ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሓኒ ኣሎ ኢሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ "ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናገደደ ብምምጽኡ" ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ'ሎ። እዚን ካልኦትን ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ንምርካብ፡ ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኒውዮርክ ዝለዓለ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ተመዝጊቡ

    ባንዴራ ኣሜሪካ ንዝኽሪ ግዳያት ኮቪድ-19 ኣብ ፍርቂ ተሰቒሉ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኒውዮርክ ዛጊት ኣብ ሓደ መዓልቲ ፡ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝሰዓበ ሞት ዝበዝሐ ቁጽሪ ሎሚ እኳ እንተተመዝገበ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ይቆጻጸርዎ ምህላዎም ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ኣንድሪው ኩሞ ተዛሪቡ።

    “ኣብ ጉዳይ ማሕበራዊ ርሕቀት ኣጥቢቕና ንሰርሕ ስለ ዘሎና ይጎድል ኣሎ” ኢሉ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ብብዝሒ ድኻታት ምዃኖም ዝገለጾም ጸለምቲን ሂስጳንያውያን ብብዝሒ ከም ዝሞቱ ኣተንቢሁ፤ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ግን ምስራሕ ከም ዘድልይ ሓቢሩ።

    ብግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ መሰከረም 11 ኣብ ኒውዮርክ 2,753 ሰባት ክሞቱ ከለው ብኮሮናቫይረስ ግና ድሮ 6,268 ግዳያት ኮይኖም ኣለው፤ ንዝኽሮም ድማ ኣብታ ግዝኣት ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ክስቀል ምዃኑ እቲ ኣመሓዳሪ ተዛሪቡ።

    ኣብታ ግዝኣት ሎሚ 7 ሚያዝያ 779 ሰባት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ሓሊፉ።

  2. ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሓኒ ኣሎ ኢሉ

    ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣሜሪካ ነቲ ውድብ እትገብሮ ሓገዝ ናይ ገንዘብ ብምምስጋን፡ እቲ ድጋፍ ከም እትቕጽለሉ ይተኣማመን ኢሉ።

    ትማሊ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ትካል ጥዕና ዓለም ብቐንዱ ብኣሜሪካኳ እንተተደጎመ፡ ንቻይና ዝወገነ ትካል'ዩ" ብምባል ነቲ ውድብ ዝህቦ ድጋፍ ደው ከብሎ ይኽእል እየ ኢሉ ነይሩ።

    ዶክተር ቴድሮስ ብወገኑ፡ "ኣብ ናይ ሃገርና ዶብ ጥራሕ ተሓጺርና ክንነብር ኣይንኽእልን፤ ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓድነት የድልየና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

    ብኻልእ ወገን፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምንቃፉ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዶክተር ቴድሮስ ዘለዎም ድጋፍ ይገልጹ ኣለው።

    ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምስ ኮረናቫይረስ ተታሓሒዙ ናይ ሞት ምፍርራሕን ዓሌታዊ ጽርፍን ይበጽሖ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

    ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ዝሃቦ መግለጺ "ነቶም ዝሳቐዩ ዘለውን ፍቱዋቶም ንዝስኣኑን ብርህራሀ ብድንጋጸን ክንሪኦም ኣለና" ድሕሪ ምባል።

    ". . . ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ልዕለይ ክወርድ ዝጸንሐ ዓሌታዊ ጸርፊን ናይ ሞት ምፍርራሕን ክነግረኩም እፈቱ። ኣነ ጸሊምን ኣፍሪቃውን ብምዃነይ ሕቡን እየ፤ ብሕብረይ ንዝጸርፈኒ ኸኣ ጸርፊ ገይረ ኣይወስዶን እየ። ብዙሕ ምፍርራሕ በጺሑኒ'ዩ፤ ኩሉ ጸሊምን ኣፍሪቃን ክጽረፍ ከሎ ግን ኣይጻወሮን እየ" ኢሉ።

