ኮሮናቫይረስ: ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መካነ እንስሳ ዝነበረት ነብሪ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዋ

ምንጪ ስእሊ, Corbis via Getty Images
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መካነ እንስሳ እትነብር ጓል ኣርባዕተ ዓመት ናድያ እትበሃል ነብሪ፡ ፈላመይቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸባ እንስሳ ኮይና ኣላ።
እዛ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ብሮክስ ዝተብሃለ መካነ እንስሳ እትነብር ነብሪ፡ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኣናብር ትነብር ዝነበረት ኮይና ንቶም ክልኦት ኣናበር'ውን ነቲ ኮሮናቫይረስ ኣሕሊፋትሎም ከምእትኽእል ሓለውቲ እቲ ማከነ እንስሳ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም።
ፓል ካለ ዝተብሃለ ሓኪም እንስሳ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እዚ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኮይኑ፡ እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል እውን ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና" ኢሉ።
እቲ መካነ እንስሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ኣብ ናድያ (ሽም እታ ዝሓመመት ነብሪ) ዝረኸብናዩ፡ ብዓለም ደረጃ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዘለና ኣፍልጦ ንኸነበርኽ ሓጋዚ እዩ" ኢሉ።
ኣብቲ መግለጺ፡ ኣዙል ዝተብሃለት ሓፍቲ ናድያ፡ ክልተ ኣናብርን ሰለስተ ናይ ኣፍሪቃ ኣናብስን ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተራእዮም ገሊጾም።
ኮሮናቫይረስን እንስሳን
ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2019 እዩ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ክረአ ጀሚሩ።
ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ኣብ ውሃን እንስሳ ኣብ ዝሽየጥሉ ዕዳጋ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ከምዝተመሓላለፈ'ዩ ዝእመን።
ብድሕሪ እዚ፡ እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቅልጡፍ ክላባዕ ጀሚሩ፡ እንተኾነ እዛ ናድያ እትብሃል ነብሪ ኮሮናቫይረስ ምስ ተረኸባ ግን እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ክሰጋገር እኽእል ድዩ ዝብል ሓዲሽ ሕቶ ኣላዓዒሉ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሳብ ሕጂ ኣብ ሆንግኮንግ ዝርከቡ ክልተ ኣኻልብ ሓዊስካ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ እንስሳታት እዮም ኮቪድ 19 ተረኺብዎም ዘሎ።
መግለጺ መካነ እንስሳ ብሮክስ ከምዝሕብሮ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ካብ እንስሳ ሓሊፍዎ ዝሓመመ ሰብ ከምዘየሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ንጥዕና እንስሳ ዝከታተል ጨንፈር'ውን እዚ ሕማም ካብ ኣኻልብ ወይ ደማሙ ናብ ሰብ ክምሓላለፍ ከምዝኽል ዝኾነ መርትዖ ከምዘይብሉ እዩ ዝገለጽ።


እዚ ውድብ፡ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ውዱእ ውጽኢት ዝረክብ፡ ዝኾነ ብኮቪድ 19 ዝሓመመ ሰብ፡ ምስ ከም ከልብን ድሙን ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘቤት መንትንኻፍ ከቋርጽ ምዒዱ ኣሎ።
ኣብ ኩምብሪጅ ዩኒቨርስቲ ሓኪም እንስሳን ተመራማሪትን ዶክተር ሳራ ካዲ "እዛ ምስቶም ሓለውቲ እንስሳ እቲ መካነ እንስሳ ብዙሕ ዘይትቀርብ ነብሪ እዚ ቫይረስ ስለዝተረኸባ ዘገርም እዩ" ድሕሪ ምባል "እዛ ነብሪ ዘርኣየቶ ምልክታት ልክዕ ከምቲ ናይ ሰብ ምዃኑ ኸኣ እቲ ዘገርም ነገር እዩ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







