ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካብ ቀይዲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ ከምዝተመልሰ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ እትምለስ ካብ ኩሉ ንጥፈታት ከምዝእግዳ ኣፍሊጡ።
እቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ቅዋማዊ ኣይኮነን ክብል'ውን እቲ ሕብረት መርገጺኡ ኣነጺሩ'ሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ ምስቲ "ቅዋማዊ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ" ዝበልዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ክራኸቡ ከምዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብስልኪ ኣዛሪብዎ።
ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚንስትር ዓብደላ ሓምዶክ፡ "ንድሕንነቱ" ብዝብል ኣብ ገዛ ጀነራል ቡርሃን ክጸንሕ ከምዝተገበረን ኣብዚ እዋን ግን ናብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተመለሰን ተፈሊጡ።
ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ከምዝሓበሮ፤ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ እዩ ብስልኪ ዘዘራረቦ።
ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዝርከብ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።
እቲ መግለጺ፡ ኣመሪካ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ቀይዲ ምልቃቑ ብምድጋፍ፡ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ሲቪላዊ መራሕቲ እታ ሃገር ድማ ነጻ ክፍትሑ ሓቲታ ይብል።
መራሒ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፤ ሰራዊት እታ ሃገር ብሰኑይ ስልጣን ክቆጻጸር ዝኸኣለ “ሓድሕዳዊ ኲናት ንምክልኻል’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ መገድታት፣ ድልድላትን ትካላት ንግድን ተዓጽዮም ኣብ ኣደባባያት ዝካየድ ህዝባዊ ተቓውሞ ቀጺሉ’ሎ። ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ስልክን ተቛሪጾም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ብዝተወለዐ ጎንጺ ዛጊድ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ።
“ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝረኣናዮም ሓደጋታት ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ክትኣትው ምገበሩ ነይሮም” ክብል ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
"ኣብቲ ሽዑ እዋን እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ገዝኡ'ዩ ነይሩ፤ ጉድኣት ከይበጽሖ ንሰግእ ኔርና። ትማሊ ምስኡ'የ ኣምሲየ፤ ልሙድ ህይወቱ ምንባር ቀጺሉ'ሎ" ኢሉ።
ሲቪላዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ክፈርስ ከምዝገበረ፤ ፖለቲካዊ መራሕቲ ከምዝኣሰረን ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝኣወጀን ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ካርቱም ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ መሓመድ ዑስማን፤ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝርዝር ሚንስትራት ከምዘዳለወን ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ መዓልታት ሹመት ላዕለዎት ዳያኑ ከምዘፍልጥ ቃል ምእታዉን ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ሰፊሕ ትልሚ ከምዝተዳለወ ዘመልክት ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ማሕበረሰብ ዓለም ይኹነን’ዩ ዘሎ። ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ካቢኔ ቀዳማይ ሚንስትር ሓምዶክን ካልኦት ፖለቲካዊ መራሕትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፤ ሱዳን ግዳይ እቲ ንኣፍሪቃን እስያን ብተደጋጋሚ ዝሃስዩ “ለበዳታታት ዕልዋ መንግስቲ” ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ሃገራት ብባይቶ ጸጥታ ኣቢለን “ውጽኢታዊ ዝኾነ ስጉምቲ ወይ መቕጻዕቲ” ክወስዳ ኣተሓሳሲቡ።
ኣሜሪካ ንሱዳን እትህቦ 700 ሚልዮን ዶላር ረድኤት ደው ከምዘበለት ዘፍለጠት ኮይና ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ’ሎ። ክልቲኦም ኣካላት እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ብዘይገለ ቅድመ ኩነት ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ወተሃደራት ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ካርቱም ገዛ ንገዛ እናዘሩ ንኣተሓባበርቲ ተቓውሞታት ኣብ ምእሳር ከምዝርከቡ ይግለጽ። እንተኾነ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብቲ ዕለዋ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ይወጽኡ ምህላዎም ጋዜጠኛ ቢቢሲ መሓመድ ዑስማን ሓቢሩ።
መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዝተዓጸወ ኮይኑ፤ ክሳብ ቀዳም ኣብ ዘሎ እዋን ዝነበሩ ኩሎም በረራታት ድማ ተሰሪዞም።
ሰራሕተኛታት ማእኸላይ ባንኪ ሱዳን ናብ ተቓውሞ ክኣትዉ ከለዉ፤ ዶካትር ብወገኖም ካብ ድንገተኛ ተሓከምቲ ወጻኢ ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ዝርከቡ ሆስፒታላት ንምስራሕ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ጸብጻባት የመልክቱ።
እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር ኣብ ሞንጎ ሲቪላዊ መራሕትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ሲቪልን ሰራዊትን ብዝተገበረ ስምምዕ ንሱዳን ናብ ዴሞክራሲ ንምምጻእ ውጥን ተታሒዙ’ኳ እንተነበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ዝተኻየዱ ተደጋገምቲ ፈተነታት ዕለዋ መንግስቲ ግን እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ትጓዓዝ ምህላዋ የመልክቱ ነይሮም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ድለውቲ ከምዝኾነት ብምግላጽ፤ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 መረጻ ንምክያድ ውጥን ከምዘሎ ተዛሪቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