  3. ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣብ ቦታ ስርሑ ተረኺቡ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ንሰሙናትርእሱወሺቡዝጸንሐቀዳማይሚኒስተርካናዳጀስቲን ትሩዶ ሎሚ ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ብምርካብ ኣኬባ ካቢነ ክመርሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

    ንሱ በዓልቲቤቱ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኽባ'ዩ ካብ 12 መጋቢት ጀሚሩ ካብ ገዝኡ ኮይኑ ክሰርሕ ተገዲዱ።

    ካብ ገዛ ምስራሕ ክቕጽል ምዃኑ ዝገለጸ ትሩዶ፡ ኣገደስቲ መንግስታዊ ኣኼባታት ብኣካል ክርከብ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ኣብቲ ናይ ሎሚ ኣኼባ፡ መንግስቱ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእን ቁጠባዊ ሳዕቤናት ንምፍኳስን ብዛዕባ ዝወስዶ ስጉምቲ ክዝቲ እዩ።

  4. ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 2 ተወሰኽቲ ሰባት ረኺባ

    ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 33 በጺሑ

    ምንጪ ስእሊ, Yemane Geberemesekel

    ኤርትራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተኸፉ 2 ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝረኸበት ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    እቶም ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኤርትራ ኣህጉራዊ በረራታት ቅድሚ ምእጋዳ ዝኣተው ኮይኖም፡ ትማልን ሎምን ብዝተገብረሎም መርመራ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ።

    እቶም ኮሮነቫይረስ ዝተረኸቦም ክልቲኦም ደቂ-ተባዕትዮ ምዃኖምን ዕድሚኦም 60ን 30ን ምዃኖም'ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

    በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ፡ ቁጽሪ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ናብ 33 ክብ ኢሉ'ሎ።

  5. መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድጋፎም ይገልጹ ኣለዉ

    ዶ/ር ቴድሮስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቐፌታ ምፍናዎም ስዒቡ፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዶክተር ቴድሮስ ዘለዎም ድጋፍ ይገልጹ ኣለዉ።

    ትራምፕ፡ ሎሚ መዓልቲ ፡" ውድብ ጥዕና ዓለም ብቐንዱ በኣመሪካ ዝድጎም እንተኾነ'ኳ፡ ንቻይና ዝወገነ ትካል እዩ" ክብል ነቒፉ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ትካል ዝገብሮ ድጋፍ ጠጠው ከብል ክምዝኽእል ድማ ኣንፊቱ።

    ነዚ ስዒቡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሞሳ ፋኪ ማሓማት፡ "ሕብረት ኣፍሪቃ ንውድብ ጥዕና ዓለምን ንዳይሬክትሩ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ሙሉእ ድጋፉ ቐጻሊ እዩ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

    እቲ ኮሚሽነር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካልን ኣመራርሕኡን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ቴድሮስ ትፍንዎ ዘላ ወፍሪ ድማ ኣትሪሩ ነቒፉ።

    ከምኡ ድማ፡ ፡" ኣነ'ውን ብዚ ሓሳብ እየ ዝሰማማመዕ።" ዝበለ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋሜ ብወገኑ፡ "እቲ ነቐፌታ ንዶክተር ቴድሮስ፣ ንውድብ ጥዕና ዓለም፣ ወይካኣ ንቻይና ድዩ ወይስ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ብኣልማሚት እዩ ዝፍነው ዘሎ?" ክብል ሓቲቱ

    ኣብ ኣመሪካ ከምዝተጀመረ ዝዝረበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘነጻጸረ ፊርማ ብኦንላይን ክተኣኻኸብ ዝቐነየ ኾይኑ፡ ንዕኡ ዝድግፍ ድማ ካሊእ ፍርማ ምትእኽኻብ ይግበር ኣሎ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  6. ተቐማጦ ሙምባይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ተኣዚዞም

    ማስክ ዝወደየ ተቐማጢ ሙምባይ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፋይናንሳዊት ርእሰከተማ ህንዲ ዝኾነት ሙምባይ ኩሎም ነበርታ ኣብ ህዝባዊ ስፍራታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክገብሩ [ክወድዩ] ኣዚዛ።

