ኮሮናቫይረስ፡ ን10 ዓመታት ብኢዶም ሰላም ዘይበሉ መምህር

ብርሃነ ኣቻሜ

ብርሃነ ኣቻሜ፡ መምህር፣ ደራሲን ተርጓምን እዮም። ኣብ መሬት ትግራይን ኤርትራን ዝዛውን ዛንታ ዝሓቘፈት "ወዲ ዋዕሮ" ነዊሕ ታሪኻዊ ልብ ወለድ መጽሓፎም ይፍለጡ።

ብርሃኔ ኣቻሜ ካልእ ዝፍለይሉ ባህሪ ኣለዎም። ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ብኢደይ ሰላም ኣይብልን ኢሎም ብምሕንጋዶም እውን ይልለዩ። ብዙሓት ሰባት "መምህር ብርሃነ'ኸ እንታይ ረኺብዎም?" ኢሎም ክሳብ ዝድንግፁ ኢደይ ንኻራ ኢሎም ተሓሲሞም።

ገና ክረኽቡኻ እንከለዉ፡ "ብኢድ ሰላምታ ገዲፈዮ እየ" ብምባል ሃጥ እንተበለ እንግዳዕኻ ጠፍጢፎም የፋንዉኻ።

እዚ ልምዲ'ዚ ብኸመይ ኣማዕቢሎምዎ?

"ብደረጃ ዓለም ኣየናይ ነገር እዩ ዝያዳ ዝረሰሐ ዝብል ውድድር ይግበር እዩ። ብፍላይ ኣብ ብ2010 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ እቲ ዝረሰሐ ነገር፡ ኪቦርድ ኮምፒተር ኰይኑ እዩ ተረኺቡ። ኣብ ሓንቲ ስኵር ኢንች 44 ሽሕ ጀርም ይርከቡ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ድማ ኣብ ኮምፒተር እዩ ዝውዕል። ብድሕሪኡ ኣብኡ ነይርና ሰላም ክንባሃል እንከለና ርስሓት ኢና ተወሃሂብና ንማቐል። ካብዚ ብምብጋስ ብኢድ ዝግበር ሰላምታ ገዲፈዮ። ብዙሓት ሰባት ክኽተሉኒ ይግባእ ነይሩ ግን ኣይገበርዎን" ኢሎም።

ብርሃነ ኣቻሜ፡ ሰላም ክብሎም ኢዱ ንዝሰደደ ኢዶም እንኣከቡ ምሕሳሞም፡ ብዙሓት ከም ምውርዛይ ቆፂሮም ኣፎም ኣታሚሞም ይሓምዩ፤ ገሊኦም ድማ የኹረምብጡ። ብርሃነ ኣቻሜ ግን ዒም ዝበለ ይተሓጐም ዝበሉ ይመስሉ ብኢደይ ሰላም ከይብል ትብተኸኒ በሉ።

"ኣነ ሰላም ኣይንበሃሃል ኣይበልኩን። ብኢድና ሰላም ኣይንበሃሃል እየ ዝብል ዘለኹ። ናይ ወለድና እውን ኣይኰነን፤ ምስ ጥልያን ዝኣተወ እዩ። ርእሶም ድንን ኣቢሎም፣ ነፃላ ቅልዕ ኣቢሎምን ቆቢዖም ኣውፂኦም እዮም ሰላም ዝብሉ።

''ብመንፅር ባህሊ እውን ባህልና ኣይኰነን። ስለዚ ባህልና ዘይኰነ ክንኣልዮ እዩ ዘለና፤ ብኢድ ሰላም ምባል ድማ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ እዩ ዘመዝን። እቲ ዝገርም ድማ እትፈልጦ ሰብ ምስ ሰባት እንተሃልዩ፡ ንበይኑ ጥራይ እንተይኰነስ ንኹሉ ኢና ሰላም እንብል፤ እዚ ፀገም እዩ" ብምባል ዳርጋ ሎሚ ብዙሕ ሰብ ስለዝፈለጦም ተነፅሎ ከምዘየጋጥሞም ዘሎ ይዛረቡ።

መምህር ብርሃነ ኣብ ገዛ ኸ ምስ ስድራ ከመይ ኰን ይገብሩ ይዀኑ?

ኣብ ገዛ እንትኣትዉን እንትወፅኡን ንበዓልቲ ቤቶም ከምዝስዕምወን እምበር ብኢድ ሰላም ምባልስ ቀደም ከምዝገደፍዎ ገሊፆም።

ሕዚ ድማ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዓለምና ምስ ተኸሰተ፡ ኣእዳውኩም ተሓፀቡ፤ ብኣእዳውኩም ሰላም ኣይተበሃሃሉ ምስ ተባህለስ ብርንነ ኣቻሜ ብቐደሙ ኣይበልኩን እንዶ? ኢሎም ዶኾን ይዀኑ?

"ሕዚን ድሕረ ሕዚን ኮሮና ቫይረስ ክሓልፍ እዩ፤ ሕማም ግን ኩልግዜ ክህሉ እዩ። ጀርምን ባክተርያን ኣብ ኣእዳውና ክህልዉ እዮም። ነዚኦም ሰላም ብዘይምብህሃል ኢና ንከላኸሎም።

ኢድና ዘይትንክፎ ነገራት የለን። ኢድና እንድሕር ፀርዩ ኩሉ ነብስና ይፀሪ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ድሕሪ ኮሮና ቫይረስ፡ ሰብ ናብቲ ናይ ቀደም ባህሉ ክምለስ እዩ እየ ዝብል" ኢሎም።

ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ንኢዶም ዝኸውን ጥራይ እንተይኰነስ ንስኖም እውን ሳሙና ይሕዙ ምንባሮም ይገልፁ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ጡረታ ወፂኦም እዮም። እቲ ሕዚ ኣእዳውኩም ተሓፀቡ ምባል ንዓይ ሓድሽ ኣይኮነን ምባሎም ግቡእ ይበል።

"እዛ መፂኣ ዘላ ሕማም ኮሮና ባህልና ንኽንቅይር እውን ክትሕግዘና እያ" ኢሎም ብርሃነ ኣቻሜ።

ኮሮና
ኮሮና