ኣዲኡ ንኣሰልጣኒ ኢንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ብኮሮናቫይረስ ዓሪፋ

ፔፐ ጓርድዮላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣሰልጣኒ ባርኒሎናን ባየር ሙኒክን ዝነበረ ፔፐ ጓርድዮላ ካብ 2016 ጀሚሪ ንማንቸስተር ኣብ ምስልጣን ይርከብ

ኣዲኡ ንኣሰልጣኒ ኢንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ፐፕ ጋርዲዮላ ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፋ ዓሪፋ።

ጓል 82 ዓመት፡ ዶሎርስ ሳላ ካሪዮ፡ እቲ ቫይረስ ከም ዝሓዛ ድሕሪ ምርግጋጹ'ያ ኣብ ባርሴሎና ዓሪፋ።

"ምስዛ ክለብ ምትእስሳር ዘለዎ ኩሉ፡ ንፔፔ፣ ቤተሰቡን መሓዙቱን ዝተስምዖም ልባዊ ሓዘንም ይገልጹ" ክትብል ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጻ።

እቲ ሎሚ ዝወጽአ ሞት ናይ 637 ሰባት ሓዊሱ፡ ቁጽሪ ምውታት ኣብ ስጳኛ 13055 በጺሑ ይርከብ።

ኮሮና
ኮሮና