ተቃውሞ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ሎሚ ንካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ

ሱዳናውያን ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ሰንበት ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ዘካየድዎ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ሎሚ'ውን ቀጺሉ ኣሎ።

ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ እትገብሮ ስግግር ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ዕልዋ መንግስቲ ክፍጽም ጠሊቦም ነይሮም።

ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ሰዓት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ወጺኦም እዮም፡ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ ፀዊዖም።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክፈርስ ሓቲቶም።

እቶም ሰልፈኛታት እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ነታ ሃገር ናብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣእትዩዋ ኢሎም ነቒፎም።

ከምኡ'ውን 'ሓደ ህዝቢ ሓደ ሰራዊት' ዝብል ጭርሖ ኣስሚዖም ተባሂሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንሲቪላዊ መንግስቲ ዝድግፉን ነቶም ንወተሃደራዊ ዕልዋ ዝሓቱን ንሓሙስ ኣብ ጎደናታት ከውጽኡ ቆጸራ ሒዞም ኣለዉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ መሰጋጋሪ መንግስቲ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ኣዘቕቲ ዘውጽእ ዝበሎ ትልሚ ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

"ኣነ ኣብዚ ጉዳይ መንጎኛ ኣይኮንኩን፤ ናተይ ቅዋም ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ምስግጋር እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ቤት-ምኽሪ ሰራዊትን ሲቪልን ብሓባር ስልጣን ሒዞም ጸኒሖም።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ምስ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ርክብ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ወተሃደራት፡ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍትኑ ንደሓር ወጥርታት ዓሲሉ ይርከብ።

ካብኡ ንደሓር ጀሚሩ፡ ኣብ ገለ እቶም ነቲ ናይ ጥሙር ስግግር መንግስቲ ዘቖሙ ሲቪል [ኤፍኤፍሲ] ክልወጡ ዝጠልቡ ሕቶታት ይቐርቡ ኣለዉ።

ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ እቲ ካቢነ ብካልእ ክትካእ ይሓትት ኣሎ።

ኣብቲ ቀዳም ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ‘እዚ ጥሙይ መንግስቲ'፡ 'ፍትሕን ማዕርነትን ከስፍን ኣይከኣለን' 'ወተሃደራዊ መንግስቲ ዕልዋ ክፍጽም ንጠልብ’ ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ወጺኦም-ይብል ኤኤፍፒ።