ኮሮናቫይረስ፡ ድኻታት ሃገራት ካብ ክፍሊት ልዕዳ እፎይታ ክረኽባ ጻውዒት ቀሪቡ

ብጻዕቒ ተቐራሪቦም ዝተሰርሑ መንበሪ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድኻታት ሃገራት ዓለም፡ ካብ ክፍሊት ልቓሕ(ዕዳ) እፎይታ ክረኽባ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ፀዊዐን።

እዚ ፃውዒት ዝቐረበ፡ ድኻታት ሃገራት ዓለም፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምክልኻል ይቃለሳ ብምህላወን እዩ።

ኦክስፋምን ኣክሽንአይድን፡ ነዚ ሓሳብ ካብ ሞንጎ ዘቕረባ ዓለምለኻውያን ትካላት ገበርቲ ሰናይ እየን።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ይቃለሳ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 25 ቢልየን ዶላር ናይ ዕዳ እፎይታ (ዕረፍቲ) ክረኽባ ፀዊዐን ኣለዋ።

ዳይሬክተር ናይቲ ልቓሕ ንክስረዝ ዝሰርሕ ኢንግሊዛዊ ትካል ጁቢሊ ሳራ-ጃይነ፡ "ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣብ ዝተወቕዓሉ እዋን፡ ህፁፅ ሓደጋ ጥዕና ገጢምወን ኣሎ" ኢላ።

መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ፡ 69 ሚኢታዊት ድኻታት ሃገራት ዓለም፡ ካብ ካልኦት መንግስታትን ትካላትን ንዝተለቅሕኦ ዕዳ፡ በብዓመቱ 19.5 ቢልየን ዶላር እንትኸፍላ፡ ንውልቀ ኣለቃሕቲ ( ትካላት ዘይኮና) ድማ 6.5 ቢልየን ይኸፍላ።

ኮሮና
ኮሮና