    እቲ ትእዛዝ ንመራሕቲ መካይን፡ ኣብ ቤትጽሕፈታትን ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ስፍራ ንዝሰርሑ እውን ዝምልከት እዩ።

    እቲ መሸፈኒ ማስክ ኣብ ገዛ ዝተዳለወ ወይ ካብ ፋርማሲ ዝተዓደገ ክኸውን ከም ዝኽእል ኮምሽነር ምምሕዳር ከተማ ሙምባይ ገሊጹ።

    ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ ክሳብ ማእሰርቲ ዝበጽሕ መቕጻእቲ ከም ዝወሃቦም’ውን ኣጠንቂቑ።

    ጻዕቒ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ክፋል እታ ከተማ፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ምርካቦም ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

    ኣብዚ እዋን 4,500 በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝረኸበት ህንዲ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ።

  7. ሓላፊ ሳይንሳዊ ምርምራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብጉዳይ ኮሮናቫይረስ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ

    ፕሮፌሰር ማውሮ ፈራሪ

    ምንጪ ስእሊ, EUROPEAN COMMISSION

    መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር ማውሮ ፈራሪ

    ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሳይንሳዊ ምርምራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ እቲ ሕብረት ዝኸደሉ ኣገባብ ብምንቃፍ ንባዕሉ ካብ ሓላፍነቱ ኣግሊሉ።

    ሓላፊ ቤት ምኽሪ ማእኸል ምርምራት እቲ ሕብረት፡ ፕሮፌሰር ማውሮ ፌራሪ፡ በቲ ሕብረት ኣቢሉ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ሓደ መደብ ክዝርግሕ ፈቲኑ፡ ክሰምር ስለዘይከኣለ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ዝነበሮ እምነት ከምዝሰኣነ እዩ ተዛሪቡ።

    ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ሕብረት በቲ ናይቲ ሊቅ [ሳይንቲስት] ስራሕ ምልቃቕ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

    እንተኾነ ገለ ኣባል ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት፡ ናይ ርክባት ህዝቢ ብልጫ ንምርካብ እዩ ከምዚ ገይሩ ክብል ነቲ ፕሮፌሰር ተመሊሱ ነቒፍዎ።

    ፕሮፌሰር ማውሮ ፈራሪ፡ ተወላዲ ጣልያንን ኣመሪካን እንትኸውን ኣብ ምርምር ፈውስታት [ናኖመዲሲን] ን10 ዓመታት ዝሰርሓ ኾይኑ፡ ናብቲ ማሕበር እንትጽምበር ካብ ልበይ ከገልግል እየ ኢሉ ከምዝነበረ ይዝረብ።

    እዚ ዓብዪ ግምት ዝወሃቦ ሊቅ፡ ንለበዳ ቫይረስ ፈውሲ ኾነ ክታበት ንምርካብ እቲ ማሕበር ኣድላይ ዝበሃል ገንዘብ ክምድብን መደብ ክሕዝን ዘቕረቦ ሓሳብ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ይዝረብ።

    እንተኾነ እቲ ፕሮፌሰር ምስ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ተቐራሪቡ ክሰርሕ እንተጸንሐ'ከኳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበር ዘጓነፎን ዝተዓዘቦን ፖሊቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ኣየስርሕን ክብል ንባዕሉ ከግልል ከምዝተገደደ ይገልጸዕ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ግን፡ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ብርክት ዝበሉ መደባት ሒዙ እናሰርሐ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

    እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሕዚ'ውን እቲ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ፕሮፌሰር፡ ናብ ስርሑ ተመሊሱ ዝጀመሮ ክቕጽል ተላብዩ።

