ንብዙሓት ኣዴታት ካብ ትክን ንብዓትን ዘድሓነት 'መጎጎ ኣድሓነት' ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, EEAS
ኣድሓነት ስም ሰብ እዩ። ኣድሓነት ንጓልኣንስተይቲ ኣድሓኖም ከኣ ንደቂ ተባዕትዮ። ትርጉሙ ከኣ ካብ ዝኾነ ይኹን ጸገም፡ ሽግር፡ መከራ፡ "ኣድሒኑና" ማለት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ግን ኣዴታት ኤርትራ፡ እቶን ክኣጉዳን ሓዊ ከናኽሳን እንከለዋ ካብ ዘጋጥመን ዝነበረ ትክን ንብዓትን እተድሕነን ደቂ ዓደን ዝመሃዙዋ ብቐሊሉ ክውንንኣ ዝኽእላ ዘበናዊት መጎጎ ስለዝረኸባ "ኣድሓነት" ሰምየንኣ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን እቲ ዝበዝሐ ክፋላታ ብቐሊሉ ብዝርከብ ባህሪያዊ ነገራት እትስራሕ፡ ብኹለንትናኣ ቅድሚኡ ንዝጥቀማሉ ዝነበራ እቶን እተመሳሰል ግን ከኣ ብውሑድ ዕንጸይትን ቀንጠ መንጢ ግፋፍን፡ ብኩቦን ፋንድያን ቀለብ ሰሙን ስድራ እንጀራን ቅጫን ክስንክታ እትሕግዝ፡ ጸዓት እትቑጥብ፡ ትክን ጠቐርን ዘይትፈጥር መጎጎ ኣድሓነት ሎሚ ዳርጋ ኣብ ዝበዝሐ ገጠራት ኤርትራ ተኣታትያ ምህላዋ ወይዘሮ ፍቓዱ መሃንዘል ትሕብር።
"ቅድሚ መጎጎ ኣድሓነት ምትእትታዋ አዒንትና ብትክን ንብዓትን ንሓምም ነይርና። እቶንን መጋርያን ኣጒድና ደቅናን ስድራናን ክንቅልብ ዝኣኸለ ዕንጸይቲ ኣይኣኽለናን ነይሩ። ሕጂ ግን ይመስገን ፈጣሪ በዛ ምህዞ እዚኣ ተሰቲርና ኣሎና" ትብል ፍቓዱ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለም ክሳብ ተተካኢ ጸዓት ዝረክብ ህይወቱ ብዕንጸይትን ኣግራብን እዩ ዘካይዶ ነይሩ። ህይወቱ ዝመርሓሉ፡ ዝማሙቐሉን ዘዕቅለሉን ቤት ብኣግራብ እዩ ዝሰርሖ።
ዝሓርሰሉን ዝነባበረሉን ናውቲ ዕዮ ካብ ኣግራብ እዩ ዘዋድዶ። ገሊኡ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ንጨው በርበረ ዝኾኖ እቶት ክረክብ ኣብ ከባቢኡ ናብ ዝርከባ ናእሽቱን ዓበይትን ከተማታት ዕንጸይትን ፈሓምን ይሸይጥ።
እቲ ኣግራብን ዕንጸይትን ፈቐድኡ ዝነበረሉ "ዘበን ብጥዑሙ" ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ዕንጸይትን ፈሓምን ሸዊት ዑፍንን ባልደንጓን ዓተርን ኣብ ከተማ ንዝነብሩ ቤተሰብ ከም መብጽሒ ህያብ እንጥቀመሉ እዋን ነይሩ ይብል መሓሪ መሃንዘል፤ ከምዚ ሎሚ ኵነታት ተቐያይሩ ኣግራብ እናበረሰ፡ ጫካታት እናጣሕሰሰ፡ ወሓይዝ እናነጸፈ፡ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እናዘከረ።
"ቀደም ኣብ እንነብረሉ ገጠር ዓድና፡ ኣብ ገሊኡ ርብዒ ሰዓት ከይረሓቕና ከመይ ዝኣመሰለ ፈልጺ ሰራውን ጫዓን ዳርጋ ካብ ድሕሪ ገዛና ኢና አእዱግ ንጽዕን ነይርና። ሎሚ ግን ኣብቲ ቀደም ዘይንደፍሮ ዝነበረርና ጣሻን ጫካን መገዲ ሰዓት ተጓዒዝና እውን ዝነቐጸ ዕንጸይቲ ኣይንረክብን" ክብል ንዳርጋ ሰለስተ ዑቁድ ዘይመልእ ዕድመ ሓደ ወሎዶ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተራእየ ምቅይያር የረድእ።
