን ዝተኣሳሰሩ?

ለውጢ ክሊማ ኣብ ልዕሊ ውሕስነት መግብና ሓደጋ የስዕብ`ዩ። እናለዓለ ዝኸይድ መጠን ዋዒ፣ ብዙሕ ዝናብን ሕሉፍ ኩነታት ኣየርን ኣብ ምህርቲን እንስሳታትን ሳዕቤን ኣለዎም። እንተኾነ ግን፡ ምምራት መግቢ`ውን ኣብ ዓለማዊ ዋዒ ተራ ኣለዎ።

ሕርሻን ምግራብን`ውን ኣብ ርብዒ ልቀት ጋዝ ሓምላይ ገዛ ኣስተዋጽኦ ኣለዎም። ምርባሕ ከብቲ`ውን ብመንገዲ`ቲ እተን እንስሳታት ዝለቅኦ ሜተይን ጋዝ ኣቢሉ ኣብ ዓለንማዊ ዋዒ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ከምኡ`ውን ብመንገዲ ምስፋሕ መጋሃጫ ዕንወት ጫካታት ይስዕብ።

ኣብ እዋን ምፍራይ ስጋ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝወርድ ሳዕቤን ንብዙሓት ተመገብቲ ኣሕምልቲ ዝኾኑ ሰባት የገድሶም`ዩ። ኣብ ብሪጣኒያ ዝመደበሩ #ኖ ቢፍ ዝተሰምየ ጉጅለ ኣቕረብቲ መግቢ ንተማሃሮ ስጋ ከብቲ ይኹን ዕየት ከየቕርቡ ይጉስጉስ።

ኣብ ኣሜሪካ ንኣሽቱ ቶርታታትን ሳምቡሳታት ንስጋ ብዝተክኡ ኣሕምልትን`ዮም ዝስርሑ ዘለዉ፡ ጣዕሚ ናይ ስጋ ንኽህልዎም ተባሂሉ ድማ ሄም ዝተባህለ ብትሕዝቶ ሓጺን [ኣይረን] ዝሃብተመ ውሁድ ነገር ይሕወሶ።

"ሸቶ ቃልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ክንወቅዕ እንተኾይንና፡ ምንካይ ኣንምገቦ መጠን ስጋ ኣገዳሲ`ዩ" ኢሉ ፒተር ስቲቨንሰን ናይ`ቲ ኮምፓሽን ኢን ዎርልድ ፋርሚን ዝተባህለ ትካል።

ኣብ ከም ቻይና ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዓለምና ግን መጠን ሃልኪ ስጋ ይውስኽ`ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ማእከላይ መንግስቲ ቻይና ቻይናውያን ባህላዊ መግብታት ከዘውትሩ ኣብ ዘዋዓውዓሉ ዘሎ እዋን`ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

Presentational grey line
ኣትክልቲ ምምጋብ ንቓልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ሓጋዚ`ዩ
Presentational grey line

ብኽነት መግቢ ከተጉድል ይከኣል ድዩ?

ፖርታጅ ብሽክለታ
መግለጺ ስእሊ, ፖርታጅ ብሽክለታ

እቶም ኣዳለውቲ ናይ`ቲ ጸብጻብ፡ ብኽነት መግቢ ደው ንምባል ስጉምቲ ክውሰድ የተባብዑ። እዚ ድማ እቲ መግቢ ቅድሚ ምሻጡ ይኹን ድሕሪ ምሻጡ ክኸውን ይኽእል።

ዝባኸነ መግቢ ቀለብ እንስሳታት ክኸውን ይኽእል`ዩ። እንተጥዒሙ`ውን ብመንገዲ ለገስቲ ትካላት ንድኻታት ክወሃብ ይከኣል።

ሓደ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ፓርቴጅ ዝተባህለ ትካል ምሻጥ ኣብዩ ብድኳናት ዝተጓሕፈ መግቢ ኣኪቡ ንዘድልዮም ኣብ`ታ ከተማ ንዝርከቡ ስድራቤታት ይዕድሎ።

ዝነቐጸ ባኒ ኣኪቡ`ውን ናብ ብሽኮቲ፣ ንቑጽ ፍሩታ ይሰርሖ፡ ኣሕምልቲ ድማ ኣብ ታኒካታት ይዕሽግ። እዚ ኩሉ ድማ ኣብ ምንካይ`ቲ መግቢ ንምድላው ዝልቀቕ መጠን ካርቦንዳይኦክሳይ ይሕግዝ።

ኣግራብ ነቲ ንለቆ ካርቦንዳይኦክሳይ ኣይመጥዎን ድዮም?

ኣግራብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣግራብ

እቲ ደቂ ሰባት ዝልቅዎ ተወሳኺ ተወሳኺ ካርቦን ንዕቤት ጫካታት ይዕንግሎ`ሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ኽቢ [ኖርዘርን ሄሚስፌር]። እዚ ንለውጢ ክሊማ ከቃልል ይኽእል`ዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ሚዛን ረቛሒታት`ዩ ዝምርኮስ።

ኣዛ መሬት ኣዝያ እንተደኣ ውዕያ፡ እዚ ኣብ ጫካታት ዘሎ ጽልዋ ብኣሉታ ክጽሎ`ዩ ይብሉ ክኢላታት።

ብሓቂ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ኢኰይተር ዘለዉ ከባቢታት ድሮ ብሰንኪ ዋዒ፡ ዝነበረኦም ሸፈነ ኣትክልትን ዕጸዋትን ስኢኖም ኣለዉ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ዋሕዲ`ቲ ኣብ ዕቤት ኣትክልቲ ወሳኒ ዝኾነ ባእታ፡ ፎስፈረስ፡ ንዕቤት ኣትክልተ ክዕንቅፍ`ዩ ኢላ ተጠንቅቕ ዶ/ር ካትሪን ፍለቸር ናይ ሙኒክ ቴክኒካል ዩኒቨርሲቲ።

"እዚ ማለት፡ እቲ ጽዑቕ ጫካ ዘለዎ ቦታታ`ውን ድሮ ኣብ ውስንነቱ በጺሑ ስለዘሎ ካርቦንዳይኦክሳይድ ናይ ምምጣጥ ክእለቱ ክስእን`ዩ። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ፡ እዛ መሬት ኣዝያ ቀልጢፋ ክትውዒ`ያ" ኢብል ንሳ።

ኣትክልቲ ምምጋብ ንቓልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ሓጋዚ`ዩ

ሓመድ`ከ እንታይ ርክብ ኣለዎ?

