ኮሮናቫይረስ፡ መድሓኒት ዓሶ ንምንታይ እዩ ኣብ ዓለም ተደላዪ ኮይኑ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሎሮኪን ዝበሃል መድሓኒትን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ሃይድሮክሲክሎሮኪንን ልዑል ቆላሕታ ተገይሩሎም ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዞም መድሓኒታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ንምሕካም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘርእይ ውዱእ መረጋገጺ የለን እኳ እንተበለ፡ ናይዞም ኣፋውስ ተደላይነት ይውስኽ እዩ ዘሎ።
ብዛዕባ እዞም መድሓኒታት እንታይ ንፈልጥ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ሃይድሮክሲክሎሮኪንን ዓቕምታቱን ብዙሕ ግዜ እዩ ተዛሪቡ። ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ መድሓኒት ጠቒሱ "እንታይ ከይተርፈኩም እዩ? ወሓጥዎ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ ድማ "ሃይድሮክሲክሎሮኪን ኣብ ኩሉ ቦታታት ውጽኢታዊ ይኾን ኣሎ እዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ነዚ ዘረባ፡ ፌስቡክ ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ከሕልፍ ስለዝኽእል ኣጊድዎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክኒናት ክሎሮኪን፡ ረስኒ ከምኡ ድማ ነድሪ (inflammation) ንምንካይ ኣብ ሕክምና ሕማም ዓሶ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ኮይኑ'ሎ። ሕዚ ድማ፡ ሕማም ኮቪድ-19 ንዘምጽእ ቫይረስ ይዓግት እዩ ዝብል ተስፋ እዩ ዘሎ።
"ኣብ ቤተ ፈተነ ኣብ ዝተገበሩ መጽናዕትታት፡ ክሎሮኪን ንኮሮናቫይረስ ዝዓግቶ ይመስል። እቲ መድሓኒት ሓጋዚ ኮይኑ ረኺብናዮ ዝበሉ ሓካይም እውን ኣለዉ" ይብል ኣብ ቢቢሲ ናይ ጥዕና ጋዜጠኛ ጄሚስ ጋላሀር።
ኮይኑ ግን፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምሕካም ውጽኢታውነት ናይዞም መድሓኒታት ክሳብ ክንደይ እዩ ንዝብል፡ ዛጊት ኣብ ዝተኻየዱ ፈተነታት ውጽኢታነውቶም ዘረጋግጽ እኹል መረዳእታ ኣይተረኸበን። ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተገበረ ሓደ መጽናዕቲ ድማ፡ እዞም መድሓኒታት፡ ውጽኢት የብሎምን እዩ ዝብል።
እዚ መድሓኒተት ከቢድ ጎናዊ ሳዕቤናት እውን ኣለዎ። ኣብ ኩሊትን ጸላም ከብድን ሃስያ ከብጽሕ ይኽእል።
"ውጽኢታውነቱ ንምግምጋም፡ ዝዓበየ ንደረጅኡ ዝሓለወን ፈተነታት ክነካይድ ይግባእ" ይብል ምሁር ዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኮሜ ግበነጊ።
ኣብ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ስፔንን ቻይናን ሓዊሱ ልዕሊ 20 መጽናዕትታት ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ብሪጣንያ፡ ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ንምሕካም ከገልግሉ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ንምፍላጥ፡ ኣብ ኣፋውስ ዓሶ ፈተነተት ይግበር ከምዘሎ ሚኒስተር ቤትጽሕፈት ካቢነ ብሪጣንያ ማይክል ጉቭ ገሊጹ እየዑ።
ኣብ ኣመሪካ ድማ፡ ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ንምሕካም፡ ኣብ መድሓኒታት ክሎሮኪን፣ ሃይድሮክሲክሎሮኪን ከምኡ ድማ ዚትሮማክስ ዝበሃል ኣንቲባዮቲክ መድሓኒት ፈተነ ይበግረሎም ኣሎ።
እዚ መድሓኒታት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝፈቐዳ ሃገራት መነመን እየን?
