ኣብ ኒውዮርክ ዝለዓለ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኒውዮርክ ዛጊት ኣብ ሓደ መዓልቲ ፡ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝሰዓበ ሞት ዝበዝሐ ቁጽሪ ሎሚ እኳ እንተተመዝገበ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ይቆጻጸርዎ ምህላዎም ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ኣንድሪው ኩሞ ተዛሪቡ።
“ኣብ ጉዳይ ማሕበራዊ ርሕቀት ኣጥቢቕና ንሰርሕ ስለ ዘሎና ይጎድል ኣሎ” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ብብዝሒ ድኻታት ምዃኖም ዝገለጾም ጸለምቲን ሂስጳንያውያን ብብዝሒ ከም ዝሞቱ ኣተንቢሁ፤ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ግን ምስራሕ ከም ዘድልይ ሓቢሩ።
ብግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ መሰከረም 11 ኣብ ኒውዮርክ 2,753 ሰባት ክሞቱ ከለው ብኮሮናቫይረስ ግና ድሮ 6,268 ግዳያት ኮይኖም ኣለው፤ ንዝኽሮም ድማ ኣብታ ግዝኣት ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ክስቀል ምዃኑ እቲ ኣመሓዳሪ ተዛሪቡ።
ኣብታ ግዝኣት ሎሚ 7 ሚያዝያ 779 ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ሓሊፉ።













