ኮቪድ፡ ኣመሪካ ብሓዲሽ ማዕበል ለበዳ ትጥቃዕ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Boston Globe/Getty Images
ኣመሪካውያን ብሓዲሽ ማዕበል ኮቪድ ይጥቅዑ ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራይ እኳ ልዕሊ 83,000 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ብምልካፎም ሆስፒታላት ልዕሊ ዓቕመን ይኾነን ኣሎ።
እንተኾነ ኣመሪካዊ ሰርጀን ጀነራል ጀሮመ ኣዳምስ መጠን ሞት ደሓን ምህላው ሐቢሩ።
እዚ ሓበሬታ'ዚ፡ ድሕሪ እቲ ኣስትራ ዜነካን፡ ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ዝተባህላ ክልተ ዓበይቲ ናይ መፍረ መድሃኒት ትካላት ካብ ተቖጻጸርቲ መድሃኒት ኣመሪካ ፈተነ ክታበት ፍቓድ ምርካበን እዩ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሃገራት ሰሜናዊ ዋልታ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ከምዝርከባ ዝየዳ ጥንቃቐ ከምዘድልየንን ሓቢሩ። ኣብ ዝመጽእ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ሕማም ክዓርግ ከምዝኽእል ዳይረክተር ጀነራል እቲ ትካል ኣቶ ቴድሮስ ኣድሓኖም ንሪፖርተራት ገሊጹ።
እቲ ሕጂ ዘሎ እዋናዊ ኣሃዝ ከመይ እዩ?
ብመሰረት እቲ ንዝርገሐ ኮቪድ ዝከታተል መቆጻጸሪ ፕሮጀክት፡ ዛጊት ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 8.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለው። እቲ ሕማም መዓልታዊ ብኣስታት ሽዱሽተ ሸሕ ዝያዳ መልከፍቲ ይዓርግ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣስታት 77 ሽሕ ዝለዓለ መልከፍቲ ተመዝጊቡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሪካ ኣስኣተት 440 ሽሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣጋጢሙዋ። እዚ ከኣ ድሕሪ እቲ ናይ ሓምለ ጸብጻብ እቲ ዝዓበየ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ ሓዲሽ ዙርያ ለበዳ ኮቪድ ናይ ሞት መጠን እውን ይውስኽ እኳ እንተሎ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ መዓልታዊ ክልተ ሽሕ ዝሞቱሉ ኣይበጽሐን ዘሎ።
ንሆስፒታል ዝኣትው ዘለው ሰባት ግን ይበዝሑ ኣለው። ትማሊ ዓርቢ ጥራሕ እኳ 41,485 ሰባት ንሆስፒታል ኣትዮም።
ግዝኣታት ሰሜን ዳኮታ፣ ሞንታና፣ ዊስኮንሲን ካብተን ኣዝየን ዝተጠቕዓ እየን። ኣብቲ ዝዓበየ ፕረዚደንታዊ ውድድር ምርጫ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ እውን ዝርገሐ ኮቪድ ንሂሩ ኣሎ። ኣብ ኢሎኖይን ኢንዲያናን እውን ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ዝርገሐ ኮሮና ባይረስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣጸቢቑ ይውስኽ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