  8. ህልው ምዕባለታት ካብ ዙርያ ዓለም

    • ብምኽንያት ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ሕሙማት ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ብዝተገበረሉ ሕክምና ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላው ተገሊጹ
    • መበገሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምዃና ንኣዋርሕ ኣብ ዕጽዋ ዝጸንሐት ቻይናዊት ከተማ ውሃን ናብ ንቡር ምንቅስቓሳት ተመሊሳ።
    • ኣሜሪካ ብሰሉስ 1736 ሰባት ብምምዋቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ብኮሮናቫይረ ዝሰዓበ ሞት ኮይኑ ተመዝጊቡ።
    • ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምኽንያት ለበዳ ዶሮናቫይረስ ብዛዕባ ክወስድዎ ዘለዎም ቁጠባዊ ስጉምቲ ኣመልኪቶም ን16 ሰዓታት ዝገበርዎ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
    • ብረቡዕ ኣብ ስፓኛ ኣብ 24 ሰዓት 757 ሰባት ብምምዋቶም ቁጽሪ ምውታት ንኻልኣይ መዓልቲ ወሲኹ።
    • ኣብ መላእ እስራኤል ሓፈሻዊ ዕጽዋ ተኣዊጁ።
    • ፐረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተጠቕዐት ከተማ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ክቕበልዎ ናብ ጎደናታት ብምውጽኦም ብዙሓት ነቒፈምዎ።
  9. ሓድሽ ዜና, ኢትዮጵያ ሰለስተ ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ

    ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ሊያ ታደሰ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ሊያ ታደሰ

    ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 225 ናይ ላብራቶሪ ምርመራታት ከምዘካየደትን፡ ካብኣቶም ሰለስተ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝረኸበትን ኣፍሊጣ።

    በዚ ድማ ብዝሒ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ምልካፎም ዝተረጋገጸ ሰባት 55 በጺሑ'ሎ።

    እቶም ሓደሽቲ ሕሙማት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

    ክልተ ካብቶም ሕሙማት፡ ደቂ 29 ዓመት ኮይኖም ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ ኣብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ እዮም።

    እቲ ሓደ ድማ፡ ዕድምኡ 36 ኮይኑ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ነባሪ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብሪሁ።

    ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ሊያ ታደሰ ዘውጸኣቶ መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዝተረኸበ ካብ ዝተገለጸሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ 2,496 ምርመራታት ተገይሩ'ሎ።

  10. ኤርትራ ንንዘንበረቶ እገዳ በረራታት ኣናዊሓቶ

    ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር በረራታት ንዝቕጽል 21 ክናዋሕ ተወሲኑ'ሎ።

    ብ25 መጋቢት፡ ንለበዳ ኮቪድ19 ንምግታእ ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር ዝኾነ ንግዳዊ በረራታት፡ ንክልተ ሰሙን ከምዝተኣገደ ይዝከር።

    መንግስቲ ንዝርጋሐ ናይቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ክዕጾ ተሪር መምርሒ ኣሕሊፉ ይርከብ።

    ቁጽሪ ዝተለኽፉ በብቑሩብ ይውስኽ’ኳ እንተሎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞተ የለን።

    መብዛሕትኦም ካብቶም ዝተለኸፉ፡ በረራታት ቅድሚ ምእጋዶም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ’ዮም።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  11. ብኮሮናቫይረስ ተታሒዛ ኣብ መወሸቢ እትርከብ ኣደ፡ ጓል ተገላጊላ

    ህጻን

    ምንጪ ስእሊ, DR YANEU NGAHA

    ኣብ ካሜሩን - ከተማ ያውንዴ ንክትትል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ኣብ መወሸቢ (ፈሊኻ መጽንሒ) እትርከብ ኣደ ጓል ከምዝተገላገለት ቢቢሲ ካብቲ ንሳ ዘላትሉ ሆስፒታል ዘዘራረቦ ዶክተር ሓቢሩ።

    እታ ኣደ፡ ኦክስጅን ብዝህብ መሳርሒ ተሓጊዛ እናተሓከመት እንከላ እዩ ሕርሲ ጀሚርዋ።

    እታ ህጻን መዓልታ ከይኣኸለ ዝተወለደት ኮይና፡ 2.1 ኪሎ ግራም ትምዘን፡ ሙቐት እናረኸበት ናብ እትጸንሓሉ ክፍሊ ክትኣትው ተገይሩ'ሎ።

