ቅልውላዉ ሱዳን፡ መራሕቲ ሰራዊት ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ

ተቓወምቲ ዕልዋ መንግስቲ መንገድታት ዓጽዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ተቓወምቲ ዕልዋ መንግስቲ መንገድታት ዓጽዮም

ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ።

ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኢም ሓያል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ዛጊት ሰለስተ ሰባት ካብ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

"ንደሞክራስያዊ ስግግር ሱዳን ሂወትና ክንከፍል ድልዋት ኢና" ክብል ሓደ ካብቶም ተቓውምኦም ንምስማዕ ኣብ ጎደናታት ዝወጸ ሓይታም መሓመድ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ።

ካልእ ብጻዩ፡ ሳውሳን ባሽር ብወገኑ፡ "ሲቪላዊ መንግስቲን መሰጋገሪ እዋንን ክሳብ ዝምለስ ካብ ጎደናታት ኣይክንከይድን ኢና" ኢሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ነቲ ብሰራዊት ተወሲዱ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይድግፍ ብምግላጽ፡ "ክሳብ እቲ ዕልዋ ዝሰዓር" ሰፊሕ ህዝባዊ ኣብያ ክካየድ ጸዊዑ።

ኣሽሓት ናብ ጎዶናታት ብምውጻእ ነቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መላእ ካርቱም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምሉእ ብምሉእ ከምዘቋረጸን፡ ካብን ናብን ካርቱም ዝግበር በረራታት ድማ ጠጠው ኢሉ ከም ዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ንዖመር ኣል በሽር ካብ ስልጣን ንምዕላው መሪሕ ተራ ዝነበሮ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፡ ኣብ ሱዳን ንዝፍጸም ዝኾነ ወተሃደራዊ ዕልዋ ንምቅዋም ህዝቢ ናብ ጎዶናታት ክወጽእ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሲቪላውያን ሰበስልጣን

እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ኣበይ ከምዘሎ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ገለ ጸብጻብት ግን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ።

መደበር ተለቪዥን ኣል ሓዳዝ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ናብ መንበሪ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምእታው ከም ዝሓይርዎን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ንኣርባዕተ ካቢነ ሚኒስተራትን ንሓላፊ ኣባል ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከም ዝኣሰርዎን ገሊጻ ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶኽ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሮይቶርስ ንኣባላት ስድራ ብምጥቃስ ቅድም ክብል ኣብ ዘውጽዞ ጸብጻብ፡ እቶም ዕጡቓት ናብ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምእታው ንዓብደላ ሓምዶክን ንኣማኻሪኡን ሎሚ ሰኑይ ከም ዝኣሰርዎም ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ዝግበር ስግግር መስርሕ ክጣበቕን ወጺኡ ተቓውምኡ ከስምዕን ጻውዒት ከምዘቕረበ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳን ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብታ ሃገር ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጁ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, AFP/HO/SUDAN TV

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ፡ ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን

እቲ ንሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ዝተወሰነሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሲቪላውያን መራሕትን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲን ዝቖመ እዩ።

ሰራዊት ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ነታ ገና ካብ ቁጠባዊ ቅልውላዉ ዘይወጸት ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምርሓ ከንዝኽእል፡ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣደም ኣልሒራይካ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንስምምዕ መሰጋገሪ እዋን ከምዘኽብርን እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር ምዃናን ቃል ኣትዩ'ሎ።

ብመሰረት መሰጋገሪ ቻርተር ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ሓምለ 2023 ክካየድ'ዩ ተመዲቡ ዘሎ።

ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ

ናዕበኛታት ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ዕልዋ ብምኹናን "ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክን ካልኦት ሰበስልጣንን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም" ክብል ጠሊቡ።

"ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝተረኽበ ፖለቲካዊ ስግግር ንምሕላዉ እቲ ቅዋማዊ ቻርተር ብምሉኡ ክኽበር" ጸዊዑ።

ኣመሪካ ነቲ ብሰራዊት ሱዳን ዝተወስደ ከምዘይትቕበሎ ብምግላጽ፡ ነቲ እትህቦ ሓገዝ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ኣፍሊጡ።

"እዚ ነቲ [ኣቐዲሙ ዝተፈረመ] ቅዋማዊ ኣዋጅን ንናይ ህዝቢ ሱዳን ድሌታት ንደሞክራሲ ዝጻረርን ፈጺሙ ዘይቅቡልን'ዩ" ክብል ኣምባሳደር ፈልትማን ከምዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ'ውን ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኑ'ሎ።

ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ውድብ፡ መሰጋገሪ መንግስቲን ህዝቢ ሱዳንን ሰላምን ደሞክራሲን ንምሕያል ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ንምድጋፍ ድሉው ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ሃለዋቱ ዘይተፈልጠ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናይዚ እዋን ኣቦመንበር ኢጋድ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ምትዕራቕ ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ኢድ ዝነበራ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ብምሕባር፡ "ኩሎም ወገናት ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ብህድኣት ንምፍታሕ ጻዕርታት ክገብሩ" ጸዊዓ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንደሞክራስያዊ ድሌታት ህዝቢ ሱዳን" ከምእትድግፍን "ናይ ወጻኢ ኣካላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዶም ከየእትዉ" ከምእትደሊን ኣፍሊጣ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ብሪጣንያ እትርከበን ሃገራት ኣውሮጳን ነቲ ብሰራዊት ዝተኻየደ ዕልዋ ይኹንና ኣለዋ።