እንቋቑሖ ምምጋብ ኣብ ዘይዕድመኻ ይቐትል'ዶ ይኾን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጽሄት ጥዕና ጃማ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ ጥቕምን ጉድኣትን እንቋቑሖ ኣብ ሰሙን ብንወስዶ መጠን ዝውሰን እዩ።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ ክልተ እንቋቑሖ ምብላዕ ኣብ ልብን መትንትታትን ጉድኣት የስዕብን ኢሉ'ውን ኣብ ንኡስ ዕድመ ምሟት የምጽእን።
ነዚ ምኽንያቱ ድማ ኣስኳል እቲ እንቋቑሖ ብዝሓዞ ልዑል መጠን ኮለስትሮል እዩ።
ከም ሓበሬታ ክፍሊ ሕርሻ ኣመሪካ፡ ኣብ ሓደ ኣብዪ እንቋቑሖ 185 ሚሊ ግራም መጠን ኮሌስትሮል ይርከብ።
እዚ ድማ ልዕሊ ፍርቂ እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተቐመጠ፡ ዝለዓለ መጠን መዓልታዊ ክንወስዶ ዝግባእ መጠን 300 ሚሊ ግራም እዩ።
ሓደጋታት እንወስዶ መጠን
እዚ ኣብ ልዕሊ 17 ዝዕድመኦም 30000 ሰባት ዝተኻይደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ መዓልታዊ 300 ሚሊ ግራም ዝወስዱ ሰባት፡ ንሕማም ልብን መትንታትን ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ብ 17 ምኢታዊ፥ ኣብ ንኡስ ዕድመ ናይ ምሟት ዕድሎም ድማ ብ 18 ምኢታዊ ይውስኽ።
መዓልታዊ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ እንቋቖሖ ምብላዕ ድማ፡ ንሕማም ልብን መትንታትን ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ብ6 ምኢታዊ፥ ኣብ ንኡስ ዕድመ ናይ ምሟት ሓደጋ ድማ ብ 8 ምኢታዊ ይውስኽ።
መዓልታዊ ክልተ እንቋቑሖ ምብላዕ ፡ ብተመሳሳሊ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተጻብኦታት ካልኦት መጽናዕቲታት
እዞም መጽናዕቲታት ዕድመ፥ መጠን ኣካላዊ ብቕዓት፥ሲጋራ ምትካኽን ጸቕጢ ደምን ኣብ ግምት ዘእተዉ ኣይኮኑን።
''ክልተ ሓደ ዓይነት ናይ ኣመጋግባ ስርዓት ዝኸተሉ ሰባት እንተወሲድና፡ እቲ ዝበዝሐ መጠን ዝወስድ ንናይ ልቢ ሕማም ናይ ምቕላዕ ሓደግኡ ዝለዓለ እዩ'' ትብል ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ኖሪና ኣለን።
እዚ ሓዱሽ መጽናዕቲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እንወስዶ መጠን እንቋቑሖን ሕማም ልብን ምንም ተዛምዶ ከምዘየለ ዝገልጽ ዝጸንሐ መጽናዕቲ ዝጻባእ እዩ።
እቶም ዝጸንሑ መጽናዕቲታት ብዙሓት ሰባት ዘየካተቱን ነዊሕ እዋን ዘይወሰዱን እዮም ዝብላ ተመራማሪት ኣለን ፡ ኣብ ናቶም ጽንዓት እውን እንተኾነ ናይ ትንተና ስሕተታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይገልጻ።
ካልኦት ተመራመርቲ ብወገኖም፡ ኣብ መንጎ እንምገቦ መጠን እንቋቖሖን እቶም ዝተገለጹ ጸገማትን እኳ ተዛምዶ እንተሃለወ፡ እቲ መንቀሊ እሱ ንምዃኑ ግን መረጋገጺ የለን ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንምዃኑ ክንደይ እንቋቑሖ ኢና ክንምገብ ዘለና?
ካብቶም ተመራመርቲ ሓንቲ ዝኾነት ኣለን፡ ኣብ ሰሙን ካብ ሰለስተ ንላዕሊ እንቋቑሖታት ምምጋብ ከምዘየድሊ ትገልጽ።
"እዚ ማለት ሰባት ጠቕሊሎም እንቋቑሖ ክምገቡ የብሎምን ማለት ዘይኮነስ ተመጣጣኒ ክኸውን ኣለዎ" እትብል ኣለን ብዝተኽኣለ መጠን ሰባት እቲ ጻዕዳ ኣካል እቲ እንቋቑሖ ክምገቡ ከምዘለዎም ትገልጽ።(ፍልፍል: International Egg Commission, 2015)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