    ብኮሮናቫይረስ ምትሓዛን ዘይምትሓዛን ግን ውጽኢት ምርመርኣ ገና ኣይተፈለጠን ዘሎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ፡ ናይ ኣዲኣ ጸባ ጡብ ክትጠብው ይግበር ኣሎ።

    ሓኪም ናይታ ኣደ፡ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዛ ነብሰ ጾር ኣዴታት፡ ክጭነቓ ከምዘይብለን ምዒዱ።

    ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካሜሩን፡ 658 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣለውዋ፡ 9 ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም።

  12. ኣብ ጀርመን ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 100 ሽሕ ሓሊፉ

    ከም ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ተመሓላለፍቲ ሕማማት እታ ሃገር፡ ጀርመን 4,003 ሓደሽቲ ረኽስታት ኮቪድ-19 ኣመዝጊባ፤ እዚ ድማ በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ ናብ 103,228 ክብ ኣቢልዎ።

    ብኣንፃሩ፡ ኣብ ጀርመን ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 1,861 ጥራሕ ከምዝኾነ፡ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    ኣብታ ሃገር ብኮቪድ-19 ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ትሑት ክኸውን ዝኸኣለ፡ ጀርመን ኣቐዲማ ምርመራ ስለትገብር እዩ ይብሉ ብዙሓት ሰብሞያ።

    ጀርመን ኣብ ሰሙን ንኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ምርመራታት ኮሮናቫይረስ ትገብር።

    እዚ ኣሃዝ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ እንትነፃፀር ኣዝዩ ልዑል እዩ። ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት ዝበዝሑ መናእሰይ ከምዝኾኑ እዩ ዝግለፅ።

  13. ሓድሽ ዜና, ኢትዮጵያ፡ ዝወሰነቶ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ን5 ወርሒ ዝጸንሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ

    መንግስቲ ኢትዮጵያ "ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናገደደ ብምምጽኡ" ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ'ሎ።

    እዚ ድማ፡ ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 93 መሰረት ዝተፈጸመ ከምዝኾነ ገሊጹ።

    እቲ ኣዋጅ፡ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ከምዝኾነ ድማ ኣማሽዩ ተገሊጹ ኣሎ።

    ኢትዮጵያ አብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት፡ ንሳልሳይ ግዜ እያ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጃ ዘላ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  14. 'ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ብጥምየት ክንመውት ኢና'

    ህንዲ

    ኣብ ህንዲ ንዘሎ ኩነታት ዕጽዋ ንምዕዛብን፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ይቕበሎ ምህላው ንምፍላጥን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ገለ ከባቢታት ተንቀሳቒሱ ነይሩ።

    ካብ ርእሰ ከተማ ህንዲ፡ ደልሂ፡ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ብዙሓት መዓልታዊ ስራሕ ዘናድዩ ተኣኪቦም ዝራኣዩሉ'ዩ።

    ኣብዚ እዋን ግን እቲ ቦታ ጽምዋ ዓሲልዎ ይርከብ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ህንጻ ስራሓት ይኹን ካልኦት ጸምጸም ኢሎም፡ ድምጺ ናይ ጨራሩ ጥራሕ እዩ ዝስማዕ። ክትኣምኖ ዘጸግም ኩነታት እዩ።

    ቁሩብ ምስ ተንቀሳቐስኩ ግን ገለ ሰብኡት ኣብ ሓደ ኣንጎሎ ኮፍ ኢሎም ተዓዚበ። ርሕቕ ኢለ ድማ፡ ነዚ ናይ መንግስቲ መምርሒ ትከታተሉ ዲኹም ክብል ሓቲተዮም።

    ካብ ዞባ ኡታር ፐራደሽ ዝመጽአ ረማሽ ኩማር ትቅብል ኣቢሉ፡ "ንስራሕ ዝቖጽር ከምዘይህሉ ንፈልጥ፡ ግን ዕድልና ክንርኢ መጺእና" ክብል መሊሱለይ።

