ኮሮናቫይረስ: ኣመሪካ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 ደው ኣቢላ
ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከካይድ ዝጸንሐ ‘ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን’ ዝተባህለ ኩባንያ፡ ሓደ ተሳታፋይ እቲ መጽናዕቲ ብምሕማሙ፡ ምኽንያቱ ንምጽራይ ነቲ ፈተነ ጠጠው ከምዘበለ ገሊጹ፡፡
ምልክታት እቲ ሕሙም ምስቲ ክታበት ዝተሓሓዝ እንተኾይኑ ብናጻ ኣካል ክግምገም ምዃኑ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ፡፡
ምልክታት እቲ ሕሙም ዘይተገለጸ ኮይኑ፡ ንሳልሳይ ዙርያ ፈተነ እቲ መድሓኒት ዝግበር ምልመላ ተሳተፍቲ እውን ተሰሪዙ ኣሎ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ኣብ ዓሰርተታት ኣሻሓት ወለንተኛታት ዝግበር ፈተነ እቲ ክታበት፡ ኣብ ገሊኦም ጸገማት ጥዕና ከጋጥም ከምኽእል ትጽቢት ከምዝግበር እቲ ኩባንያ ይገልጽ፡፡
ብተወሳኺ ንድሕነት እቲ ዝሓመመ ተሳታፊ ተባሂሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዘይህብ ብምሕባር፡ ነቲ ሕማም የጽንዕዎ ከምዘለዉ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ገሊጹ፡፡
ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘካይዶ ኣብ ዘሎ ፈተነ ሓደ ተሳታፋይ፡ ዓይነቱ ዘይተገለጸ ሕማም ምስኣጋጠሞ እቲ ፈተነ ጠጠው ክብል ተገይሩ ነይሩ፡፡
ዛጊድ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 180 ክታበታት ፈተነ ይግበረሎም ምህላዉን፡ ዋላ ሓደ ክሊኒካዊ ፈተነ ዝወደአ ክታበት ግን የለን፡፡
ጆንሰን ኤንድ ጆንሰንን ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ዝፍትኑዎም ዘለዉ ክታበታት እቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ እዮም፡፡
ክልቲኦም ክታበታት ኮሮናቫይረስ ንምምካት ዘኽእል ተፈጥሮኣዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምዕባይ፡ ዝተመሓየሸ ቫይረስ ጉንፋዕ ዝጥቀሙ እዮም፡፡
ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን፡ ኣብ ኣመሪካ፣ ደቡብ ኣመሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ኣስታት 60 ሽሕ ወለንተኛታት ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምክያድ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