ኣብ ኤርትራ ኣስታእተ 170-ሸሕ ስድራቤታት ተጠቀምቲ መጎጎ ኣድሓነት ከምዝኾና ሓላፊት ኣሃዱ ዕቤት ናብራ ኣብ ምኒስትሪ ሕርሻ ወይዘሮ መብራት ኣብርሃም ቅድም ክብል ምስ ቲቪ ኤረ ኣብ ዝገበረቶ ቃል መሕትት ሓቢራ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ኣስመራ ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ዓዲ ተከሌዛን ካብ 4627 ስድራ-ቤታት እተን 4200 እቶን ኣድሓነት ሰሪሐን ይነባበራ ከምዘለዋ ሓላፊት ዕቤት ናብራ ምኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ሳባ ታፈረ ኣረዲኣ።
ንኩነታት ክላይመት ብዝምልከት ርእይትኡ ንቢቢሲ ዘካፈለ፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ ተወሊዱ ብሕርሻን መጓሰን ዓብዩ፡ ብትምህርቲ ፍልጠት ቀሲሙ፡ ብምረት ህይወት ተሳሒሉን በሊሑን ኣብ ሃገረ ስደት ካናዳ ሓዲሽ ህይወት ዝመስረተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ዝተገብረ ውድድር መሮር 100 ማይል፡ ቀዳማይ ዝወጽአ ኣትሌት ነርስ ኤልያስ ክብረኣብ፡ "ኣግራብ ትንፋስን ህይወትን" ምዃኖም ይሕብር።
"ወለድናን ዓበይቲ አሕዋትናን እቲ ገሊኡ ዝጓስየሉ ዝነበርኩ በረኻታት ዓድና ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ደፊሮም ዘይከዱዎ ሰፈር ዓበይቲ እንስሳታት መሮር ከምዝነበረ የዕልሉኒ ነይሮም። ሕጂ ከኣ ብትምህርትን ግብራዊ ተመኩሮን ኪሊማዊ ለውጢ ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት ሳዕቤን የኸትል ከምዘሎ ግሁድ ኮይኑ'ሎ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Eric Lafforgue/gettyimages
ወይዘሮ ብርኽቲ ሃይለ ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ መጎጎ ኣድሓነት ኣብ ጥዕና ኣዴታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ንኩንታል ዕንጸይቲ ዝኽፈል ዝነበረ ካብ 600-700 ናቕፋ ገንዘብ ብፍርቅን ልዕሊኡን ስለዝጎድል ኣብ ቁጣባዊ ህይወት ሓንቲ ስድራ እውን ዓቢ ተራ ከምዘለዋ ትዛረብ።
"እቲ ናይ መጎጎ ኣድሓነት ጽቡቕ ነገር ብዝኾነ ግፍጋፍ ቀልጢፋ ስለትረስንን ሓንሳብ ምስ ረሰነት ከኣ ንነዊሕ እዋን ሙቐት ስለእትዕቅብን ብእራይ ምራይ ርፍራፍ ዕንጸይትን ኩቦን ፋንድያን መርዓ ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ" ክትብል ኣድናቖታ ትገልጽ።
ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ መጎጎ ኣድሓነት ንኸተስርሓ ዋግኣ እናኸበረን እናኸበደን ክሳብ 3-ሽሕ ናቕፋ ገጹ ስለዝተጸገዐ እተን ጽጉማት ስድራታት ክኸብደን ከምዝኽእል ትሕብር።
ሓላፊት ናብራ ዕቤት ምኒስትሪ ሕርሻ ወይዘሮ መብራት ኣብርሃም መጎጎ ኣድሓነት ኣብ 2003፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝርከብ፡ ኵነታት ኣየር ቅልጡፍ ፍታሕ ንክረክብ ዝጽዕርን ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝሕግዝን "ኣሽደን" ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ከምዝተሸለመ ኣብ መንግስታዊ ሜድያ ሓቢራ ነይራ።