    "ኣብ መዓልቲ 8 ዶላር እየ ዘእቱ። ክቕልቦም ዘለኒ 5 ኣባላት ስድራቤት ኣለውኒ። ኣብ ቀረባ መዓልታት እቲ ዘለና መግቢ ክውዳእ እዩ። ኮሮናቫይረስ ዘምጽኦ ጸገማት ይርዳእኒ እዩ፡ ግን ደቀይ ጠሚዮም ክርኢ ኣይደልን" ድማ ይብል።

    ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ኣብ ከምዚ ኩነታት እዮም ዘለው።

  15. ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብስግኣት ኮሮናቫይረስ 1200 እሱራት ፈቲሓ

    ሚኒስትር ፍትሒ እታ ሃገር እሱራት ክፍትሑ ዝወሰነ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘሎ ምጭንናቕ ንምንካይን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻልን እዩ።

    ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ሰለስቲን ቱንዳ፡ እዞም ሕዚ ዝፍትሑ ዘለዉ እሱራት፡ ቀሊል ጥሕሰት ሕጊ ዝፈፀሙ እዮም።

    ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ኪንሻሳ ካብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ድማ፡ 700 እሱራት ተፈቲሖም።

    ካልኦት እሱራት እውን ከምዝፍትሑ ዝሓበረ እቲ ሚኒስቴር፡ ዳያኑ፡ ከም ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ገበናት ንዝፈፀሙ ጥራሕ ክኣስሩ ኣገንዚቡ።

    ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ 180 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዘለዉዋን፡ 18 ሰባት በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱን ኣፍሊጣ እያ።

  16. ፓኪስታን 50 ዶኳትር ኣሲራ

    ፓኪስታን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፖሊስ ፓኪስታን፡ ኬታ ኣብ እትበሃል ከተማ፡ ዶኳትርን ተሓጋገዝቲ ሓኻይምን፡ ንርእሶም ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሕልውሉ ናውቲ የብልናን ብዝብል ሰልፊ ተቓውሞ ድሕሪ ምክያዶም፡ 50 ዶኳትር ከምዝኣሰሩ ተገሊጹ።

    ኣብታ 3800 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉላ ፓኪስታን፡ ሰለስተ ዶካትር፡ በዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።

    ፓኪስታን፡ ኣብ ደቡባዊ ኤስያ፡ ካብ ህንዲ ቀፂላ ብዙሓት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለውዋ ሃገር እያ።

  17. ብደረጃ ዓለም ካብ 5 ሰባት ናይቶም 4 ስራሕ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተሃስዩ

    ስራሕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ ዓለም ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ካብ ዝወፈሩ 3.3 ቢልዮን ሰባት፡ ናይቶም 81 ሚኢታዊት ዝሰርሑሉ ትካል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ'ሎ።

    ብምኽንያት ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሳት ዝተነበረ እገዳታት፡ ብዙሓት ትካላት ይዕጸዉ ብምህላዎም ሰራሕተኛታቶም ብቐዋምነት ወይ ብግዜያውነት ስርሖም ይስእኑ ኣለዉ።

    ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝነጥፍ ዓለም ለኸ ትካል ሰራሕተኛታት (ILO) ነቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ጽልዋ ዳህሲሱ ነይሩ። እቲ ዳህሳስ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ዓለም ንዘስዓቦ ጽልዋ ዘርእይ እዩ።

    ዋና ዳይሬክተር ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም ጉይ ራይደር "ኣብ ዝማዕበላን ዘይማዕበላን ሃገራት ዝርከቡ ራሕተኛታትን ትካላትን ከቢድ ዕንወት ኣጋጢምዎም ኣሎ" ክብል ይዛረብ።

  18. ባይቶ ኬንያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣኼብኡ ሰሪዙ

    ኬንያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሎሚ ረቡዕ ኣኼብኡ ከካይድ ትፅቢት ተገይርሉ ዝነበረ እቲ ባይቶ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ካብን ናብን ከተማ ናይሮቢ ምንቅስቓሳ ብምእጋዱ እዩ።

