ቅልውላዉ ሱዳን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾነኖ ወተሃደራዊ ዕልዋ መሰጋገሪ መንግስቲ

እቲ ስጉምቲ ሰፊሕ ህዝባዊን ዓለማውን ተቓውሞ ገጢምዎ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዕልዋ ሰፊሕ ህዝባዊን ዓለማውን ተቓውሞ ገጢምዎ'ሎ

ባንኪ ዓለም ንሱዳን ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ደገፍ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ብምእታዉ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ተቓውሞታትን ኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣስዒቡ'ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ "ዘይቅዋማዊ" ምምንዛዕ ስልጣን ብምቅዋም፡ ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ እትምለስ ካብ ኩሉ ንጥፈታት እቲ ውድብ ከምትእገድ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብወገና፡ ነቲ ክትህቦ ዝሓሰበት 700 ሚልዮን ዶላር ኣደስኪላቶ ከምዘላ ገሊጻ።

መራሕቲ ሰራዊትን ሲቪላውያን ፖለቲከኛታትን ብመሰረት ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ እታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ትሰጋገር፡ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራቶም ይዝከር።

እዚ ብሕብረት ኣፍሪቃን ዓለማዊ ባንክን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፡ መራሒ ናይቲ ዕልዋ ዝኾነ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ዓቢ ጸቕጢ ከምዝፈጥረሉ ይግመት።

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ እታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይተምርሕ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ'ዩ ዝምጉት።

ሱዳን ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትሰጋገር ምዃናን፡ እቲ ኣብ 2023 ክግበር ዝተመደበ ሃገራዊ ምርጫ ከምዝካየድን ድማ ቃል ኣትዩ'ሎ።

እቲ ጀነራል፡ ነቲ ላዕለዋይ ኣካል ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ብኣቦመንበርነት ክመርሕ ዝጸንሐ'ዩ።

እንተኾነ ግን እቲ ስጉምቲ ሰፊሕ ህዝባዊን ዓለማውን ተቓውሞ ገጢምዎ'ሎ።

ፕረዚደንት ዓለማዊ ባንክ፡ ዴቪድ ማልፓስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "በቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ምዕባለታት ኣዝየ ተሻቒለ ኣለኹ። ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባውን ምብርባርን ልምዓትን ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን'ውን ኣፍሪሑኒ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሱዳን ድሕሪ 30 ዓመት፡ ንዝነበራ ዕዳ ድሕሪ ምድቃሳ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ካብቲ ባንክ ክትረክብ ኪኢላ ነይራ። ፕረዚደንት ናይቲ ባንክ'ውን ብኣካል ናብታ ሃገር ብምብጻሕ ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረት ከቢድ ቅልውላው ንምውጻእ ገስጋስ ትገብር ምንባራ መስኪሩ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ብሪጣንያን ዝርከብዎም ወገናት'ውን ነቲ ዕልዋ ብምኹናን እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ይጽውዑ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝቐነየ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ተፈቲሑ ናብ ገዝኡ ከምዝኸደ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንሱ፡ ንድሕነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስጋእ ኣብ ገዝኡ ሒዝዎ ከምዝጸንሐ'ዩ ዝዛረብ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዋላ'ኳ ምፍታሕ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተንኣደ፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ዝምለስ እታ ሃገር ካብቲ ውድብ ተኣጊዳ ከምእትጸንሕ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣንጻር እቲ ዕልዋ ዝተላዕለ ናዕቢ ንሳልሳይ መዓልቱ ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ብዝተኮስዎ ጥይት ዛጊት ብውሕዱ 10 ከምዝተቐትሉን ብዙሓት ካልኦት ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣባላት ጸጥታ ንወደብቲ እቲ ተቓውሞ ንምእራይ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ይፍትሹ ምህላዎምን ሓያሎ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉን ይግለጽ።

ንሓካይምን ሰራሕተኛታት ነዳዲን ዝውክሉ ማሕበራት ዕዮ፡ ከምኡ'ውን ኣባላት ማሕበር ባንከ ሱዳን ነቲ ዕልዋ ንምቅዋም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ክጽንበሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

"ኣንጻር'ቲ ሰራዊት ዝወሰዶ ተግባርን ዝኾነ ዓይነት ምልካውነትን ጸኒዕና ደው ክንብል ኢና" ክብል ኣፈኛ ናይቲ ማሕበር ዓብዱልራሽድ ለሊፋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ 2019 ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር በቲ ብሰራዊት ዝተደገፈ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ሲቪላውያን መራሕትን ኣዘዝቲ ናይቲ ሰራዊትን ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም ነይሮም።

እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት እናሓርፈፈ ዝመጸ ዝምድና ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ፈተነ ዕልዋ ኣምርሒ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ድማ ነቲ ስምምዕ መሰጋገሪ እዋን ይኹን ዝድለ ዘሎ ምምስራት ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።