በዓልመዚ ምቁጽጻር ኣፋውስ ኣመሪካ፡ እዞም ሕማም ዓሶ ንምሕካም ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዝነበሩ መድሓኒታት ሕማም ኮቪድ-19 ንምሕካም ኣብ ውሱናት ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ተሓከምቲ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቓድ ሂቡ እዩ።
እዚ ማለት ግን፡ እቲ ትካል እዞም መድሓኒታት ይሰርሑ እዮም ኢሉ ማለት ኣይኮነን። እዚ ማለት፡ ኣብ ገለ ኩነታት ሆስፒታላት ነቶም መድሓኒታት ካብ መኽዘን መንግስቲ ወሲዶም ኣብ ሕክምና ኮቪድ-19 ክጥቀሙሎም ፈቒዱ'ሎ ማለት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ጀርመን መደብሩ ካብ ዝገበረ ሓደ ኣፋውስ ዘፍርይ ትካል፡ 30 ሚልዮን መድሓኒታት ሃይድሮክሲክሎሮኪን ከምዝተለገሰሉ ገሊጹ እዩ።
ካልኦት ሃገራት'ውን፡ ነዞም ጸረ-ዓሶ መድሓኒታት ብዝተፈላለየ መጠን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይገብራ ኣለዋ።
ፈረንሳይ፡ ዶኳትር ንሕሙማት ኮቪድ-19 ነዞም መድሓኒታት ክእዝዙሎም ፈቒዳ እያ፡ እንተኾነ ንጥዕናዊ ኩነታት ዝቆጻጸር ትካል ናይታ ሃገር እዞም መድሓኒታት ጎናዊ ሳዕቤናት ከምዘለውዎም ኣጠንቂቑ እዩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ህንዲ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ሃይድሮክሲክሎሮኪን ከም መከላኸሊ ክጥቀሙዎን፡ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ምልካፎም ናይ ዝተረጋገጸ ሰባት ስድራታት ድማ፡ ምስቲ ሰብ ምትንኻፋት እንተነይርዎም፡ ብትእዛዝ ሓኪም እዚ መድሓኒት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ምዒዱ'ሎ።
ነገር ግን፡ ምርምራት ዘካይድ ትካል ናይታ ሃገር፡ ገደብ ዘይብሉ ኣጠቓቕማ ናይዞም ጸረ-ዓሶ መድሓኒታት ግአእ ዘይምዃኑን፡ እቲ ኣገልግሎት "ንፈተነ ጥራይ" ከምኡ'ውን ኣብ ህጹጽ ሕክምናዊ ኩነታት ጥራይ ዘገልግል ምዃኑ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ብዙሓት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ'ውን ገሊአን እዚ መድሓኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፈቒደን ገሊአን ድማ ፈተነታት የካይዳ እየን ዘለዋ።
እኹል ቀረብ ክሎሮኪን ኣሎ ድዩ?
ተደላይነት ናይዞም መድሓኒታት እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ብዙሓት ሃገራት ልዑል ጠለብን ሕጽረትን የጋጥመን ኣሎ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ፡ እዞም መድሓኒታት፡ ዓሶ ኣብ ምፍዋስ ውጺኢታውነቶም እናነከየ መጺኡ እንከሎ እዩ። እዚ ድማ፡ ሕማም ዓሶ ነቲ መድሓኒት እናተላመደ ብምምጽኡ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ፡ መድሓኒት ሃይድሮክሲክሎሮኪን ኣብ ኣብያተ መድሓኒት ከይሽየጥ ከልኪላ ኣላ። ኩዌት'ውን ካብ ኣብያተ መድሓኒት ተኣኪቡ ኣብ ሆስፒታልን ትካላት ጥዕናን ጥራይ ክግደብ ገይራ እያ።
ኬንያ'ውን፡ ክሎሮኪን ብዘይትእዛዝ ሓኪም ከይሽየጥ ገይራ ኣላ።
ነዚ ጸረ-ዓሶ መድሓኒት ብቐንዱ እተፍርይ ሃገር ህንዲ እያ። እታ ሃገር ድማ፡ እዞም መድሓኒታት ናብ ካልእ ሃገራት ከይለኣኽ ከልኪላ ጸኒሓ ነይራ፡ ሕዚ ድማ ነቲ ክልከላታት ክተፍኩሶ ዳግመ ግምት ትገብር ኣላ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ መድሓኒት ኣብ ሕክምና ኮቪድ-19 ከገልግል ከምዝኽእል ፍቓድን መረጋገጽን ኣይሃበን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







