ቁጠባ ኣመሪካ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብ30 ሚኢታዊ ከንቆልቁል እዩ ተባሂሉ

ሓላፊ ሃገራዊ ባንኪ ኣመሪካ፡ ጄሮም ፓውል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ሃገራዊ ባንኪ ኣመሪካ፡ ጄሮም ፓውል

ቁጠባ ኣመሪካ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ 20 ክሳብ 30 ሚኢታዊ ከንቆልቁል ከምዝኽእል ሓለፊ ሃገራዊ ባንኪ [ፌዴራል ሪዘርቭ] እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ጄሮም ፓውል ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምዝሕሓል እቲ ቁጠባ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ጠጠው ዝብል ዘይኮነስ፡ ንቐጻሊ ዓመት'ውን ክዘልቕ ይኽእል እዩ።

እቲ ቁጠባ ካብቲ ዝበጽሖ ጉድኣት ንክሓዊ፡ እቲ ለበዳ ክታበት ክሳብ ዝርከቦ ከጸግም ከምዝኽእል'ውን ተሰጊኡ ኣሎ።

ብዚ ምኽንያት ሓላፊ እቲ ሃገራዊ ባንኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓገግቲ ባይቶ ኣመሪካ፡ እቲ ቁጠባ ናብ ንቡር ንክምለስ ዘተባብዕ ፖሊሲ ከውጽኡን ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ከጽድቑን ሓቲቱ ነይሩ እዩ።

ጄሮም ፓውል፡ "እቲ ዘለናሉ ኩነታት ከቢድ እዩ። ኣብ ዜጋታት ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይ ብቓላት ምግላጽ ኣይከኣልን። እንተኾነ፡ ጊዜ ይወስድ 'ምበር፡ እቲ ቁጠባ ናብ ንቡር ምምላሱ ኣይክተርፎን" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ለበዳ ዘብጸሖ ጸቕጢ፡ ካብ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ዛጊድ ልዕሊ 36 ሚልዮን ኣመሪካውያን ሰራሕ ኣልቦ ኾይኖም ኣለዉ።

እዚ ሸቕሊ ኣልቦ ክፋል ሕብረተሰብ፡ 25 ሚኢታዊ ይኸውን።

ካብኡ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ግዳይ እቲ ትሑት መሃያ ተኸፋሊ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ከም ዝህሰያ ይዝረብ።

እንተኾነ፡ ናይታ ሃገር ፋይናንሳዊ ስርዓት ብርቱዕ ብምዃኑ፡ ቁጠባ ኣመሪካ ወዲቁ ከምዘይተርፍ እቲ ሓለፊ ወሲኹ ተዛሪቡ እዩ።

እቲ ለበዳ ተመሊሱ ንኻልኣይ ጊዜ ዙርያ እንተመጺኡ፡ ኣብ መጻኢ ሰለስተ ወርሒ እቲ ቁጠባ ካብቲ ዝወደቖ ክለዓል ከምዝኽእል ወሲኹ ተሰፍዩ።

በቲ ለበዳ ኣዝያ ዝተሃሰየት ኣመሪካ፡ ብበዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኮነ ብሰንኩ ህይወቶም ዝሰኣኑ ዝወዳደራ የለን።

ኣብ ገለ ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ምስ ምፍኳስ ዕጽዋ ተኣሳሲሩ እቲ ሕማም ከይደግስ ተሰጊኡ ኣሎ።