ጸዓት መሰረት ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ደቂ ሰባት ብምዃኑ ሃላኽን ተጸንቃቕን እዩ። ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ምሉእ ብምሉእ ናብረአን ኣብ ባህሪያዊ ጸዓት ዕንጸይትን ፋሓምን ስለዝሞርኮስ ኣብ ኪሊማዊ ኩነታት ብዙሕ ተጽዕኖ እየን ዝገብራ።
እዚ ኣሽደን ዝተባህለ ኣብ ምትብባዕ ምቁጽጻርን ምንካይን ጸዓት ዝነጥፍን ንዝተፈላለያ ማሕበራትን ትካላትን ዘተባብዕ ብሪጣንያዊ ትካል ግብረ ሰናይ ንመጎጎ ኣድሓነት ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ዘተኣታተወት ምህዞ ብምባል እዩ ሸሊሙዋ።

ምንጪ ስእሊ, EEAS
"እዚ ሓድሽ እቶን መጎጎ ኣድሓነት እቲ ትኩ ንላዕሊ እዩ ዝወጽእ። ትኪ የለን ማለት ከኣ ሕማም ዓይንን ሳንቡእን የለን ማለት እዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት፡ ኣእዋም ዓዲ ክለምዕ ርእየ። ኣብ መዓልቲ ሰዓትን ፈረቓን ዕንጸይቲ ንምውፋር ነጥፍኦ ነይርና። ጥሉል ኣግራብ እውን ንቐርጽ ነይርና። ሕጂ ንቑጽ ብቍርጽራጽ አዕጻውን ሓሰርን ክንጥቀም ንኽእል ኣለና " ክብል በረኸት ተኽለሃይማኖት ዝተባህለ ነባሪ ቑሸት ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ዓለምና ብሰንኪ ለውጢ ክላይመትን ወሰኽ ሙቐት ኦዞንን ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ስክፍታን ትርከብ። መራሕቲ 20 ሃብታማት ሃገራት ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሮማ ተራኺቦም ብኩነታት ለውጢ ክላይመት ዘትዮም። ሊቃውንቲ ኣከባብን ክላይመትን ወከልቲ መላእ ሃገራት ዓለምን ከኣ ኣብ ግለስኮ ዓባይ ብሪጣንያ ንሰሙን ምሉእ ኣብ ጉዳይ ክላይመት ይዝትዩ ኣለው።
ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዓለም ዝወጽአ ዘሎ ሓበሬታ ከኣ 'ዛ እንነብረላ ዓለም ምእንቲ ገዛእ ነብስናን መጻእቲ ወለዶታትናን ብክንክን እንተዘይሒዝናያ ተለኻኺምና ምጥፋእና እዩ' ዝመልእኽቱ ምሕጽንታ እዮም ዘሕልፉ ዘለው።
ኣትሌት ነርስ ኤልያስ ክብረኣብ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ምዕቃብ ክላይመት ነናይ ገዛእ ርእሱ ኣበርክቶ እንተገይሩ እቲ እኩብ ጻዕሪ ተደማሚሩ ዓቢ ውጽኢት ከምዘምጽእ እዩ የረድእ።
"ከም ማንም ሰብ ዓለማዊ ሙቐትን ክሊማዊ ለውጥን ስለዘሻቕለኒ ብወገነይ ንስራሕ ኣብ ክንዲ ብመኪና ዝኸይድ መዓልታዊ 34 ኪሎሜተር ክኸይድን ክምለስን ብብሽክለታ እየ ዝኸይድ" ክብል ብዓቕሙን ብሕልናን ኣብ ክላይመት ለውጢ ንምግባርን ነቲ ድሮ ተፈጢሮ ዘሎ ጉድኣት ክላይመት ንምፍዋስን ከምዝጽዕር ይሕብር።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







