ክሊማ፡ ሎሚ እነዕንዎ ተፈጥሮ ጽባሕ ከዕንወና እዩ - ኣንቶንዮ ጉተረስ

ምንጪ ስእሊ, EPA
"ዓለምና ተሃስያላ" ክብል መጠንቀቕታ ዘሕለፈ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ከቢድ ጉድኣት የውርዱ ከምዘለው ሓቢሩ።
"እዚ እነዕንዎ ዘሎና ተፈጥሮ ጽባሕ ሕነ ክፈድየና እዩ። ቁጠዐን ሓይልን ናይቲ ሕነ ከኣ ኣይክንክእሎን" ኢና ክብል ቢቢሲ ኣብ ዘዳለዎ ንጉዳይ ኩነታት ኣየር ዝምልከት ምድላው ተዛሪቡ።
ንክሊማዊ ምርግጋእ ከም ቀንዲ ዋኒን ሕቡራት ሃገራት ክርእዮን ክሰርሓሉን ከምዝደሊ ዝገልጽ ጉተረዝ፡ ልቀት ካርቦን ናብ ዜሮ (‘ኔት ዚሮ’) ንምውራድ ናይ ዝመጽእ ዓመት “ቀንዲ ውራይ” ዓለማዊ ጥምረት ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ’ሎ።
‘ኔት ዚሮ’ ማለት ብዝከኣል መጠን ብከላ ዘኸትሉ ጋዛት ምእላይ ከምኡ’ውን ማዕረ እቲ ናብ ህዋ ኣትሞስፌር ዝተፈነወ መጠን ካብ ኣየር ብምንካይ ከምዝመዓራረ ምግባር እዩ።
እቲ ዋና ጸሓፊ፡ “ኩለን ሃገራት፣ ከተማታት፣ ፋይናንሳዊ ትካላትን ኩባንያታትን ክሳብ 2050 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ልቀት ናብ ዜሮ ኔት ንምስግጋር ዘኽእለን ውጥን ከዳልዋ ኣለወን” ክብል ተዛሪቡ።
ነዚ ራእይ ንምዕዋት ኣብ ዘኽእለን ደረጃ ንኽበጽሓ ድማ ወሳኒ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዳ ከምዘለወን ኣዘኻኺሩ።
ናይዚ ዕላማ ከኣ ክሳብ 2030 ነቲ ዓለማዊ ልቀት ዝተቓጸለ ወይ ዝተበከለ ጋዝ ብ45 ሚኢታዊት ምንካይ ከምዝኾነ ጉተረስ ኣረዲኡ’ሎ።
ንሱ፡ ሃገራት ዓለም እዚ ዝስዕብ ነገራት ክፍጽማ ይጽበ
- ኣብ ልዕሊ እተን ዝያዳ በካሊ ጋዝ ዘውጽኣን ዝጥቀማን ተሽከርከርትን ሜሺነሪ ገንዘብ ምውሳኽ
- ከም ፈሓም፣ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ነዳድን ንዘህልኹ ዝግበር ፋይናንሳዊ ሓገዝን ድጎማን ከምዘብቅዕ ምግባር
- ንኣህለኽቲ ካርቦን በከልቲ ጋዛትን ዝያዳ ግብሪ/ቀረጽን ምጽዓን
- ናይ ካርቦን ምምጥጣን [ማዕረ ናይቲ ናብ ከባቢ ዝፍኖ ወይ ዝልቀቕ ዝተቓጸለ ጋዝ ካብቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዘሎ ምእላይ] ኣብ ኩሎም ቁጣባዊን ፋይናንሳውን ፖሊሲታትን ውሳነታትን ከም ሸቶ ከምዝቕመጥ ምግባር
- ነቶም ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝህሰዩ ዘለዉ ሕብረተሰብ ዓለም ምሕጋዝ
ምጽኣታዊ ባርዕን ዕልቕልቕን
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እቲ ኣጀንዳ ከም ህርፋን ወይ ሕልሚ ክቑጸር ዝኽእል እኳ እንተኾነ ግብራዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ይብል።
“እቲ ሳይንስ ንጹር’ዩ። ዓለም ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ጊዜ ካብቲ ዝፈሪ ‘ፎሲል ፊውል’ ዓመታዊ 6 ሚኢታዊት ክትንኪ እንተዘይኪኢላ ነገራት ናብ ዝኸፍአን ኣዝዩ ዝሓሰመን ደረጃ ክዓርግ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
“ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ኣብዚ ዘለናሉ ክፍለ ዘመን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዲግሪ ዝዕቀን ቅዝፈታዊ ዝኾነ ዋዒ ኣብ ቅድሜና ክጸንሐና እዩ” ክብል’ውን ስግኣቱ ኣቐሚጡ’ሎ።
እቲ ጽልዋ ድሮ ኣብ ዓለም ክረአ ጀሚሩ ምህላው እውን ሓቢሩ።
“ምጽኣታዊ ዝኾነ ባርዕን ዕልቕልቕን፡ ውሕጅን ህቡብላን ልሙድ ተርእዮ ኮይኖም ኣለዉ። ብዙሕ ህይወት ይዓኑ ኣሎ፤ ምድረ በዳነት ይዓቢ ኣሎ። ውቅያኖዳት ብፕላስቲካት ተጎቢኦም ኣለዉ” ይብል እቲ ዋና ጸሓፊ።
ህሞተ ሓቂ
ብሪጣንያን ጣልያንን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ግላስኮ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ክሊማ ከእንግዳ እየን።
ስለዝኾነ ድማ ሃገራት፡ ልቀት ካርቦን ንምንካይ ዘለወን መብጽዓ ሒዘን ናብቲ ጉባኤ ክቐርባ ጉተረዝ ይጽውዕ።
ሃገራት ኣብ ቅልውላው ክሊማ ስጉምቲ ክወስዳ ድፍኢት ካብ ምግባር ብተወሳኺ፤ ኣብ ብዝሃ-ህይወት ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምዕጋትን ብከላ ንምንካይ ዝገበር ጻዕሪ ክሕይል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
“እቲ ገጢሙና ዘሎ ህሞተ ሓቂ እዩ” ኢሉ። ኣብ ቅድሚት ዘለዉ ብልጭታታት ተስፋ’ውን ኣቐሚጡ ኣሎ።
ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያ ዝርከብአን ካልኦት 110 ሃገራት ክሳብ መፋርቕ እዚ ክፍለ ዘመን ልቀት ካርቦን ንምምጥጣን ድሉዋት ምዃነን ይገልጽ።
እቲ ሸቶታት ንምዕዋት ቴክኖሎጂ ዓቢ ሓገዝ ከምዘለዎ ገሊጹ።.
“ዘለናሉ እዋን ኣንጻር ዓለም ዝኣወጅናዮ ኲናት ደው እነብለሉ እዩ። ምስ ተፈጥሮ ዝጀመርናዮ ኲናት ደው ከነብሎን ናብ ዕርቂ ክንምለስን ይግባእ” ኢሉ ኣንቶንዮ ጉተረስ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







