ብደረጃ ዓለም ካብ 5 ሰባት ናይቶም 4 ስራሕ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተሃሰየ ትፈለጡ’ዶ?

ስራሕ እትእልሽ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ዓለም ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ካብ ዝወፈሩ 3.3 ቢልዮን ሰባት፡ ናይቶም 81 ሚኢታዊት ዝሰርሑሉ ትካል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ'ሎ።

ብምኽንያት ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሳት ዝተነበረ እገዳታት፡ ብዙሓት ትካላት ይዕጸዉ ብምህላዎም ሰራሕተኛታቶም ብቐዋምነት ወይ ብግዜያውነት ስርሖም ይስእኑ ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝነጥፍ ዓለም ለኸ ትካል ሰራሕተኛታት (ILO) ነቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ጽልዋ ዳህሲሱ ነይሩ። እቲ ዳህሳስ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ዓለም ንዘስዓቦ ጽልዋ ዘርእይ እዩ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም ጉይ ራይደር "ኣብ ዝማዕበላን ዘይማዕበላን ሃገራት ዝርከቡ ራሕተኛታትን ትካላትን ከቢድ ዕንወት ኣጋጢምዎም ኣሎ" ክብል ይዛረብ።

ወሲኹ ድማ "ብቕልጡፍን ከየማታእናን ብሓባር ክንስጉም ኣለና። እንወስዶም ትኽክለኛን ቅልጡፍን ስጉምትታት እዮም ነቲ ህላወ ኮነ ውድቀት ዝውስንዎ" ኢሉ።

ክሳብ 200 ሚልዮን ሰባት ስርሖም ክስእኑ ይኽእሉ'ዮም

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2020፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰዓታት ስራሕ ብ6.7 ሚኢታዊት ክንክዮ ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ። እዚ ድማ 195 ሚልዮን ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ስርሖም ይስእኑ ኣለዉ ከም ማለት እዩ።

እቲ ዝለዓለ ምንካይ ሰዓታት ስራሕ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከጋጥም ከምዝኽእል ዝግመት ኮይኑ ብ 8.1 ሚኢታዊት ይበጽሕ። እዚ ድማ ን 5 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ቀዋሚ ስርሖም ክስእኑ ይገብር።

ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም፡ ካብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ንደሓር "እቲ ኣዝዩ ሕሱም ቅልውላው" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

ኣብ 2020 ከጋጥም ዝኽእል ምውሳኽ መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት (ስእነት ስራሕ) ድማ ኣብ ክልተ መሰረታውያን ነገራት ከምዝድረኽ ይሕብር።

  • ቁጠባ ዓለም ኣብ ካልኣይ መፋርቕ እዚ ዓመት ብኸመይ ዝበለ ናህሪ ክሓውይ ይኽእል?
  • ብፖሊሲ ደረጃ ዝውሰዱ ስጉምትታትከ ነቲ ካብ ወገን ኣስራሕቲ ዝህልው ጠለብ ሰራሕተኛ ክንድምንታይ ክውስኽ ይገብሮ?

ብሕሱም ዝተሃሰዩ ኣፍረይትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን

ብሰንኪ'ቲ ብሃንደበት ዘጋጠመ ምዝሕሓል ስራሕ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብዝተፈላለየ ኩነታት ከምዝተሃሰዩ ይፍለጥ።

ማዕረ ምስ ኣፍረይቲ፣ ኣብ ጅምላን ችርቻሮን ዝተዋፈሩ፣ ኣብ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ዝነጥፉን ነጋዶን፤ ከምኡ'ውን ኣገልገሎት ዝህቡን መግቢ ዘቕርቡን ትካላት ብዝኸፍአ ደረጃ ዝተጸለዉ እዮም።

እዚኦም ኩሎም 1.25 ቢልዮን ሰባት ቆጺሮም ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ 38 ሚኢታዊት ሓይሊ ሰብ (ሰራሕተኛ) ዝሕዙ እዮም።

ኣበየኖት ሃገራት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ይርከቡ?

ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣየኖት'ዮም ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከቡ ንዝብል ሕቶ ዝቐርብ መልሲ ከከም ኩነታቱ'ዩ ዝፈላለ።

እንተኾነ፡ 43.2 ሚኢታዊት ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘለዉ ከምኡ'ውን 42.1 ሚኢታዊት ኣብ ኣውሮጳን ማእኸላይ እስያን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ኣብ ዝወደቑ ዓውድታት ተቖጺሮም ዝሰርሑ እዮም።

"ሓንቲ ሃገር እንተወዲቓ ኩላህና ኢና ንወድቕ። ንኣዝዮም ተቓላዕትን ነንብሶም ክሕግዙ ዘይክእሉን ክንረድኣሉ ዘኽእሉና ፍታሓት ክነናዲ ይግባእ" ኢሉ ዋና ዳይሬክተር ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም።

ኮሮና
ኮሮና