    ገለ ኣባላት ቤት-ምኽሪ ኬንያ፡ ብኮሮናቫይረስ ከይተትሓዙ ኣይተርፉን ዝብል ስግኣት ኣብ ኣባላት እቲ ባይቶ ከምዘሎ ይግለፅ።

    ጋዜጣታት ኬንያ 'ደይሊ ነሽንን ዘ ስታርን'፡ ገለ ኣባላት እቲ ባይቶ ተመርሚሮም፡ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ፅሒፈን እየን።

    ካብ ወፃኢ ዝተመለሱ ሓደ ሓደ ኣባላት ባይቶ ኬንያ ዝተወሸቡ እንትኾኑ ካልኦት ኣባላት እውን ብፍቓዶም ንክምርመሩ፡ ብኣመራርሓ እቲ ቤት-ምኽሪ ተሓቲቶም እዮም።

    ዋላ'ካ ሎሚ መዓልቲ እቲ ኣኼባ እንተተሰረዘ፡ ብመሰረት ዝወፀ መርሃ-ግብሪ ግና፡ እቶም ኣባላት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክራኸቡ እዮም።

    ኣብታ ሃገር 172 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፡ ሽድሽተ ድማ ሞይቶም።

  19. ቀዳመይቲ እመቤት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን መዝሙር ዘርጊሓ ኣላ

    ቀዳመይቲ እመቤት ኢትዮጵያ ዝናሽ ታያቸው፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን "መሓረና" ዝብል መዝሙር ፈኒዋ'ላ።

    እቲ መዝሙር ብዛዕባ ሕማም ኮሮናቫይረስ ብቐጥታ ኣይጠቅስን፡ እንተኾነ 'ሰብ ሕማቕ ዜና ሰሚዑ ኣብ ዝርዕደሉ ኣብዚ ሕማቕ እዋን ኣይትግደፈና' ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ።

    እቲ "መሓረና" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ ኣምሓርኛ መዝሙር ብሰሉስ ኣብ ዩቱብ ዝተፈነወ ኾይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ክዝርግሕዎ ተራእዩ

    ኣብቲ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እታ ቀዳመይቲ እመቤት 'ንህዝበይ ጨኪንካ ኣይትግደፎ' ኢላ ተንበርኪኻ እናተማሕጸነት ክትዝምር ትረኣይ።

    Skip YouTube post
    ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ትሕዝቶ YouTube መወዓውዒታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

    End of YouTube post

  20. ሰሜን ኮርያ ዜጋታታ ፃዕዳ ሽጉርቲ ክጥቀሙ ትምዕድ ኣላ

    ሰሜን ኮርያ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ሰሜንኮርያ፡ ዛጊድ ኣብታ ሃገር ዋላ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ከምዘየለ እያ ትገልፅ።

    ይኹን'ምበር ሰብ መዚ ናይታ ሃገር፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ዝተወሰኑ ስጉምትታት ይወስዱ ኣለዉ።

    ዜጋታታ ብኸመይ ካብ ኮሮናቫይረስ ንርእሶም ክከላኸሉ ከምዘለዎም ድማ፡ ሓደሽቲ መምርሕታት ትህብ ኣላ።

    ሰባት ካብ ፍቓድ ዶክተር ወፃኢ መድሓኒታት ከይወስዱን፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ፀረ-ቫይረስ መድሓኒታት ከይውሕጡን ኣገንዚባ።

    ካብዚ ብተወሳኺ፡ 'ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞኹም ስለዘድክም ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ' ክትብል'ውን ንዜጋታታ ምዒዳ'ላ።

    እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ሰሜን ኮርያውያን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ንምጥንካር፡ ከም ፃዕዳ ሽጉርቲ፣ መዓርን ቀይሕ ሽጉርትን ክበልዑ ማዕዳ ተዋሂብዎም።

    ሰባት ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ (ማስክ) ክጥቀሙን በብግዚኡ ክቕይርዎን፤ ከምኡ ድማ ብቫይረስ ንዝመጹ ሕማማት ስለዘይከውን ኣንቲባዮቲክ መድሓኒታት ከይወስዱ'ውን ምዒዳ'ላ።