ሓደ ሓደ እዋን ሓመድ ኣካል መስርሕ ክሊማ ምዃኑ ተረሲዑ ዕሽሽ ይበሃል`ዩ። እንተኾነ ግን ሓመድ ካብ ውቅያኖሳት ቀጺሉ እብ ካልኣይ ዝስራዕ መኽዘን ካርቦን`ዩ።

ኣግራብ ካብ ከባቢ ኣየር ካርቦንዳይኦክሳይድ ስሒቦም ኣብ ሓመድ ይደብይዎ። ብድመትን ሕማቕ ኣገባብ ማሕረስን ግን እዚ ናይ ምግባር ዓቕሞም ከስእኖም ይኽእል። ዓቕሚ ሓመድ እንተተባሕጒጉ ድማ ካርቦን ተመሊሱ ናብ ከባቢ ኣየር ይልቀቕ`ሞ ዕቤት ኣግራብ ድማ ኣጠራጣሪ ይኸውን።

ለውጢ ክሊማ ነዚ መስርሕ`ዚ ከቀላጥፎ`ዩ። ልዑል መጠን ዋዒ ኣብ ውሽጢ ሓመድ ንዘሎ ህይወታዊ ግዛዕ ሰይሩ ልቀት ጋዝ ሓምላይ ገዛ ከዛይድ`ዩ።

ኣብ ሓመድ ዝወርድ ሃስያ ምናካይን ነቲ ዝተሃስየ ድማ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ንሕብረተሰብ ቅልጡፍ ዝኾነ ጥቕሚ የምጽእ። ዝሓሸ ምሕደራ መሬትን ቁጽጽር ዘለዎ ኣካይዳ መጋሃጫን ምግራብን ፍርያምነት መሬት ከደንፍዕ ይኽእል፡ በዚ ድማ ድኽነት ይንክይ ውሕስነት መግቢ ድማ ይረጋገጽ።

"ብሓቂ ንጹር`ዩ፡ ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፈ ምጥቃም፡ እቲ መሬት ይምሕጎግ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንለውጢ ክሊማ ተጋድዶ`ሎ" ይብል ፕሮፌሰር ስሚዝ።

"መሬት ኣካል ናይ`ቲ ጸገም`ዩ፡ እንተለቢምናን ብውሕሉል ኣገባብ እንተተጠቒምናሉ ግን ኣካል መፍትሒ ጸገም ለውጢ ክሊማ ክኸውን ይኽእል`ዩ" ድማ ይብል።

እቲ ጸገም ክፍታሕ ይኽእል`ድዩ?

ኣጠቓቕማ መሬት ናይ ደቂ ሰባት ክትቅይር ፈታኒ ብድሆ`ዩ፡ ብፍላይ ከኣ ምቕያር ሜላ ማሕረስ ስለዝሓትት።

እንተኾነ ግን፡ ሰባት ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክኽተሉ ይግበኦም ይብሉ ስነ-ፍልጠታውያን።

 ናይ ተፈጥሮ ጫካታት ሓልዎም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሮፒካዊ ዞባ ዘለዉ

 ውሑድ ቀይሕ ስጋ፡ ብዙሕ ኣትክልቲ/ኣሕምልቲ ተመገብ

 ዓዘቅቲ ዘለዎም ቦታታት ሓልዎምን ናብ ንቡር ምለሶምን

 ኣዝርእትን ኣግራብን ተሃዋዊሶም ዝነብርሉ ቦታ "ኣግሮፎረስትሪ" ክህሉ ኣተባብዕ

 ዓይነት ዘራእቲ ኣመሓይሽ

እቶም ስነ-ፍልጠታውያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ንለውጢ ክሊማ ክፈትሕ ይኻል`ዩ ተባሂሉ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ህይወታዊ ጸዓት [ባዮ ኤነርጂ] ግን ብዓይኒ ፍርሒ ርእየሞ ኣለዉ።

ህይወታዊ ጸዓት ንጸዓት ነዳዲ ዝትክእ ምንዳድ ኣትክልትን ዕጸዋትን`ዩ። እቲ ካብኡ ዝወጽእ ካርቦንዳይኦክሳይድ ክተሓዝ ስለዝኽእል፡ ንገለ ሃገራት ሰሓቢ ኣማራጺ ይመስል።

ኣብ ዝመጹ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ህይወታዊ ጸዓት ካብ ጸሓያዊ፣ ንፋሳዊን ማያዊን ጸዓታት ንላዕሊ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ዓለማዊ ትካል ጸዓት ይግምት።

ንመሬት ናብ ህይወታዊ ጸዓት ግን ሃገራት ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝኾኑ ዘራእቲ ናይ ምፍራይ ዓቅመን ከስእነን`ዩ ይብሉ`ቶም ኣዳለውቲ ጸብጻብ ናይ ወድብ ሕቡራት ሃገራት። ኣብ መጠን ኣብ ህይወታዊ ነዳዲ ዝውዕል መሬት ደረት ክህሉ ድማ ይምዕዱ።