ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከቢድ ሃስያ የውርድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ከተማ ቺካጎ ካብ ዘሎ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን 30 ምኢታዊት ጥራይ እዮም። እንተኾነ፡ ኣብታ ከተማ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ፍርቂ፡ ጸለምቲ ከምዝኾኑ ይግለጽ።
ካብቶም በዚ ሕማም ዝሞቱ ድማ፡ እቶም 70 ሚኢታዊት ጸለምቲ ደቂ ቺካጎ እዮም።
ዲትሮይት፥ ሚልዋኪ፥ ኒው ኦርለንስን ኒው ዮርነክን ዝርከብአን ጸለምቲ ብበዝሒ ዝነብሩለን ካልኦት ከተማታት'ውን ብኮሮናቫይስ ብዙሕ ሰብ ተለኺፉለን ዘሎ ቦታታት እየን።
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣስታት 370,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ክግለጽ ከሎ፡ ኣስታት 11,000 ድማ ሞይቶም።
ብደረጃ ዓለም ድማ፡ ኣስታት 75,000 ሰባት በዚ ሕማም ሞይቶም፡ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ከኣ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።
ካብ ቺካጎ ዝወጸ መረዳእታታት እንታይ የርእየና?
ክሳብ 5 ሚያዝያ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ በቲ ሕማም ካብ ዝተለኸፉ 4,680 ሰባት፡ እቶም 1,824 ጸለምቲ ነበርቲ ናይታ ከተማ እዮም።
እቶም ዝተረፉ 847 ጸዓዱ፣ 478 ሂስፓኒክ፡ 126 ድማ ኤሽያ ኣመሪካውያን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንበት ኣብ ቺካጎ ካብ ዘጋጠመ ሞት ናይ 98 ሰባት፡ እቶም 72 ሚኢታዊት ጸለምቲ ነበርቲ ናይታ ከተማ እዮም።
እዚ ከኣ ኣብታ ከተማ ጥራይ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ኣብ ግዝኣት ኤለኖይ እውን ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ። ኣብታ ግዝኣት ካብ ዘሎ ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ፡ እቶም 14 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም ጸለምቲ።
እንተኾነ፡ ኣብታ ግዝኣት ብኮሮናቫይረስ ካብ ዘጋጠመ መጠን ሞት፡ እቶም 41 ሚኢታዊት ጸለምቲ ኣመሪካውያን እዮም።
እንታይ እዩ ምኽንያቱኸ?
ከንቲባ ናይታ ከተማ፡ ቀደሙ'ውን እንተኾነ፡ ሕማም ሽኮርያ፣ ሕማም ልቢን ናይ ምስትንፋስ ሕማማትን ኣብ ማሕበረሰብ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ይረኣይ እዩ ይብል።
ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኩሎም ሰባት፡ ዋላኳ ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና እንተሃለዎም፡ እኹል ቀረብ መግቢን ሰባት ብእግሮም ክንቀሳቐሱሎም ዝኽእሉ መገድታት ዘይምህላውን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕና ናይቲ ማሕበረሰብ ጽልዋታት ከምዝህልዎ ይግለጽ።
ኣብ ግዝኣት ቨርጂንያ፡ ንኮንግረስ ዝነሓናሕ ዘሎ ጸሊም ኣመሪካዊ ሓኪም፡ ዶክተር ካሜሮን፡ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዘይማዕርነትን ቁጠባዊ ኣፈላላያትን ኣብዚ ናይ ለበዳ ግዜ ጎሊሁ ይወጽእ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







