ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከቢድ ሃስያ የውርድ ኣሎ

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበረት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ከተማ ቺካጎ ካብ ዘሎ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን 30 ምኢታዊት ጥራይ እዮም። እንተኾነ፡ ኣብታ ከተማ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ፍርቂ፡ ጸለምቲ ከምዝኾኑ ይግለጽ።

ካብቶም በዚ ሕማም ዝሞቱ ድማ፡ እቶም 70 ሚኢታዊት ጸለምቲ ደቂ ቺካጎ እዮም።

ዲትሮይት፥ ሚልዋኪ፥ ኒው ኦርለንስን ኒው ዮርነክን ዝርከብአን ጸለምቲ ብበዝሒ ዝነብሩለን ካልኦት ከተማታት'ውን ብኮሮናቫይስ ብዙሕ ሰብ ተለኺፉለን ዘሎ ቦታታት እየን።

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣስታት 370,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ክግለጽ ከሎ፡ ኣስታት 11,000 ድማ ሞይቶም።

ብደረጃ ዓለም ድማ፡ ኣስታት 75,000 ሰባት በዚ ሕማም ሞይቶም፡ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ከኣ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።

ካብ ቺካጎ ዝወጸ መረዳእታታት እንታይ የርእየና?

ክሳብ 5 ሚያዝያ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ በቲ ሕማም ካብ ዝተለኸፉ 4,680 ሰባት፡ እቶም 1,824 ጸለምቲ ነበርቲ ናይታ ከተማ እዮም።

እቶም ዝተረፉ 847 ጸዓዱ፣ 478 ሂስፓኒክ፡ 126 ድማ ኤሽያ ኣመሪካውያን እዮም።

ኣብ ቺካጎ 98 ሞት ክምዝገብ ከሎ 72 ሚኢታዊት ግዳያት ጸለምቲ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቺካጎ 98 ሞት ክምዝገብ ከሎ 72 ሚኢታዊት ግዳያት ጸለምቲ እዮም

ብሰንበት ኣብ ቺካጎ ካብ ዘጋጠመ ሞት ናይ 98 ሰባት፡ እቶም 72 ሚኢታዊት ጸለምቲ ነበርቲ ናይታ ከተማ እዮም።

እዚ ከኣ ኣብታ ከተማ ጥራይ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ኣብ ግዝኣት ኤለኖይ እውን ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ። ኣብታ ግዝኣት ካብ ዘሎ ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ፡ እቶም 14 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም ጸለምቲ።

እንተኾነ፡ ኣብታ ግዝኣት ብኮሮናቫይረስ ካብ ዘጋጠመ መጠን ሞት፡ እቶም 41 ሚኢታዊት ጸለምቲ ኣመሪካውያን እዮም።

እንታይ እዩ ምኽንያቱኸ?

ከንቲባ ናይታ ከተማ፡ ቀደሙ'ውን እንተኾነ፡ ሕማም ሽኮርያ፣ ሕማም ልቢን ናይ ምስትንፋስ ሕማማትን ኣብ ማሕበረሰብ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ይረኣይ እዩ ይብል።

ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኩሎም ሰባት፡ ዋላኳ ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና እንተሃለዎም፡ እኹል ቀረብ መግቢን ሰባት ብእግሮም ክንቀሳቐሱሎም ዝኽእሉ መገድታት ዘይምህላውን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕና ናይቲ ማሕበረሰብ ጽልዋታት ከምዝህልዎ ይግለጽ።

ኣብ ግዝኣት ቨርጂንያ፡ ንኮንግረስ ዝነሓናሕ ዘሎ ጸሊም ኣመሪካዊ ሓኪም፡ ዶክተር ካሜሮን፡ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዘይማዕርነትን ቁጠባዊ ኣፈላላያትን ኣብዚ ናይ ለበዳ ግዜ ጎሊሁ ይወጽእ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኮሮና
ኮሮና